ግርደት ጸሓይ 

ንሰኑይ ሚያዝያ 8, 2024 ካብ ሰዓት 2:30 ድ.ቀ. ክሳብ 3:30 ድ.ቀ. ዘሎ (ምስራቓዊ ኣቆጻጽራ – ኣሜሪካ) ኣብ ከባቢታት ሰሜን ሜክሲኮ፣ ቴክሳስ፣ ኣርከንሶ፣ ሚዞሪ፣ ኢለኖይ፣ ኢንድያና፣ ኦሃዮ፣ ኑ ዮርክ፣ ሜይን ከምኡ’ውን ክሳብ ኣብ ካናዳ ከም ኣንቴርዮ፣ ኬበክ፣ ኒው ብራንዝዊክ፣ ኖቫ ስኮሻ፣ ፕሪንስ ኤድወርድ አይለንድን ኒው ፋውንድላንድን ዘጠቓለለ ግርደት ጸሓይ ክኽሰት እዩ። እዚ በብኸባቢኡ ካብ 4 ወይ 5 ደቒቕ ንላዕሊ ግዜ ኣይክወስድን እዩ። መሬት ኣብ ዘንጊኣ ወይ ኣብ ገዛእ ነብሳ ኣብ 24 ሰዓታት ሓንሳቢትለይ ካብ ምዕራብ ንምብራቕ ስለ እትሸርር፡ እቲ ግርደት ቀስ ብቐስ በቲ መስመር ካብ ምዕራብ ንምብራቕ ገጹ ክጓዓዝ እዩ።  ነዚ ንምዕዛብ እተፋላለየ ሰብ ናብ ኩሉ እቲ ኣብ’ቲ ወርሒ እትሓልፈሉ መስመር ከባቢታት ተጓዒዙ ገዛውታት፣ Airbnb ፣ መዕረፍ ኣጋይሽን ካልእን ድሮ ሻማ ሻማ ኢሉ ይካረዮን ወረገይ’ሲ ኣብ ብዙሕ’ውን ተወዲኡ ኣሎ። ፈላጣት ድማ ግርደት ጸሓይ ንዝርኢ ሰብ ትም ኢሉ ኣክንዲ ብሃውሪ (ብዕርቃን ዓይኑ) ዝጥምት፡ ብግቡእ ነብሰ-ድሕነቱ ክሕልውን ዝግባእ ንዕዑ ዝኸውን ዝተመስከረሉ መነጽር ክወዲን የጠንቅቑ ኣለዉ።   

መስመር ናይ ምሉእ ግርደት ኣብ ኣህጉር ሰሜን ኣሜሪካ

 እንታይ እዩ ‘ግርደት ጸሓይ’? 

ግርደት ጸሓይ ዝኽሰት ጨረቃ፣ ጸሓይን መሬትን ትኽ ብትኽ ኣብ መስመር ምስ ዝራኸቡ ወይ ዝጠማመቱ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ጨረቃ/ወርሒ ዑደት ኣብ እትገብረሉ ኣብ ሞንጎ ጸሓይን መሬትን ስለ እትሓልፍ ንጸሓይ ትኽውላ’ሞ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ናይ መሬትና ምሉእ-ብምሉእ ወይ ብኸፊል ጽላሎት (ከከም ኣቀማምጣኡ – ብዓይኒ ጨረቃ ርኢኻ) ይፍጠር። መሬት ሰማይ ናይ እቲ ኣብ ትሕቲ ግርደት ዘሎ ከባቢ ቦታ  ድማ ወይ ምሉእ ይጽልምት ወይ እውን ኣብ’ቲ ኸፊላዊ ግርደት ዘለዎ ከባቢ እንተ ሃልዩ ልክዕ ከም ወጋሕታ ወይ ዕራርቦ ይጽልምት።

ግርደት ጸሓይ – ወርሒ ንጸሓይ ትኽውላ

ግርደት ጸሓይ ኣብ 18 ወርሒ ሓንሳብ ኣብ ገለ ቦታ ናይ ዓለምና ዝኽሰት ፍጻሜ እዩ። ኣብቲ መንገዲ ናይ’ቲ ምሉእ ከውሊ ወይ ግርደት ዘሎ ሰብ ድማ (ጸሓይ ስለ እትኽወል) ነቲ ኣኽሊል (corona) ናይ ጸሓይ ንኽርኢ ዕድል ይፍጠረሉ። ምኽንያቱ  ጸሓይ ናይ ነብሳ ብርኽ ኢሉ ኣብ ወሰናስና ዘካብባ ጋዛዊ ኣኽሊል ወይ ሃዋሁ ስለ ዘለዋ እዩ። እዚ ብንጭርጫር ጨርቂ/ጸጕሪ ርእሲ ዝመስል ዘዋስና ቀጸላ ኣኽሊል ኮይኑ ኣብ ካልእ ወቕቲ ዘይንርእየሉ ምኽንያት ድማ ጸሓይ ኣዝዩ ብርቱዕ ንዓይንኻ ዝወግእን ዝደጕሕን ብርሃን ስለ ዘለዋ ክንሪኦ ስለ ዘይንኽእል ኢና።  

ኣኽሊል ጸሓይ – ብወርሒ ምስ ተኸወለ

ብዝኾነ ግን ፈላጣት ከም ዝብልዎ፡ እዚ ብንጭርጫር መሳሊ ኣኽሊል ጋዛዊ ፕላዝማ ነገር መጠን ዋዒዑ 1 ሚልዮን ዲግሪ ሰልሲየስ/ሰንቲግሬይድ ሃልይዎ ካብቲ ጋዛዊ ባይታ ናይ ጸሓይ ድማ ብ200 ዕጽፊ ይውዒ – ባይታ ጸሓይ 5,500 ዲግሪ ሰ. ሙቐት ኣለዎ። ሃዋሁ ኣኽሊል ጸሓይ ክሳብ 8 ሚልዮን ኪ.ሜ. ንላዕሊ ጽልወት ዝርጋሐ ሃልይዎ መሬትና እውን ኣብቲ ጽልወት (ሙቐት) ሃዋሁ እያ ዘላ። ብዘይ እዛ እትጸልወና ጸሓይ ኩሉ ጠፈር ወይ ሃዋሁ እቲ ኣዝዩ ክቱር ዝዘሓለ ናይ ቍሪ ቍሪሩ ሰፈር (-270 ዲግሪ ሰንቲግሬይድ ወይ 2.7 ኬልቪን) ምኾነን ሂወት ዝበሃል’ውን ኣይምተፈጥረን ይብሉ ናይ ጠፈር ኣጽናዕቲ። ብዝኾነ ጨረቃ ንጸሓይ ሙሉእ ምስ ጋረደታ፡ ነዚ ኣኽሊል ብርሃን ንርእዮ። 

ግርደት ጸሓይ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ኣብ መሬት ዝኾነ ለውጥታት ይርአ እዩ። ንኣብነት፦ መጠን ኣየር ይዝሕል፣ እንስሳታትን ኣትክልትን ጠባዮም ይቕይሩ፣ ኣዕዋፍ ምዝማሮም የቋርጹ፣ ዕንጭራሪት ምጭራር የቋርጹ፣ ዕምባባታት ይኽደኑ፣ ኣናህብ ዚዝ ምባል የቋርጻን ግዜ’ውን ስለ ዝቃወሰን ናብ ቆፈአን ይምለሳ፣ ከብቲ’ውን ከምኡ ግዜ ተቓዊስዎም ናብ መሕደሪ ደንበ ቤቶም ይኸዱ። እዚ ግን ንሓጺር እዋን ጥራይ ኮይኑ፡ መሬት ምስ በርሀ እንስሳታት ናብ’ቲ ንቡር ናብርኦም እዮም ዝምለሱ። 

ካልእ ምስ እዚ ዝመሳሰል ድማ ግርደት ጨረቃ እዩ። ግርደት ጨረቃ ዝኽሰት መሬት ኣብ ሞንጎ ጸሓይን ወርሕን ምስ እትኸውን እዩ። ስለዚ መሬት ንባዕላ ንጨረቃ ካብ ጸሓይ ትኽውላ። ጽላሎት ናይ መሬት ድማ ኣብ ገጽ ወርሒ/ጨረቃ ይዓልብ። ወርሒ ድማ ትድብንን ንቍሩብ ሰዓታት ድማ ቀያሕ ትኸውን። ምሉእ ግርደት ጨረቃ ኣብ 2 ዓመትን መንፈቕን ሓንሳብ ይኽሰት። ስለዚ፡ ንዓመታ ብዕለት መጋቢት 14, 2025 ዓ/ም ግርደት ጨረቃ ከጋጥም እዩ። 

መወከሲ ንባባት – References

https://science.nasa.gov/eclipses/future-eclipses/eclipse-2024/
https://www.britannica.com/science/heliosphere
https://www.timeanddate.com/eclipse/total-solar-eclipse.html
https://en.wikipedia.org/wiki/Solar_eclipse
ምንጪ ኣሳእል – Image Source:
https://www.accuweather.com/
https://thedig.howard.edu/all-stories/astronomy-professor-talks-eclipses-and-their-role-our-solar-system
https://www.pexels.com/photo/total-solar-eclipse-20209009/


በርበረ – Chillis (ካፕሲከም  – Capsicum) 

ኣብ’ዚ በርበረ ክብል እንከለኹ እዚ ዝተፈላለየ ቀመማት ከም ሰሰግ፣ ጅንጅብል፣ ጻዕዳ ሽጉርቲ፣ ሮዝማሪኖ (ብዓረብ ‘ኢክሊሉ ል’ጀበሊ’ ወይ ‘ኣኽሊል ጎቦ’ ይብልዎ)፣ ሽጉርቲ፣ ኣዝሙድ፣ ከሙን፣ ጨው፣ ጻቕዳ፣ ኣበሱዳ፣ ኣባዕከ፣ ኮረሪማ፣ ጸሊም በረበረ፣ ጨና ኣዳም፣ ቃርፋ ወዘተ ኣትዩ ዝተሓወሶ ጥሑን በርበረ ወይ እቲ ተቓሚሙ እንሪኦ ጥሑን በርበረ ዘይኮነስ፡ ብሓፈሻ ነቲ ቀንዲ ጥረ በረበረ ወይ ጉዕ (chilis) ንምባል እዩ። እዚ ብሓፈሻ ብጥረ ጉዑ ነዚኦም ዓይነታት የጠቓልል፦ ጉዕ፣ ሚጥሚጣ፣ (chilli pepper)፣ በርበረ ፕሮብላኖ፣ በርበረ አነሃይም፣ ሃለፒኖ፣ በርበረ ፍሬዝኖ፣  በርበረ ሰራኖ፣ በርበረ ካየን፣ በርበረ ተባስኮ፣ ዓይኒ ዑፍ ጉዕ (ናይ ኣሽያ ዕንጭቝሊት ጉዕ)፣ በርበረ ስካች ቦነት፣ ሃበኒሮ፣ ጎስት በርበረ፣ ካሮላይና ሪፐር በርበረን እቲ ዘይመርር ቦርቦሮኒን የጠቓልል። ኣይግረመና! በርበረ ጉዕ ምድቡ ምስ ኣሕምልቲ ዘይኮነ፡ የግዳስ ልክዕ ከም ኮሚደረ ምስ ፉርታ እዩ ተሰሪዑ ዝምደብ። ብዝኾነ ኣብ ዓለም ገለ 4000 ዝበጽሑ ናይ ጕዕ ጅራት ወይ ዓሌታት ኣለዉ። እታ ዝበዝሐ ጉዕ ኣብ ዓለም እተፍሪ ድማ ሃገር ቻይና ኮይና፡ ናይ ዓለምና 46.1 ሚእታዊ ፍርያት ጕዕ በርበረ በይና ትሽፍኖ። 

ግን አዚ ካብቲ ቀንዲ ንመኣዛና እንጥቀመሉ በርበረ’ዚ እንታይ እዩ ትርጉሙን ኣገዳስነቱን፡ እንታይ እዩ’ኸ እቲ ጥቕሙ? ከምቲ ብዙሕ ተደጋጋሚ ዝንገረናን እንሰምዖን ወዮ መተዓብይትና ነግራም ማር ማር ዘብል በርበረ ውላድን መንነትን መበቆሉ ሃገርናን ሃገረ ኢትዮጵያን ድዩ ወይስ ካብ ካልእ እዩ?  

ጕዕ በርበረ

 እዚ ንሕና በረበረ እንብሎ ቃል ካብ ቱርካዊ ቃል ‘ቢበር’ ዝመጸ ክኸውን ይኽእል (ምናልባት ምስ’ቲ ምትእትታውን ምስፍሕፋሕን ቱርካውያን ናብ ሃገርና ዝመጸ ክኸውን’ ውን ይኽእል)። ብዝኾነ እቲ ቓል ቀንዲ መበቆሉ ካብ ሳንስክሪት ወይ ናይ ህንዲ ቃል ኮይኑ ፋልማይ መጸውዒ ቓል’ ዚ ‘ፒፓሊ’ (pippali) ይብል። እዚ ግን ነቲ ናይ ህንዲ ዝኾነ ‘ነዊሕ በርበረ’ (በርበረ ጸሊም ዝመስል ንውሕ ዝበለ ዕንጨይቲ) ዝገልጽ ኮይኑ ደሓር ብመንገዲ ፋርሳውያን (ናይ ሕጂ ኢራናውያን) ተራዒሙ ንሶም ‘ፒፓሪ’ ቢሎም ዘድመጽዎን ደሓር ድማ ብእኦም ጌሩ ናብ ዓለም ዝተዘርግሐ ቃል ወይ ስያሜ ናይዚ ቀመም ኢዩ ኔሩ። ደሓር ግን ብ15ን 16ን ክ/ዘመናት ንስያሜ ጕዕ ምስ ምስፍሕፋሕ ግዝኣት እስጳኛን ፖርቱጋልን ናብ ሰሜንን ደቡብን ኣሜሪካ፡ ነዚ ሕጂ እንፈልጦ ጉዕ በርበረ ኣብኡ ስለ ዝረኸብዎ፡ እሞ ድማ ናብ ኤውሮጳ ስለ ዘተኣታተዉዎ ነዚ ህንዳዊ ቓል’ዚ ንመግለጺ እዚ ሓድሽ ኣብ ኤውሮጳ ዝተኣታተወ ጉዕ በርበረ ፍረ’ዚ ክጥቀሙሉ ጀመሩ። ስለዚ ፔፐ (ብጣልያን)፣ ፒፐሪ (ብግሪኽ)፣ ኣል’ፉልፉል (ብዓረብን ፋርስን)፣ ፒልፐል (ብእብራይስጥ)፣ ፌፋ (ብጀርመን)፣ ብኣምሓርኛ በርበሬ ወይ ቃርያ (ምናልባት ካብ ቃረ ወይ ቀሓር ዝመጸ)፣ ወዘተ እዩ። ኣብ ትግርኛ እውን እቲ ኣውራ ቃል ‘በርበረ’ ኮይኑ ጉዕ በርበረ ወይ ብሓጺሩ ጉዕ እውን እንዳ ተባህለ ይግለጽ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ጉዕ ዝብል ቅጽል ቃል ቀንዲ ሕመረተ ቃሉ ንዘይበሰለ ወይ ጥረ ፍረ ንምግላጽ እዩ።

 እቲ ዝገርም ነገር፡ እዚ ንሕና ናትና እዩ እናበልና እንበልዖን ብግጕይ እሱ’ዩ ምኽንያት መሐየሊለና እናበልና ብዙሕ እንጀሃረሉ በርበረ መበቆሉ ኣብ ሃገርና ወይ ኣፍሪቃ ዘይኮነስ፡ በንጻሩ ክኔው ስግር መሬትና ኣብ ኣብ ከባቢታት ፔሩ፣ ኤኳዶርን ኮሎምቢያን ወይ ኣብ ደቡብ/ላቲን ክፋል ኣሜሪካ እዩ። ስነ-ኣትክልተኛታት ከም ዝብልዎ ደሓር በብቝሩብ ናብ’ዚ ሰሜናዊ ክፋል ኣሜሪካ ገጹ (ከም በዓል ሜክሲኮ ወዘተ) ዘስፋሕፍሐ ዓይነት ፍረ እዩ። መበቆሉ ጥራሕ ዘይኮነ ዋላ’ውን እቲ ዝተፋላለየ (ብዙሕ ቃው ቃው ኣቢሉ ዘቃጽል) ዓሌታት ናይ’ዚ ጉዕ’ዚ ኣብ ደቡብን ሰሜንን ኣሜሪካ ከም ሜክሲኮ ወዘተ እዩ ሰረቱ። ዋላ’ውን ኣብ ዳሕራይ ዝተፋላለዩ ምስ ክሊማ ዝኸዱ ጅራት (ዓሌታት) ወይ ዝተዳቐሉ ዘርእታት ናይ ጉዕ ኣብ ኤርትራን/ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ኣብ ዘተረፋ ሃገራት ኣፍሪቃ በቲ ናይ ሽዑ ሓያላት ዝነበሩ ፖርቱጋል እንተ ተኣታተወ (ናብ ሃገርና እውን ፖርቱጋል’ዮም ካብ ከባቢ 1520 ክሳብ 1770 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ የእትዮሞ ዝብሉ ኣለዉ)፡ ዜሩ ዜሩ መበቆል አዚ ተኽሊ’ዚ ኣብ ኣሜሪካታት ምዃኑ ኢና ንርዳእ። ስለዚ ሓበሻ ብነብሱ ነግራም ኮይኑ እዩ እምበር በርበረ ስለ ዝበልዐ ኣይኮነን እታ መልሓሱ ናብ ጸርፊ ተዋጣውጥ። በርበረ ወይ ሕዋስ ድልኹ ካብ ናይ ሃገርና ዝያዳ ዝብርትዕን ተማም ጌሩ ርእስኻ ክሳብ ዝንጸላሎ ዝለኽዓካ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ረኣናዮ ገሪሙና እዩ።

ትሪኒዳድ ስኮርፒዮን በርበረ

  ብዝኾነ ምኽንያት ናይ’ዚ መዕገርገሪ ቃውቃውታ ወይ ቃጸሎ ናይ በረበረ/ጉዕ እንታይ እዩ? በርበረ ወይ ኩሉ ጠቕላላ ዓሌት በርበረ ዘቡኡ ዘቃጽለና ምኽንያት ኣብ ውሽጡ ማለት ኣብቲ ነቲ ዘርኢ ኣካቢብዎ ዘሎ ደውሲ (ወይ  ቲሹ/tissue)  ካፕሰይሲን (capsaicin) ዝተባህለ ማይ-ማዮ ወይ ሕብሪ-ኣልቦ ዘይቲ ነገር ስለ ዘለዎ እዩ። በርበረ መግቢ ወይ ጉዕ ኣፍና ኣእቲና መግቢ ኣብ እንቐስመሉ ግዜ ነዚ ከሚካል ወይ ባእታ (ካፕሰይሲን) እዚ ክንበልዕ እንኮለና ኣይንቐምሶን ወይ ድማ ብቐጥታ ኣይንጥዕሞን ኢና፣ እንታይ ዳኣ መልሓስና ንካፕሰይሲን ምስ ቐመሶ፡ ነቲ ኣብ ዋህዮታትና ዘሎ TRPV1 ዝተባህለ ፕሮቲን ቃጸሎ ወይ ቃንዛ (ሓዊ ካብ 43 ዲግሪ ሰንቲግሬይድ ወይ ሰልስየስ ንላዕሊ ሙቐቱ) ብግዳም ኮነ ብውሽጥና ኣብ እን’ነደሉ ግዜ ሰሚዑ ዝበራበር ናይ ውሽጢ ኣካልና ኤለክትሪክ ሉቸ (ፕሮቲን) ንበሎ ስለ ዝበራበር ወይ ዝውላዕ፡ ብኡ ንብኡ መልእኽቲ ካብ መልሓስ ናብ ሓንጎልና ብመንገዲ ስርዓተ መትኒ (ነርቭ) ጌሩ ይሰድድ። ሓንጎልና ድማ በርጊጉ መልሲ ቃንዛ ወይ ቃውቃውታ ናብ’ቲ መልሓስና ይሰድድ። ብሓጺሩ እቲ ቃው ቃው ኣቢሉ ዘንድደና ስምዒት ናይ በሓቂ ባል ባል ቢሉ መልሓስና ዝምሽልጠና ናይ ሓቂ ቃጸሎ ዘይኮነስ፡ የግዳስ ነዚ  በቲ ተኽሊ ኣብ ህዋስና ንኽስመዓና ተባሂሉ ዝፍጠር ስልቲ ወይ ምትሃተ ህዋሳት (sensory illusion) እዩ።  ብዝኾነ ሕጽር ብዝበለ ዘይቲ ካፕሰይሲን ምስጢር ናይቲ ቃውቃውታነት ወይ ባልባል ዘብለካ ነገር ወይ ተፈጥሮኣዊ ከሚካል እዩ። ብዙሕ ካፕሰይሲን ዘለዎ ጉዕ ድማ ብተዛመዲ ወይ ጎድኒ ንጎድኒ ምስ’ዚ ምብዛሕ መጠን ካፕሰይሲን ይመርር።  

ካፕሰይሲን ሰበብ ናይ’ቲ ቃጸሎ እዩ።

ብሰንኪ ናይ’ዚ ቃጸሎ ባህሪ ጉዕ’ዚ (ጉዕ በርበረ ነግራም ዝጻፋዕ ብምዃኑ)፡ ሰብ ኮነ ኩሎም መጥበውቲ እንስሳታትን ኣናጹን፡ ነዚ ፍረ’ዚ ኣብ ዝበልዕሉ ግዜ ይመሮም። በንጻሩ ንኣዕዋፍ ግን ኣይመሮምን እዩ፡ ምኽንያቱ ስኒ ስለ ዘይብሎም ከይሓየኹ ስለ ዝውሕጥዎ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እቲ ንቃውቃውታ በርበረ ዝሰምዕ TPRV1 ዝበሃል ታህዋስ ኣብ ኣዕዋፍ ትሑት ናይ ምስትብሃል ዓቕሚ ስለ ዘለዎ (ወይ ድማ ጎዲሙ ስለ ዝደነዘ) ዋላ ተንኪፎሞ እውን ኣይመሮምን እዩ። ስለ’ዚ፡ ኣብኣ እንኮላ፡ ናብ ከብዶም ሶቲኻ ተሓምሺሻ እውን ስለ ዘይትሓቅቕ፡ ብጥሪኣ ይሓርእዋ። 

ኣዕዋፍ ምስ በርበረ ኢድን ጓንትን’ዮም።

በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ዘርኢ ናይ ጉዕ በዕዋፍ (ፈቖድ’ኡ ምስ ሓረኡዎ) ቦቒሉ ንኸስፋሕፍሕ ናይ ተፈጥሮ ምኽንያት ይኾኑ። ሳየንቲስት ከም ዝብልዎ ተኽሊ በርበረ መሪር ፍረ ንኽፈጥር ዝተገደደ ብናይ ነዊሕ ናይ ተፈጥሮ ክስተት ወይ ፍልቀት ኮይኑ ንነብሱ ብገለ ገለ ባልዓት ወይ እንስሳታት እንዳተለቕመ ንኸይጸንት ዝፈጠሮ ናይ  ነብሰ -መከላኸሊ ብልሓት/መገዲ እዩ ይብሉ። ስለዚ ፈጣሪ ብዝመደቦ ኩሉ ፍጡር ዘቡኡ በብናቱ ነዛ ኣዱንያና ካብ ተጻባእቲ እንዳ ተጎራፈጠ ይቃለሳን መቃለሲ ዝኾኖ ኣጽዋር ድማ ይፈጥርን። ኣብ እንስሳታት ዓለም ከም እንሪኦ ከም በዓል ተመን፣ ዕንቅርቢት፣ ንህቢ፣ ጀሊ-ፊሽ ወዘተ ብሕንዞም’ድዩ ወይስ ብምንዳፍ ንነብሶም ካብ ተጻይ ንክከላኸሉ ኣብ ነዊሕ ናይ መዋእል ክስተት እዮም ፈሊቖም፡ ብተመሳሳሊ ኣብ (ክሃድሙ ዘይክእሉ) ኣትክልቲ ዓለም እውን እንተ ሪኢና ናቶም ዝከላኸሉ መገዲ ከም እሾኽ፣ እሾኽ-ዓጋም፣ እሾኽ ቆልቃል በለስ፣ እቲ ኣብ ዕንበባ ኣድብዩ/ተሓቢኡ ዝጸንሕ ዳንዴር፣ ሲሊኮንን (ንሳዕሪ ብመጋሃጫ ንከይውድኡ ሻሕካር ይገብሮም) ዝተሰመሙ ከሚካልን እናገበሩ ንሂወቶም ካብ ባልዓት ሓሳኹ (herbivores)፣ ንኣታኽልቲ ዝህንክቱ ጎዳእቲ ዕሲታት ይከላኸሉ።   

ኣብዚ ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ ንጉዕ በርበረ ካብ ኩሎም ባልዓት ንላዕሊ ዝያዳ ዝጻብኦ እዚ ንኣታኽልቲ ዘጽንት ዕሲ ብምዃኑ፡ ዕሲ ድማ ኣብ ርሑስ ጥልቁይ ቦታታት ስለ ዝራባሕን ዘስፋሕፍሕን፡ እቲ ዝመረረ ጉዕ (ብዙሕ ካፕሰይስን ዘለዎ) ኣብ ብብዝሒ ዕሲ ዘለዎን ጨፈቕፈቕ ዝብል ቦታን ይርከብ። እቲ ህዱእ ዘይመርር ጉዕ ግን ኣብ ዝወሓደ ማይን ዕሲ ብብዝሒ ዘይብሉን ደረቕ ቦታታት ብብዝሒ ይርአ። ዋላ’ውን እቲ ሕጂ ኣብ ዕዳጋ እንረኽቦ ዝበርትዐ ጉዓት እንተ ሪኢና፡ ካብ እቲ ራሕሲ ማያት ዘለዎ ከባቢታት ከም ሰሜናዊ-ምብራቕ ህንዲ፣ ኣሜሪካ ትሪኒዳድን (ከሪብያን)፣ ቻይና፣ ቱርኪ፣ ኢንዶነዥያን እስጳኛን እዩ ዝመጽእ።  

 ብዝኾነ ዋላ’ኳ ጉዕ ጸላእቱ ንኸሳድድ እንተ መረረ፡ ወዲ-ሰብ በርበረ ካብ ምፍታዉ ዓዲ ኣይወዓለን። ከምቲ ዝበሃል ዳርጋ ርብዒ ናይ ዓለምና ህዝቢ፡ እተፈላለየ ዝዓይነቱ ጉዕ በርበረታት ይበልዕ። ኣብዚ ጕዕ ሸውሃትካ ናይ ምኽፋት ዘለዎ ሓይሊ ኣብ ቦቱኡ ኾይኑ፡ ካልእ ምኽንያት ናይ’ዚ ድማ እቲ ቃልቃል ዘብል ካፕሰይሲን ነቲ ናይ ነብስና ናይ ወጥሪ ሆርሞናት ስለ ዘበግሶን ዝድርጕሖን፡ ቆርበትና ቀዪሑ ረሃጽ ከም ንርህጽን ይገብረና። በዚ ድማ ስለ እንበራበርን፡ አብ ሞንጎ እዚ ሃወጽወጽን ረበሽበሽን ድማ ሓይሊ ስለ ዝስመዓናን እዩ። ነዚ ነበልባል ተጎራፊጡ ዝወጸ ሰብ ድማ ዓንተር ኮይኑ ይስምዖ። እዚ ምትእስሳር መሪር በርበረ ምስ ዓንተርነት/ስብእነት ብምስላ’ውን ‘በርበረ ምርር ክብል፡ ሰብኣይ ከኣ ትርር ክብል ኢዩ ዘለዎ።’ ብምባል ኣብ ሃገርና’ውን ብኣምስሎ ይግለጽ እዩ።  እቲ ካልእ ዝግለጽ ምኽንያት ግን እሑእ! እሑእ! (እንታይ ዳኣሉኸ! በርበረካ ሰርነቑኒ) ብዙሕ ሰብ ንነብሱ ከቐንዙ ሓጎስ – ወይ ካብ ቃንዛ ዝብገሰ ሓጎስ (masochism) – ስለ ዝስምዖ እዩ ይብሉ። እቲ ካልእ ዝዓበየ ምኽንያት ግን (ብፍላይ ኣብ ከም ሃገርና ዝኣመሰላ ሃገራት) ሙቐት ስለ ዘሎ መግብና ብዘይ በርበረ እንተ ጸኒሑ ማይክሮባት ወይ ታህዋስያን ስለ ዘበላሽውዎ እዩ። ከምቲ መግቢ ኣብ መዝሓሊት እንተ ኣእቲናዮ እዞም ማይኮርባት ብዛሕሊ ከይተራብሑ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጸንሓልና፡ ንመግብና መዝሓሊ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት’ውን፡ በርበረ እንተ ጌርናሉ’ውን ከይተበላሸወ ንኽጸንሕ ይሕግዘና እዩ። እዚ ድማ ኣብ ምዕቃብ ጥዕናና ወይ ከይንሓምም ይሕግዘና ማለት እዩ። 

 ጥዕና ካብ ኣምጻእና ግን እስከና ጥቕሚታት ናይ በርበረ ንርአ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ህዝብና (ምስ ኢትዮጵያ ሓዊስካ) እንተ ብገምሪ (intuition)፡ እንተ ብስነ-ሞጎት ወይ ሎጂክ፡ እቲ መሰረታዊ ጥቕሚታት ናይ በርበረ በጺሕዎ እዩ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። መሪር በርበረ ኣዝዩ ልዑል ትሕዝቶ ቪታሚን ‘ሲ’ ስለ ዘለዎ ንቡርቱኻን ብ 3 ዕጽፊ ይበልጾ። ካልእ ቪታሚን ‘ኤ’፣ ‘ቢ’ን ‘ኢ’ን ብጻዕቂ መሊእዎ ይርከብ። ስለዚ ቪታሚን ‘ኤ’ን ‘ቢ’ን ንዓይንኻ፣ ንነብሰ-ተጸዋርነት (ካብ ሕማም)፣ ንዕቤት፣ ንጸዓት፣ ንሸውሃት፣ ንጥዕና ልብኻ፡ ሳንቡእካ፡ ሓንጎል ወዘተ ይጠቕመና። ብተመሳሳሊ ቪታሚን ‘ኢ’ ንነብሰ-ተጸዋርነት ካብ ቫይረስ/ባክተርያ፣ ንዓይኒ፣ ንቆርበት ጥዕና፣ ሰራውር ደምና ክገፍሕን ደምና ከይረግእን (blood-clotting)፣ ‘ኣንቲ-ኦክሲዳንት’ ኮይኑ ንዝተፈላለየ ሕማማት ይከላኸል፣ ንነድሪ ይከላኸል፣ ወዘተ። ኣንቲ-ኦክሲዳንት ማለት ጸረ-ኦክሲዳንት ኮይኑ እቶም ኦክሲዳንት ዝበሃሉ ዘየድልዩ ንዋህዮ ደውሲን (cell tissue) ንዲ-ኤን-ኤይ ዘብርሱን ከም ሳዕቤኑ ድማ ነድሪ፣ ከም ሽኮርያ ካንሰርን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ዘይሰዱ ናይ መዋእል ሕማማትን ስለ ዘስዕቡ እዮም። ኣብ መወዳእታ፡ ቪታሚን ‘ሲ’ ንባዕሉ ኣንቲ-ኦክሲዳንት ኮይኑ ንዋህዮታትካ ካብ ሳዕቤን ‘ፍሪ-ራዲካልዝ’ የገላግል። (ፍሪ-ራዲካልዝ መግቢ ኣብ ከብድኻ ኣብ ዝሓቀሉ፣ ንጸርጊ ወይ ጩራ ጸሓይ፡ ንትኪ ሽጋራን/ትምባኾን ካልእን ኣብ እትጋለጸሉን ግዜ ዝፍጠሩ ጎዳእቲ ሞለክዩላት እዮም።) ፍሪ-ራዲካልዝ ንሕማም ልቢ፣ ንመንሽሮ (cancer)፣ ካልእ ሕማማትን ንኽፍጠሩ ዓቢ ተራ ይጻወት። ስለ’ዚ ብሓጺሩ ጕዕ እዚ ኹሉ ጥቕሚ ሓቚፉ ይርከብ። 

ካልእ ፈላጣት ዝብልዎ፡ በርበረ ነቲ ግናይ ዝጎድኣና ባክተርያ ክቐትሎ እንከሎ፡ ነቲ ንንብስና ዝጠቕሞ ባክተርያ ግን ይዕቅቦ’ዩ ይብሉ። ኣብዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ኢትዮጵያውያን (ሓሓሊፉ ኤርትርውያን እውን ኣይሰኣኑን እዮም) ‘ኣይጎድኣናን እዩ፡ ደይ በርበረ ነቲ ባክተርያ ክጥፍኦ እዩ’ እናበሉ ዝሕላን ክትፎን ምስ ሰናፍጭ፣ ሚጥሚጣ፣ ወይ ኣዋዘ ሓዊሶም ወይ ደፍዲፎም ይበልዕዎ እዮም። ወረግ ገሊኦም’ሲ ቐጥታ ዝልዝል ስጋ ካብ እንዳ ስጋ እንዳ ተቐበሉ ብዘይ በርበረን ካልእን ተተቐቢሎም ገና ኣብ ኣፎም እንከሎ ብኻራ ቆቆራሪጾም ሓመድ ከስሕንዎ ርእየ ኣለኹ። ኣብዚ ምናልባት እቲ በርበረ ወይ ሰናፍጭ ብደንቢ ምስ ካልኦት ዝተፈላለዩ ጠቐምቲ መራጕድቲ ቀመማትን ሽጉርት ጻዕዳን ስለ ዝተሓዋወሰ ወይ ድማ ከም ብርቱዕ ‘ሹትኒ’፡ ነዚ ምስ ብሓድሹ ዘሎ ብጽርየት ዝተሓለወ ስጋ፡ ብግቡእ ኣገባብ ኣሊኾም እንተ በሊዖሞ፡ ባክተርያታት ቀቲሉ ብመጠኑ ክሕግዞም ይኸእል እዩ። እንተኾነ ግን፡ ዘይበሰለ ስጋ ናይ ጥረ ስጋ ጽግዕተኛታት (ፓራሳይት) ከም ሓቢ፡ ስለ ዘለዎ ንጥዕና ጽቡቕ ኣይኮነን። ብጀካ’ዚ ግን ካልኦት ጥረ-ስጋ ሓቚፍዎም ዝመጽእ ከም እኒ ኢ-ኮላይ፣ ሳልሞነላን ሊሰተርያን ዝተባህሉ ባክተርያታት ጽዒኑ ስለ ዝመጽእ፡ ምስማም መግቢ የኸትል። እዚ መግበ-ምስማም ድማ ኣሕሚሙ ኣደዳ ተምላስ፣ ተቕማጥን ረስኒን ከም እንኸውን ይገብረና። ዕቱብ ሕማም ኮይኑ ኣብ ደም እንተ ኣትዩ ድማ፡ ናብ ከቢድ ሕማም ተቐዪሩ ክሳብ ሞት ከብጽሕ ይኽእል። 

ዝሕላ ጥረ ስጋ – ንቐደም በሉ!

ሓቂ ንምዝራብ ኢትዮጵያውያን ኣብ እንዳ ስጋ ካብ ሓራዳይ እንዳ ተቐበሉ ብዘይ ነግ-ፈረግ ነቲ ስጋ ክበልዑዎ ክትሪኦም እንኮለኻ፡ የሰንብደካ ጥራይ ዘይኮነ ናባኻ’ውን ከይመጹ 4ይ ማርሻ ኣእቲኻ ክትሙልጨጭ ኢኻ ትደሊ። ግን ሚዛናውነት ንኽህልወና ጃፓናውያን’ውን ጥረ ዓሳን ስጋን ምስ መሪር ‘ዋሳቢ’ ዝበሃል ዓይነት ሰናፍጭ ሓዊሶም ይበልዑዎ እዮም። ቀንዲ መግቦም ከም ሱሺ ብጥረ ዓሳ ኮይኑ፡ ካልእ ‘ሳሽሚ’ ዝበሃል ድማ ቀንዲ ካብ መግባውያን-ባሕሪ (seafood) ኮይኑ፡ ካብ ጥረ ስጋ ብዕራይ፣ ሓሸማ፣ ፈረስን ደርሁን እውን ምስ ዋሳቢ፡ መረቕ ኣዳጕራን ጅንጅብልን ካልእን’ውን  እንዳ ሓወሱ የጣምምዎ እዮም። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤሽያ እውን ኣሎ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ (ብፍላይ ኣብ ሌባኖስ/ሊብናን) ከይተረፈ፡ እቲ ኣዝዩ ፍቱው መግቢ፡ ‘ኪባ ነያ’ (كبة نيئة)  ዝበሃል ጥሑን ጥረ-ስጋ በጊዕ እዩ። ኪባ ነያ (ከም ትግርኛ ‘ኪባ’ ክቢ ማለት’ዩ፡ ነያ ድማ ጥረ) ምስ እሉኽ በርቑል (ኵእኵኦ ስርናይ) ተላዕጢጡ፡ ምስ 7-ቐመማት፡ ሽጉርቲ፡ ናዕናዕ፡ ዘይቲ ኣውሊዕ፡ በርበረ ወዘተ ተሓዊሱ ዝብላዕ እዩ። 

ሳመን ሱሺን ሳሺሚን – ጥረ መግቢ-ባሕሪ

ብዝኾነ መሪር በርበረ (ካፕሰይሲን) ቀመም ኮይኑ ንመግቢ ወይ ጓዕሚጭካ ንምብላዕ ጥራሕ ኣይኮነነ ዘገልግል። ከም ቅብኣ ወይ ክሬማ በርበረ ኮይኑ ተመስሪሑ እውን ንፈውሲ ቃንዛ የገልግል እዩ። ንናይ ንዩራልጅያ ዝበሃል ናይ ነርቭ ሕማም፣ ብመጠኑ ድማ ንቕርጥማት፣ መግመይቲ ወዘተ ኣብቲ ዝተነኽአ ክፋል ኣካል ተለኽዩ፡ መድሃኒት ኮይኑ የገልግል እዩ። እዚ ቃንዛ ብቓንዛ ሕክምና ዝበሃል ኮይኑ መጀመርያ በዚ ብርቱዕ ዘንድደካ ካፕሰይሲን ፋልማይ ምስ ተለኸ’ኻ፡ ንሓጺር እዋን ትቃጸል ወይ ቆርበትካ ሓው ሓው የብለካ፡ ብድሕሪኡ እቲ ሕዱር ቃንዛኻ በዚ ቃጸሎ ደንዚዙ በብቕሩብ

ቅብኣ ወይ ክሬማ በርበረ

ይጠፍእ። ከም ኣቦታት ዝብልዎ “እሾኽ ብእሾኽ ይንቀስ፡ ነገር ብነገር ይውቀስ።” ዝዓይነቱ ከም ማለት እዩ። ኣብ ንዩዎርክ ከተማ ናይ ኣብ ንዩ-ጀርዚ ዘሎ ሜዲካል ስኩል ዝርከቡ ተመራመርቲ ኣብዚ እዋን ብዛዕባ እዚ ብዙሕ መጽናዕቲ ይገብሩ ኣለዉ። ኣብዚ እቶም ተመራመርቲ ወዲ-ሰብ ብተፈጥሮ ናቱ ናይ ነብሱ ናይ ነብሰ-ጽገና ተኽእሎ ስለ ዘለዎ፡ ኣካል ወዲ-ሰብ በዚ መሪር ጉዕ በርበረ ቅብኣ/ካፕሰይሲን ተሓጊዙ ናይ ነብሱ ነብሰ-ምትዕርራይ ክገብር ከም ዝኽእል ይገልጹ።  

ካልእ በርበረ ርጕዲ ከም ዝቕንስ ወይ’ውን ብመጠኑ ኣካላዊ ክብደትና ንምቕናስ ከም ዝሕግዝ ተመራመርቲ ይነግሩ እዮም። ነዚ መጽናዕቲ ዘካየደት እታ ኣብ ካሊፎርንያ ዩኒቨርሲቲ አትርከብ ዶክተር ‘ዣውፒን ሊ’፡ በቲ ዝረኸበቶ ናይ መጽናዕቲ ተረኽቦ ተረጋግጽ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ግን፡ መሪር በርበረ ዘለዎ መግቢ ምምጋብ ዘዘውትሩ ሰባት ንነዊሕ ዕድመ እውን ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ተመራመርቲ ይነግሩ እዮም። ብፍላይ ኣብቲ ኣብ 2015 ዓ/ም ኣብ ቻይኒዝ ኣካደሚ ኦፍ ሜዲካል ሳየንስስ ዝተገብረ ምርምር ነዚ የረጋግጽ። ይኹን እምበሪ እቶም ተመራመርቲ ነዚ ክፍጸም መታን ግን ጉዕ በርበረ ጥራይ ዘለዎ መግቢ ብምብላዕ ዘይኮነ፡ ኩሉ ዝተማለአ ኣተኣላልያ መግብኻን ምሕላው ጥዕናኻን ምስ እተማልእ እዩ ይብሉ። 

ከምቲ ዝበልናዮ ጉዕ በርበረ ዝመርር ኣብ ውሽጡ ካፕሰይሲን ዝተባህለ ከሚካል ስለ ዘለዎ እዩ። መጠን ብዝሒ ናይ እዚ ካፕሰይሲን ድማ ነቲ ቃውቃውታ ናይ በርበረ ይውስኖ፦ ልዑል ትሕዝቶ ካፕሰይሲን፡ ልዑል ቃጸሎ፤ ትሑት ትሕዝቶ ካፕሰይሲን ድማ ትሑት ቃጸሎ የምጽእ። ይኹን እምበሪ እዚ መጠን መሪርነት ጕዕ በርበረ፡ ትም ኢሉ ሰብ ብሃውሪን ባዕላዊን ግምት ብዝህቦ ስለ ዝፍርድ፡ ብግቡእን ብዘተኣማምንን ኣገባብ ኣተዓቓቕና ዝተዓቀነ ስነ-ፍልጠታዊ መጠነ-ቃጸሎ ናይ’ቲ በርበረ ኣይኮነን። ነዚ ዝተረድአ ኣብ ትካል መድሃኒት ዝሰርሕ ዝነበረ ‘ዊልበር ስኮቪል’ ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ተማራማሪ መድሃኒት፡ እቲ ዝሰርሓሉ ትካል ዝድረዝ ቅብኣ ወይ ፈውሲ ክሬማ ናይ በርበረ ስለ ዘማዕበለ፡ ነዚ ኣብ ዕዳጋ ንኽሽየጥ ድማ ፈውሲ ዓቐኑ ንኽፍለጥን እቲ ናቱ ዝውሰድ መጠን (dose) ክነግሩ ስለዝደለዩ፡ ስኮቪል ብ1912 ዓ/ም መዐቀኒ ዝኸውን መሳልል ቃጸሎ መሃዘ። እዚ ሕጂ መሳልል ስኮቪል ወይ Scoville Scale ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዐቀኒ ቃውቃውታ በርበረ ካብ ስሙ ዝመጸ እዩ። ብሓፈሻ እቲ መዐቀኒ ኣሃዱ፡ ቃጸሎ ኣሃዱ ስኮቪል ወይ ድማ Scoville heat units (SHU) ተባሂሉ ይጽዋዕ።  

መሳልል ስኮቪል – ካብ ዝፈኾሰ ፔፔሮነ ክሳብ ዝመረረ

ብርታዐ ቃውቃውታ ጉዕ ንኽዕቀን ድማ መጀመርያ ሓደ ውሱን ዝሚዛኑ ጕዕ በርበረ ነቒጹ ይጣሓን። ብድሕሪኡ ድማ እቲ ኣብኡ ዘሎ ከሚካል ካፕሰይሲ ንኽደምቕ ተባሂሉ ኣልኮል ይሕወሶ። ብድሕሪ’ዚ ሽኮር ዝተሓወሶ ማይ ምስቲ በርበረ ይሕወስ። እዚ መታን እቲ ቃውቃውታ በርበረ (ጻዕቂ ካፕሰይሲን) ክብረዝን ክሃድእን ተባሂሉ እዩ። ስለዚ ንሓደ ዝተወሰነ ዓቐን በርበረ፡ ክንደይ ዓቐን ሊትሮ ሽኮራዊ ማይ ጀሊሕካ ክሳብ ባዶ ቃጸሎ ወይ ህዱእ ከም ዝኸውን ትገብሮ ንምፍላጥ እዩ እቲ ዓላማ። ስለዚ ሰብ ነቲ በርበረ ደጋጊሙ ብሽኮራዊ ማይ እንዳጀለሐ ቀቀሚሱ ይፈርድ ማለት እዩ። ዓቐኑ ብሚእታዊ ርባሕ (መሚእቲ) እንዳ ተገብረ ድማ እቲ ፍርዲ ሚዛናውነት ንኽህልዎ ብ5 ሰባት እንዳ ተቐምሰ ይውሰን። ስለዚ ከም እንሪኦ እዚ’ውን ብውርጹጽ ውድዓዊ ኣገባብ ዘይኮነ፡ ኣብ ግምገማ (ፍርዲ ህዋስ መቕመስቲ)  ናይ ሰባት እዩ ዝሙርኮስ። ግምገማን ርእዮታን ናይ ሰባት ድማ ይፈላለ እዩ። ገሊኡ በርበረ ዝለመደ ይኸውን፣ ገሊኡ ምስ ደጋገመ ህዋሱ ይጎድም፣ ገሊኡ ብናይ ዕድመ ዕብየት ይፍለ፣ ገሊኡ ኣቕልብኡ የጕድል፣ ወዘተ። በዚ ምኽንያት ኣብ እተፋላለዩ ላቦራቶሪታት ዝተፈላለየ ውጺኢታት ስኮቪል ኣሃዱ ወይ SHU ይርአ። 

ነዚ ንምፍታሕ ሓድሽ ዝያዳ ልክዕነት ዘለዎ ሳይንሳዊ ኣገባብ ኣተዓቓቕና ቃውቃውታ ብ1980 ዓ/ም ተማህዘ። እዚ፡ ንምሕጻር፡ HPLC (High-performance liquid chromatography) ዝተባህለ ኮይኑ፡ ብኬሚስት ጌሩ ኣብ እንዳ ስነ-ቐመም (chemistry) ላብ (Lab) ዝዕቀን ኣገባብ እዩ። እዚ ብናይ ስነ-ቐመም ወይ ኬሚስትሪ ዝካየድ መስርሕ ግን ዝያዳ ገንዘብ ዝሓትትን ክቡርን ኣገባብ ኣተዓቓቕና ኮይኑ፡ ንሱ’ውን ዓቐኑ ምስ ተወሰነ ንተራ ሰብ ንኽቐሎ መታን ናብ ስኮቪል አሃዱ (SHU) እዩ ዝግልበጥ። ኣብዚ ብዝያዳ ነቲ ሳይንሳዊ ኣገባብ ንምግላጽ እየ ዘምጽኦ ዘለኹ እምበሪ እቲ ልሙድ መለክዒ ተዛማዲ ቃውቃውታ ጉዕ/በርበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ፍሉጥ ዝኾነ መለክዒ ኣሃዱ ስኮቪል እዩ።  

ብዝኾነ ብመሰረት ስኮቪል ኣሃዱ ኣየናይ ዓይነት ጕዕ እዩ ዝላዓለ ቃጸሎ ዘለዎ እስከ ብቕደም-ተኸተል ካብ 1 ክሳብ 10 ንርአ፦ 

  1. ካሮላይና ሪፐር፦ 2,200,000 SHU 
  1. ትሪኒዳድ ሞሩጋ ስኮርፕዮን፦ 2,009,231 SHU 
  1. 7 ፖት ዱግላ፦ 1,853,936 SHU 
  1. 7 ፖት ፕሪሞ፦ 1,469,000 SHU 
  1. ትሪኒዳድ ስኮርፕዮን ቡች ቲ፦ 1,463,700 SHU 
  1. ናጋ ቫይፐር፦ 1,349,000 SHU 
  1. ጎስት ፔፐር (ቡት ጆሎኪያ)፦ 1,041,427 SHU 
  1. 7 ፖት ባራክፖር ~ 1,000,000 SHU 
  1. 7 ፖት ሬድ ~ 1,000,000 SHU 
  1. ሬድ ሳቪና ሃባኒሮ፦ 500,000 SHU 

ስለዚ ‘ካሮላይና ሪፐር’ ኣብ ደቡብ ካሮላይና (ኣሜሪካ) ብኣሜሪካዊ ‘ኤድ ከሪ’ ተዳቒሉ ዝተፈጥረ ጉዕ ኮይኑ፡ ኣብ ነሃሰ 11, 2017 ዓ/ም እቲ ኣብ ዓለምና ዝመረረ ጉዕ (ቃውቃውታኡ ከባቢ 2 ሚልዮን ርብዕን ስኮቪል) ምዃኑ ተመስኪሩሉ፡ ኣብ መዝገብ ጊነስ (Guinness World Records) ተመዝጊቡ ይርከብ። እዚ ማለት፡ እቶም ሃለፒኖ (10,000 ቃጸሎ ስኮቪል) እትበልዑ ካብ ሃለፒኖ ብ220 ዕጽፊ ይመርር፡ ወይ ድማ ነቲ ዝያዳ መሪር ሃበኒሮ (350,000 ስኮቪል) እትበልዑ፡ ብልዕሊ 6 ዕጽፊ ይመርር ማእት እዩ። እዚ ሚጥሚጣ መሪር ጕዕ እንበሎ (ወይ Piri Piri or the African Bird’s Eye) መሪሩ እንተ ተባህለ ክሳብ 175,000 ደረጃ ቃጸሎ ስኮቪል ይበጽሕ። ስለዚ ካሮላይና ሪፐር ንሚጥሚጣ ብ12.5 ዕጽፊ (ወይ ልዕሊ 12 ጅሮኒ ወይ ዑደት ይኳለል ንበሎ) ባልባል ኣቢሉ ይመርር።  ቀቅድሚኡ ካሮላይና ሪፐር ቻምፕዮና ምጭባጡ ግን እቲ ናይ ትሪኒዳድ ዕንቅርቢት ሞሩጋ በርበረ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ዓለምና ዝለዓለ ቃጸሎ (ከባቢ 2 ሚልዮን ስኮቪል) ዘለዎ ጉዕ ነበረ።  

ይኹን እምበሪ ኣብዚ ሕጂ እዋን እውን፡ ባዕሉ እዚ ኣሜሪካዊ – ኤድ ከሪ – ድሕሪ 10 ዓመት ሓድሽ ኣዳቒሉ ዝፈጠሮ ካልእ ብመዝገብ ጊነስ (Guinness World Records) ገና ተፈቲኑ ዘይተረጋገጸ ግን ቃውቃውታኡ 3.18 ሚልዮን ስኮቪል ዘለዎ ሓድሽ ዘርኢ ጕዕ ፈጢሩ ኣሎ። ካልእ እውን ካብኡ ብርታዔኡ ትሕት ኢሉ ስሙ ‘ትንፋስ ድራጎን’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ብሪጣንያ ተዳቒሉ ዝተፈጥረ ቓጸሎኡ ድማ 2.48 ሚልዮን ስኮቪል ዝኾነ’ውን ኣሎ። 

በንጻሩ፡ እቲ ወላ’ሓንቲ ወይ’ውን ባዶ ቃውቃውታ ዘለዎ በርበረ ግን እዚ ንሕና ቦርቦሮኒ (bell pepper) እንብሎ ኮይኑ፡ እዚ ከም ዝግመት ዚሮ ስኮቪል (0 Scoville units) ዓቐን ኣለዎ። 

ምስ እዚ ዝሳነ ናይ መን ዝመረረ ጉዕ ይበልዐ ዝብል ቻምፕዮና ውድድር እውን ኣሎ። ገሊኡ ብመራኸቢ ብዙሓን ከም ዩቱብ፣ ፌይስቡክ ወዘተ፡ ገሊኡ  እውን ተኣኪቡ ማሕበር ኣቚሙም ዝወዳደር ኣሎ። ኣብነት ናይ እዚ በቲ ማሕበር ቃጸሎ (League Of Fire) ዝበሃል ማሕበር ዝካየድ እዩ። ካልእ’ውን ናይ ንፉዓት ናይ ጉዕ በርበረ ከሸንቲ ወይ ሸፍስ (chefs) ብኣባላት ናይ ሓደ ናይ ጉዕ በርበረ ዘለዎ ከሸንቲ መግቢ ማሕበር (World Championship Chili Cook-Off) ዝካየድ ናይ ቻምፕዮና ውድድር ኣሎ። እዚ ዓመታዊ ኮይኑ ንፉዕ ተዓዋቲ ከሻኒ $100,000 ይወስድ። 

ኣብዚ እግረ መገድና፡ በርበረ ወይ ጉዕ በሊዕና እንተ እቲ ቃውቃውታ ልክዑ ሓሊፉዎ’ሞ ምኽኣል እንተ  ስኢንና፡ ዝኾነ ኣሲዳዊ መስተ ከም ጸባ/ርግኦ (ዘተበረዘ ጸባ – whole milk)፣ ጽሟቕ ለሚን ወይ ኣራንሺ ወይ ድማ ኣሎ-ቪራ መስተ ነቲ ዝስመዓና ቃጸሎ ከህዳኣልና ይኽእል። እቲ ቃጸሎ ዋላ ኣብ’ቲ ከብድና ስለ ዝስመዓና ጸባ ምስታይ ንኸብድና እውን የህድኦ እዩ ይብሉ ፈላጣት።  

ሓደ ካብ እቲ ኣብ ሃገርና ንኲናት ዝምልከት እንሰምዖ ታሪኻት ወይ  ዛንታት፡ ብዛዕባ ኣዴታት ነቦታትና ክሕግዛ፡ ኣብ ኣብ ወራር ኲናት ብብረበረ ከይተርፋ ይዋጋኣ ከም ዝነበራ ይንገር እዩ። እዚ በረበረ ጌርካ ዓይኑ ጸላኢ ምድፋን ዝትርኽ ጭላፍ ታሪኽ እንሰምዖ እዩ። ግን ሓቅነቱ ብዘየገድስ በርበረ እቲ ባዕዳዊ ጸላኢ (ብፍላይ ፈረንጂ) ከም ዘይፈልጦ እዩ ዘስምዕ። እዚ ግን ግጉይ መረዳእታ እዩ። ምኽንያቱ ምንም’ኳ መብዛሕትኡ እዋን መሪር ጉዕን በርበረን ኣብ ቆራሪ ሃገራት (ከም ኤውሮጳ ወዘተ) ብዙሕ ዝውቱር እንተ ዘይኮነ፡ ኤውሮጳውያን ባዕሎም እዮም ነቲ ጉዕ ናብ ኣፍሪቃን ኤሽያን ከም ዝዝርጋሕ ጌሮሞ። ብዝኾነ እንተ እቲ በርበረ ጌርካ ምድፋን እንተኾይኑ ካብ ብጥንቲ ገለ ቅድሚ 7000 ዓመታት ኣትሒዙ ብኣዝተካውያን (Aztecs) ናብ ሓዊ ተወርዊሩ ተዓብሊኹ ትኪ ዶሮና ጌሩ ንጸላኢ ከም መግትኢ የገልግል ከም ዝነበረ ይንገር እዩ። ደሓር’ውን ኣብ 14ን 15ን ዘበናት ከም ዝተጠቀሙሉ ይንገር እዩ።   

እቲ ዘመናዊ ምዕቡል በርበረ ከም ፍሊት ብስነ-ቐመም ተቓሚሙ ዝነጽግ መሳርሒ ግን ብኣሜሪካዊ ‘ኣለን ሊትማን’ (Alan Litman) ኣብ 60ታት ከም ዝተማህዘ ይንገር። እዚ ብናይ እቲ በቲ ካብ ጉዕ ዝወጽእ ካፕስይስን capsaicin (ዘይቲ ከሚካል) ተቓሚሙ ዝስራሕ መንጸጊ ሽጉጥ፡ ብውልቀ ሰባት፣ ፖሊስን ወታደራዊ ሰራዊትን ከም ንሂወት ዘየስግእ ኣጽዋር ተራእዩ ኣብ ብዙሕ መዓላ ይውዕል። ንኣብነት፦ ንመከላኸሊ ነብስኻ ካብ እንስሳታት ከም ከልቢ ድቢ ወዘተ፣ መከላኸሊ ካብ ዓመጽትን ሰረቕትን ሰባት፣ ከምኡውን ፖሊስን ሰራዊት መንግስትን ንኣድማን ዕግርግርን ንምግታእ ይጥቀሙሉ። 

እዚ ከከም ዓይነቱ ማለት ካብ ቀሊል ንተራ ሰብ ነብሱ ንኽከላኸል ጠዊቑ ዝነጽጎ መሳርሒን ካልእ ምዕቡል ሽጉጥን ጠበንጃን ከምኡ’ውን ብኢድ ዝውርወር ነታጒ-ኢድን ዝዓይነቱ ብፖሊስን ወተሃደርን ዝዝውተር እሞ እቲ ጥይት ወይ ቀልሃ ወይ ድማ ነታጒ ናቱ በርበረ ከሚካል ስለ ዝመልአ ምስ ሃረመካ ወይ ኣብ መሬት ምስ ዓለበ ዝፍንጀርን ዒግ ዝብልን ዘጠቓልል እዩ። ኣብዚ እቲ ሰብ ብኣዝዩ ብርቱዕ ፍሊታዊ በርበረ ምስ ተዓብለኸ፡ እቲ

በርበረ ነጻጊ ሽጉጥ (Pepper Spray Gun)

ጋዝ ጎሮርኡን ኣፍንጭኡን ማርማር ኣቢሉ ኣንዲዱ ምትንፋስ ከም ዝስእንን ቀጻሊ ኡሑእ ኡሑእ ከም ዝብልን ኣፍንጭኡ’ውን ወረር ወረር ከም ዝብል ይገብሮ። ዓይኑን ገጹን ድማ ብተመሳሳሊ ይነድድን (ወይ ብርቱዕ ማርማርታ ይገብረሉን) ይነብዕን ቋሕ ድማ ክ’ብል የሸግሮን። በዚ ክሳብ ብርሃን እውን ከም ዝጸልእ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ እቲ ሰብ ክሳብ ሰዓት ወይ ፍርቂ-ሰዓት ክጸንሕ ይኽእል። ኣብዚ እቲ ንመንጸጊ ዝጥቀሙሉ ቃጸሎ በርበረ ትም ኢሉ ተራ ከይመስለና። እንታይ ዳኣ፦ ዓቐኑ ካብ 2 ሚልዮን ስኮቪል ክሳብ ናይ ፖሊስ እንተ ኾይኑ ድማ 5 ሚልዮን ብርታዐ ዘለዎ ቃውቃውታ በርበረ እዩ። እዚ ማለት እቲ 2 ሚልዮን ስኮቪል ጥራይ 4 ዕጽፊ ቃጸሎ ናይ እቲ መሪር ጉዕ ሃበኒሮ ሓይሊ ኣለዎ ማለት እዩ። 

ብዝኾነ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኣብ ከምዚ ኩነታት እንተ ወዲቕና ገጽናን ዓይንናን ብኢድና ክንሕዝ የብልናን። 2 ማንካ ሻሂ ዝተደፍደፈ (10 ግራም) ጨው ኣብ ሓደ ሊትሮ ማይ ሓዊስና ገጽናን ዓይንናን (መጀመርያ ግን ዓይንና ቋሕ-ሰም እናበልና) ፈላሊና ንሓጽቦ። በርበረ ናብ ክዳንና ከይወርድን ከይሓልፍን እሞ ካልእ ሰውነትና (መንኮብናን ኣፍ-ልብናን) ከየንድደናን ብሽጎማኖ እንዳ ኣንቀጽና ንደርዞ። ብድሕሪ’ዚ ኩሉ’ዚ ድማ ዓይንና ን15 ደቓይቕ ማይ ጌርና ክሳብ ቃንዛ ዝገድፈና ንሓጽቦ። ክዳንና ብከሚካል (በርበረ) ስለ ዝተበከለ እንተ ኣውጻናዮ ዝበለጸ እዩ መሊሱ ከየንድደና መታን። ድሕሪኡ ቃንዛና ምስ ሃደአ፡ ገጽና ማይን ሳምናን ጌርና ንሓጽቦ። ብድሕሪዚ ኩሉዚ ድማ እቲ ዝተጠከምካሉ ሽጎማኖን ክዳውንትኻን ብጥንቃቐ ኣሊና ንበይኑ ብኦሞ ጌርና ንሓጽቦ። 

ኣብ መእወዳእታ ንምጥቕላል፡ ጕዕ በርበረ ከከም ዓይነቱ እንተ ብድልኽ ኣዋዘ፣ እንተ ብምብጥሚጣ፣ እንተ ብሹትኒ፣ እንተ ብሰናፍጭ ድዩ ወይስ ምስ ጸብሕን ሽሮን ካልእን ተሓዊሱ፡ ኣብ ዕለተ መግብና ዳርጋ መዓልታዊ ዘይንፈልዮ መቃመሚ ዓይነት መግቢ እዩ። ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ንጕዕ ብኣብ ክሽነ ብዘለዎ ኣገዳስነት ወይ ቀዳማይ ወይ ካልኣይ ይሰርዕዎ። ካልኣይ እንተ’ዳኣ ኾይኑ፡ ወይ ድሕሪ ጨው’ዩ፡ ወይ ድሕሪ ጻዕዳ-ሽጕርቲ’ዩ፡ ወይ ድሕሪ ህሩድ’ዩ ወይ ድማ ድሕሪ ዝንጅብል’ዩ ክስራዕ። ብጥረኡ ምጉዕማጭ ድዩ ዋላ ብኻልእ መልክዑ ኩሉ ህዝቢ ከከም ባህሉን ባህጉን ድማ ከሺኑ ይቕርቦ። ኣብ ሃገርና መሪር ክንፈቱ እንከለና፡ ገሊኡ ፍኹስ ክብለሉ ይደሊ። ወረገይ’ሲ ኣብ ኣሜሪካስ ዋላ ምስ ሽኮር’ውን ሓዊሶም ወይ ከሺኖም’ውን ይቕርብዎም እዮም። “ስለ’ምንታይ?” ቢልካ ምስ ትሓቶም “እቲ ምስ’ቲ ተቐባቢሉ ክወሃሃድን ክዛነቕን ምእንቲ” ይብሉኻ። ካብ ንሶስን (sauce) ሳልሳን ኣትሒዝካ ክሳብ ንማርሜላታ ካልእን ከይተረፈ እዩ ዝስራሕ። ኣብ መጨርሻ፡ ጉዕ በርበረ ብኣፍ ጥራይ ዝብላዕ  ፍረ ኣይኮነን። ንኻልእ ነገራት’ውን ከም ቅብኣ/ዝልከ መድሃኒት፣ ንነብሰኽ ንምክልኻል ካብ ተጻይ፡ ንፈውሲ ሰዓል፡ ኣዝማ፡ ቍስሊን ሕማም ኩሩምቲን ዝኣመሰለ’ውን ዘገልግል ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍርያት እዩ። 

ዎ’ዳሓንኩም
ኢብሂም ዓ. ዓሊ

ማህደረ-ቓላት

ዕሲ – ዕሲ ወይ fungus/fungi ሂወታውያን ኮይኖም ንቃንጥሻ፣ መዅባዕቲ ለቢቶን ዋላ’ውን ነዚ ኣብ እንጌራ/ሕብስቲ እንሪኦ ዕሳወ ወይ ምስያሕ የጠቓልሉ።

ምስያሕ፡ ምስባብ ወይ ዕሳወ እንጀራ ካብ ጠሊ ወይ ራሕሲ/ራህዲ ይፍጠር። ዕሲ ልክዕ ከም ተኽሊን እንስሳን ሂወታውያን ኮይኖም ግን እቲ ምድቦም ንበይኑ’ዩ ወይ ምስ ኣትክልትን እንስሳታትን ኣይምዶቡን እዮም። ኣብ ማያት፡ ሃፋ ወይ ጠሊታት ዝርከቦ ቦታታት ከም ዝበስበሰ ዕንጨይቲ፣ ኣቝጽልቲ፣ ቀላያት (ሰበባ ማይ)፣ ሽንቲ-ቤት፣ ዝተረስዐ ወይኒ ፍረ፣ ሕብስቲ፣ ጣይታ፣ ኣብ ሰውነትና ወይ ኣጻብዕቲ እግርና ወዘተ ዓስዒሶም ይበቝሉ። ብሓጺሩ ተፈጥሮ ዕሲ ንብዙሕ እዩ ዘካትት። ካብ እቲ ካብ ኩሉ ሂወታውያን ፍጡራት ዝገዘፈ ናይ ዓለምና ፍጥረት ዕሲ (9 ትርብዒት ኪ.ሜ. ዝስፍሓቱ) ጀሚርካ ክሳብ እቶም ደቀቕቲ ብዓይኒ ዘይረኣዩ (microscopic) ዕሲ፡ ካብ ኣብ ትሕቲ መሬት ምስ ሰራውር ኣግራብ ወዘተ ዝላሓጉ ክሳብ ልዕሊ መሬት ዋላ’ውን ኣብ ኣየር ንፋስ ከይተረፈ ዝርከቡ የጠቓልል። ኣፋጥርኦም ብኣሃዱ-ዋህዮ ከም ለቢቶ ወይ’ውን ብብዙሕ-ዋህዮ ከም ቃንጥሻ ክኸውን ይኽእል። ይኹን እምበሪ፡ ዕሲ ዋላ’ኳ ናቶም ምድባዊ ንግስነት (kingdom) እኳ እንተ ሃለዎም፡ ካብ ምስ ኣትክልቲ ግን ምስ እንስሳታት (ሰብ’ውን ሓዊስካ) ብዝያዳ ይቀራረቡ ወይ የዘዙዉ ምኽንያቱ ከም እንስሳ (ሰብ ደሚርካ) መግቦም ካብ ግዳም መንዚዖም ይምገቡ፡ ኣትክልቲ ግን ብጸሓይ ኣቢሎም ነብሶም ባዕሎም ብዝፈጠርዎ መግቢ ይምገቡ።

ዋህዮ ደውሲ (cell tissue) – ሕደ ዝዓይነቶም እኩብ/ጥሙር ዋህዮታት ዘለዎ ደውሲ ኮይኑ ንናይ ሰብነትና ክፍለ-ኣካል ዘቕውም ዓንደ-ሰረት እዩ። ኣወዳድባ ዋህዮ ብኸምዚ ይኸይድ፦ ሞለክዩላት (molecules) ተኣኪቦም ንዋህዮ የቝሙ፡ ንጽል ዋህዮ ንባክተርያ ወይ ንዕሲ (ኣብነት ለቢቶ) ይፈጥር፣ እኩብ ዋህዮታት ዋህዮ-ደውሲ ይፈጥር፣ እኩብ ደውሲታት ተኣኪቡ ክፋላት ወይ ኣካላት (ልቢ፣ ሳንቡእ፣ ጸላም ከብዲ፣ ፍሕኛ ወዘተ) ይፈጥር፣ እኩብ ኣካላት ተኣኪቡ ስርዓተ ኣካላት (ስርዓተ ጭዋዳ፣ ስርዓተ መትኒ/ነርቭ ወዘተ) ይፈጥር፣ እኩብ ስርዓተ ኣካላታት ተኣኪቡ ሂወታውያን (እንስሳ/ሰብ፣ ተኽሊ፣ ዕሲ) ይፈጥር። ህይወት ዘለዎ ዘቡኡ ጥራይ እዩ ብዋህዮ ዝቐውም። ሞለኪዩላት ግን ኣብ ኩሉ ኣብ ህይወታውያን ይኹን ዋላ ኣብ ዘይህይወታውያን (እምኒ፣ ማይ፣ ሓዊ፣ መጽሓፍ፣ ጠረጴዛ፣ ወዘተረፈ…) ይርከብ።

መወከሲ ምንጪታት

Angelicadlr, CC BY-SA 3.0 https://commons.wikimedia.org/wiki/File:Salmon_Sushi_and_Sashimi_Platter_-_W_Sushi.jpg
Grueslayer, CC BY-SA 4.0 https://commons.wikimedia.org/wiki/File:FOOD_Trinidad_Scorpion_Pepper_Sauce.jpg
Lotus Head from Johannesburg, Gauteng, South Africa, CC BY-SA 3.0 https://commons.wikimedia.org/wiki/File:Chilis-2.jpg
Oliver Propst, CC BY-SA 3.0 https://commons.wikimedia.org/wiki/File:Hot_Sauce_Selection_At_La_Whole_Food_Store_%2884224397%29.jpeg
https://birdhousechillies.com/2019/03/12/capsaicin-and-capsaicinoids/
https://courses.lumenlearning.com/wm-biology1/chapter/reading-levels-of-organization-of-living-things/
https://ethiopianfood.wordpress.com/2015/06/01/berbere-mitmita-liking-it-hot/
https://www.frontlinewellness.org/guidelines-for-treating-pepperspraychemical-irritants
https://www.health.com/food/dangers-eating-hot-peppers
https://www.healthline.com/nutrition/eating-raw-meat
https://inmamamaggieskitchen.com/scoville-scale-how-hot-is-that-pepper/
https://www.kobeteppanyaki.com.au/blog/why-do-japanese-eat-uncooked-meat/#:~:text=Have%20you%20ever%20wondered%20why,a%20lot%20of%20raw%20food.
https://www.poison.org/articles/how-dangerous-is-pepper-spray-201
https://www.snexplores.org/article/cool-science-hot-peppers
https://www.thehomesecuritysuperstore.com/blogs/the-home-security-superstore-blog/pepper-spray-facts-you-didn-t-know
https://www.usu.edu/herbarium/education/fun-facts-about-fungi/what-are-fungi
https://en.wikipedia.org/wiki/Chili_pepper
https://en.wikipedia.org/wiki/Berbere
https://en.wikipedia.org/wiki/Peri-peri
https://en.wikipedia.org/wiki/Endorphins
https://en.wikipedia.org/wiki/Pepper_spray
https://www.worldatlas.com/articles/the-world-s-top-chili-pepper-producing-countries.html
https://www.youtube.com/watch?v=MGob6ceaL_k
https://www.youtube.com/watch?v=yZgP0fAko30&ab_channel=TodayIFoundOut
https://www.youtube.com/watch?v=_hx1Xakj-Vg&ab_channel=ViralPress

እሳተ-ጎሞራ

ጎሞራ (ኣዳምጻ፡ ካብ ጽርኢ ወይ ግሪኽ ‘Γόμορρα’፦ ‘ጎሞራ’ እዩ፤ ብእብራይስጥ ግን፦ ‘ዓሞራ’ – עֲמֹרָה፣ ብዓረብ ‘ዓሙራ’ (عمورة) እዩ።
እሳት (ግእዝ፤ ብዙሓን፦ እሳውት፣ ሱር፦ ‘ኤሽታ’)፡ መሰረቱ ካብ ሴማዊዊ ቋንቋታት ከም ‘ኤሽ’ (אֵשׁ) ብእብራይስጥ፣ ‘ኢሳታ’ ብኣራማይስጥ፣ ‘ኤሳታ’ ብሲርያክ፣ ‘ኢስት’ ብዩጋሪቲክ፣ ከምኡ’ውን ‘ኢሳቱ’ ብኣከድያን እዩ። – ትርጉሙ ‘ሓዊ’ ወይ ሰማያዊ ባርዕ ሓዊ

እሳተ-ጎሞራ


ካብተን ሓሙሽተ ዓድታት እታ ሓንቲ ‘ዞኣር’ እትበሃል ንኡሽቶ ዓዲ ጥራይ እያ ትድሕን። ንሳ ኸማን ንመዕቆቢ ሎጥን ስድርኡን ኢሎም እዮም እቶም ክልተ መላእኽቲ ዘትርፍዋ (ብሓጺሩ ሎጥ ብባርዕ ሓዊ ንከይነድድ ስለ ዝሰግኤ፡ ኣክንዲ ናብ’ቲ ንሶም ዝመኸርዎ ከረን/ጎቦ፡ ናብ’ታ ንእሽተይ ቀረባ ከተማ ንኽሃድም ለመኖም እሞ እታ ዓዲ – ዞኣር – ድማ ኣድሓኑዋ።) – ዘፍጥረት 19፡ 17-23። ግን ኣብርሃም ሓወ’ብኡ ንሎጥ እውን ኣቐድም ኣቢሉ ንእግዚኣብሄር (ኣብ ዘፍጥረት 18) ንሎጥን ስድራ-ቤቱን ንከድሕኖምም ብጎቦ-ጎቦ ጌሩ ለሚንዎ ኔሩ እዩ።
—–o—–
ካልእ ምስ እዚ ናይ ሶዶምን ጎሞራን ፍጻመ ዝኸይድ ካልእ ዝተፈጥረ ቃላት’ውን ኣሎ። ኣብነታት፦ ‘ግብረ-ሶዶም’፣ sodomy/sodomite/sod, gonorrhea (ጅግል) ካብ ጎሞራ (-ርጉጽ ግን ኣይኮነን)፣ ካብ ሎጥ ዝመጸ ‘ሉጢ’ (لوطي) ንግበረ-ሶዶማዊ የጠቓልል። ካልኦት ቋንቋታት ንሶዶም ዝብል ሱር ቃል ከም ንጽዩፍ ጾታዊ ርክብ ዘውክእ ቃል ዝጥቀሙ ኣብ ዓለምና ብብዝሒ ኮይኖም ኣብነታት ንምጥቃስ ፈረንሳይኛ፣ እስጳኛ፣ ፖርቱጋላዊ፣ ጀርመንኛ፣ ፖሊሽ፣ ኖርወጃዊ፣ ዴይኒሽ፣ ኣምሓርኛን ካልኦትን የጠቓልል። ምስ ዓረብ ብዝመሳሰል ብፋርሲን ማለይን ‘ሊዋጥ’ (لواط)፣ ብስዋሂሊ ድማ ‘ኩላዊቲ’ – ኩሉ እዚ መሰረቱ ካብ ሎጥ እዩ። ግን ትርጉሙ ንተግባር ወይ ጠባይ ናይ ሎጥ ዘይኮነ ዝገልጽ፡ የግዳስ ነቲ ኣብ ግዜ ሎጥ ሳዕሪሩ ዝነበረ ጽዩፍ ልማድ እዩ ዘውክእ።
—–o—–
እንግሊዝኛ ቃል ‘ቮልኬኖ’ volcano ካብ ጥንታዊት ሮማ መጸውዒ ቃል ነቲ ናይ ሓዊ ኣምላኽ/ጣኦት ‘ቩልካን’ (Vulcan) ዝመጸ ኮይኑ፡ ደሓር መጸውዒ ቃል ነቲ ንኸባቢ 500,000 ዓመታት ሓዊ ክትፍእ ዝጸንሐን ዘሎን ኣብ ሲሲሊ, ኢጣልያ ዝርከብ ‘እምባ ኤትና’ ይጥቀሙሉ ኔሮም። ምኽንያት ናይ እዚ ድማ ሮማውያን እዚ ቀጻሊ ሓዊ ዝተፍእ ጎቦ’ዚ ማፋ (መውጽእ ትኪ) ነቲ ማፍጢ ወይ እቶን-ማሕጐዳ ናይ ቩልካን (ኣምላኾም) ስለ ዝመስሎም ዝነበረ እዩ። እቲ ናይ ዓረብ ቃል ‘ቡርካን’ (بركان) እውን፡ ኣዕራብ ንሲሲሊ ይገዝእዋ ስለ ዝነበሩ ካብዚ ዝመጸ ላቲናዊ ቃል እዩ።
—–o—–
እሳተ-ጎሞራ ብእብራይስጥ ‘ሃር ጋዓሽ’ (הר געש) – ቃል ብቓሉ ሃር (הר) – እምባ እዩ። ጋዓሽ (געש) ድማ ሃዋጺ ወይ ነውጻም እዩ። ስለዚ ሃር-ጋዓሽ ‘ነውጻም ጎቦ’ እዩ። ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ሃር-ጋዓሽ ወይ ‘እምባ ገዓሽ’ ስም እቲ ኣብ’ቲ ‘ኤፍሬም’ ዝበሃል ከረናዊ ቦታ ዘሎ ከባቢ ኮይኑ ኢያሱ ወዲ ነዌ (ኢያሱ ብሙሴ ንእስራኤላውያን ንኽመርሕ ዝተመዘዘ እዩ) ኣብ 110 ዕድሜኡ ዝተቐብረሉ ከባቢ እዩ (ኢያሱ 24:30 ወይ መሳፍንቲ 2:8-9 ርአ)። ኢያሱ እቲ ናይ ኣምላኽ ናይ መብጸዓ መሬት ዝበሃል ምድረ ከነኣን ዝሰዓረን ዝተቖጻጸረን እዩ። ብመሰረት ናይ ይሁዲ ‘ታልሙድ’ (ስም እቲ ጥርኑፍ ስርዓተ-ሃይማኖት ሕግታትን ኣስተምህሮታትን – ‘ታልሙድ’ ቃል ካብ ‘ተልማድ’ ወይ ‘ልምምድ’/’ልምዲ’ወይ ኣስተምህሮ እዩ ከም ትግርኛ) ነቢይ ኢያሱ ዘይዕድሉ ኾይኑ ብህዝቡ ዝግብኦ ሓልዮት ከይረኸበ እዩ ንበይኑ ሞይቱ። ስለዚ እዚ ዝተቐብሮ ከባቢ እምባ ‘ሃር ጋዓሽ’ ቍጡዕን ነውጻምን እምባ ዝኾነ፡ ኢያሱ ካብ ህዝቡ እቲ ዝግብኦ ክብሪ ስለ ዘይረኸበ፡ ኣምላኽ ድማ በዚ ተግባር ተቖጢዑ እዩ እቲ እምባ ቍጡዕ ከም ዝኸውን ጌሩዎ ይብሉ። ብዝኾነ እቲ ኾይኑ እቲ፡ እቲ ቓል ነዚ ዘመናዊ መጸውዒ ናይ እብራውያን ቓል (ሃር ጋዓሽ) መሰረት ኮይኑ።
—–o—–
«—ፍልልይ ፍጻመ ሶዶምን ጎሞራን ኣብ ብሉይ ኪዳንን ኣብ ቁርኣንን—»
ኣብ ቁርኣን ኣብ ‘ሱረተ’ል ሁድ’ (ምዕራፍ 11)፡ ካብ 76 ክሳብ 83 ኣያት (ፍቕዲ)፡ ‘ሱረቱ’ል ኣንቢያእ’ (ምዕራፍ 21)፡ 74-75 አያት፡ ብዛዕባ ሶዶምን ጎሞራን ሓጥያቶምን ጥፍኣቶምን ይነግር እዩ። ግን ቁሩብ ፍልልያት ኣለዎ። ሎጥ ኣብ ቁርኣን ከም ነቢይ ዝርአ ኮይኑ፡ እቲ ፍልልያት፦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓዊ ከዝንበሎም እንከሎ፡ ኣብ ቁርኣን ግን ‘ካይላዊ ኣእማናት’ (حِجَارَةً۬ مِّن سِجِّيلٍ) ኣዝኒብናሎም’ እዩ ዝብል። ኣብ ቁርኣን ሎጥ ነቶም ሰባት ኣክንዲ ግብረ-ሶዶማዊ ሓጥያት ዝፍጽሙ፡ ንንጹሃን ኣዋልድ ደቁ ብግቡእ ንኽምርዓውን ይሓቶም፡ ኣብ መጽሓፍ-ቅዱስ ግን ሎጥ ነቶም ህዝቢ ‘ኣክንዲ ግብረ-ሶዶማዊ ሓጥያት እትገብሩ፡ ደናግል ደቀይ እንሃለዋ ንስጋዊ ስምዒትኩም ውሰዱወን’ ይብሎም (ብዘይ መርዓ? – ግን ምናልባት ሕጸ ጥራይ ዘይኮነ ተመርዕየን’ውን ኔረን ክኾና ይኽእላ እየን)።
—–o—–
ብተወሳኺ ኣብ መጽሓፍ-ቅዱስ፡ ንኹሎም ስድራ-ቤት ሎጥ ብመጠንቀቕታ ‘ክትሃድሙ እንከለኹም ተጠንቀቑ ግልጽ ኣይትበሉ’ ተባሂሎም (ብእቶም መላእኽቲ) ከብቅዑ፡ ሰይቲ ሎጥ ግን ግልጽ ስለ ዝበለት ናብ ሓወልቲ ጨው ክትቅየር እንኮላ፡ ኣብ ቁርኣን ግና (ሰይቲ ሎጥ) ከም ሓጥያተኛ ስለ እትርአ፡ እቶም መላእኽቲ ‘ብጀካ ሰበይትኻ፡ ጽሕፍቶ መቕጻዕታ ስለ ዝኣኸለ፡ ኩሉኹም ግልጽ ኢልኩም ንድሕሪት ኣይትርኣዩ’ ይብልዎ። (ምኽንያት ናይ መቕጻዕታ ድማ ነቲ ኣምላኻዊ ተውሒድ ኣስተምህሮ ሎጥ ዘይትኣምኖ ብምንባራን፡ እቶም መላእኽቲ/ኣጋይሹ ምስ መጹ ድማ፡ ምልኩዓት ኣጋይሽ ንሎጥ ክበጽሕዎ ከም ዝመጹ ነቶም ዓዲ ብምሕባራን እዩ።) እዚ ብዝምልከት፡ ሰይቲ ሎጥ ጥራሕ ዘይኮነት፡ ክልቲኤን ኣንስቲ ማለት ሰይቲ ሎጥን ሰይቲ ኖህን ከም ሓጥያተኛ እየን ዝረኣያ ኣብ ምስልምና። ብዛዕባ’ዚ ቁርኣን ኣብ ‘ሱረት ‘ታሕሪም’ (ምዕራፍ 66)፡ አያት 10፡ ይገልጽ እዩ።
—–o—–
ብዝኾነ ብዛዕባ መቕጻዕትኣ (በዓልቲ-ቤቱ ንሎጥ) ሓፈሻዊ ኣመት ኣብ ‘ሱረቱ ‘ሹዐራእ’ (ምዕራፍ 26)፡ አያት 170-171 ምስቶም ዓዲ ተሪፋ ምስኦም ተለኪማ ከም ዝጠፍአት ይነግረና እዩ። ካልእ ኣብ መወዳእታ፡ ቁርኣን ብዛዕባ እተን ክልተ ኣዋልድ ደቁ (ንሎጥ) ወይኒ መስተ ኣስኪረን (ዘፍጥረት 19:31-36) ቆልዑ ውላድ ንኽወልዳ ምስ ኣቡአን ዝፍጽምኦ ጾታዊ ርክብ ወይ ግብረ-ነውሪ (incest/inbreeding) ምንም ኣይጠቅስን እዩ።
—–o—–
ኣብ’ዚ ነዚ ግብረ-ነውሪ ወይ ናይ ጥቡቕ-ዘምድ ጾታዊ ርክብ ዝገለጽኩ ንሃይማኖት ከኽፍእ ኢለ ዘይኮንኩ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ብሉይ-ኪዳን ሰፊሩ ዘሎ እየ ከም ዘለዎ ዝነግር ዘለኹ – ኣፈላላዩ (ምስ ቁርኣን) ንምግላጽ። ኣብ ርእሲኡ ገሊኡ ታሪኻት ከም ትእምርትን ውስጠዘን/ምሳሌን (allegories) እምበር ቃል ብቓሉ ዝውሰድ ኣይኮነን።
—–o—–
ይኹን እምበሪ፡ ገሊኦም ከም ዝብልዎ ግን እተን ደቂ ሎጥ ከምኡ ዝገበራ ሕንሕነ ናይ ኣቡአን ማለት ሎጥ ኣቡአን ኣሕሊፉ ነቶም ግብረ-ሶዶማውያን ንግህሰትን ጾታዊ ዓመጽን ስለ ዝኾነነን እየን ብናቱ ዘንቀሎ ሕራነ ንወላዲአን ተጋሲሰንኦ ዝብሉ ኣለዉ። እዚ ኣብ ተዛማዲ ሞራላዊ መዋጥር ዘእቱ ፍጻሜ’ዚ፦ ግብረ-ሶዶም’ዶ ወይስ ግብረ-ዘመድ፡ ክብሪ ጋሻ’ዶ ወይስ ክብሪ ንጽህና ደቅኻ? ሰብ በብናቱ ርኢቶ ክፈርዶ ይኽእልን ክሳብ ሕጂ’ውን ይፈርዶን ኣሎ።
—–o—–
ብሓፈሻ ግን በቲ ናይ ሽዑ ግዜ ኣተሓስስባ፡ ዓሌትካን ቀቢላኻን ቀጻልነቱ ምውሓስ ኣዝዩ ስለ ዘገድስ ‘ኣክንዲ ሙሉእ ዘርእና ንጸንት ዋላ ካብ ኣቦና ንውለድ’ ዝብል ሙግት ወይ survival instinct ዝነቐለ ወይ ድማ ነብሰ-ቀጻልነት (Self-preservation) ንምርግጋጽ ዝፈጠሮ ደመ-ነፍሲ እዩ ኢለ ክዓጽዋ። ኣብ ርእሲኡ፡ ነዚ ዘፍርስ ሞራላዊ ንጽህና ዘለዎ መውስቦን ጾታዊ ርክብን ንኽካየድ ኣብ ዘሌዋውያን 18 ካብ ፍቕዲ 6 ክሳብ 18 ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ። ብተማሳሳሊ ኣብ ቁርኣን ‘ሱረቱ ‘ኒሳእ’ (ምዕራፍ 4)፡ ካብ አያት 22 ክሳብ 24 ዘሎ ብዛዕባ ፍቑድ ሕጋዊ መውስቦ’ውን ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ።
—–o—–
ብዝኾነ እታ በዅሪ ጓሉ ወዲ ወሊዳ ሞኣብ ከተውጸኣሉ እንኮላ፡ እታ ሕሳስ-ልደ እውን ወዲ ስለ ዝወለደት ብንዓሚ ኣውጻትሉ። ስለ’ዚ ሞኣብ ንሞኣባውያን ቐቢላ ክፈጥር እንኮሎ፡ ቤንዓሚ ድማ ንቐቢላ ዓሞን ፈጠረ። ኣብ መጽሓፍ-ቅዱስ ከም እንሪኦ ድማ እዞም ክልተ ነገደታት ኣብ’ቲ ዳሕራይ ቀንዲ ጸላእቲ ናይ እስራኤላውያን እዮም ዝኾኑ።
—–o—–
እዚ ንኡስ ታርኽ ናይ ሎጥ ምስቲ ንኡስ ታሪኽ ናይ ኖህ ከነወዳድሮ ንኽእል። ኣብ ክልቲኡ ቍጥዐ ፈጣሪ ክግለጽ ንርኢ። ኣብ ናይ ኖህ ቍጥዐ ብክፍኣት፣ ምግባረ-ብሉሽነትን ጎነጽን ናይ ወዲ-ኣዳምን ከምኡ’ውን በቲ ናይ ‘ደቂ ኣምላኽ’ ብመልክዕ ደቂ ሄዋን (ኣዋልድ) ተመሲጦም ዝተዋሰቡዎን ውላድ ብምውላዶም እዩ – (ሓንፈጽ መልኣኽን ሰብን ንበሎ) – በደል መቕጻዕቲ ማይ-ኣይሂ ዘውርደሎም። ብሓጺሩ ኣብዚ እግዚኣቢሄር መንፈስ ኣምላኽ ምስ ስጋዊ ሰብ ክሕወስ ስለ ዘይደለየን እቶም ዝተፈጥሩ ንጉዓት/giants (Nephilim ‘ነፊሊም’ ወይ נְפִילִים – ሓንፈጽ ፍርቂ መልኣኽ ፍርቂ ሰብ) ድማ ዋላ’ኳ “እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም።” (ዘፍጥረት 6:4) እንተ ተባህሉ መንፈሳዊ ሓይሊ ስለ ዘለዎም፡ ዘይድለ ጸይቂ፣ ክፍኣት፣ ዝሙት፣ ብልሽውና፣ ጥንቆላን ማሪትን ኣብ መሬት ከም ዝስዕርር ስለ ዝገበሩ እዩ።
—–o—–
እቶም ብመውስቦ ምስ ሰብ ንንጕዓት ሓናፍጽ ዝፈጠሩ 200 ዝኾኑ መላእኽቲ ሰማያት፡ ኣብቲ መበቆላዊ ጽሑፋት ኣራማይስጥ ‘ዒሪን’ (עִירִין) ወይ ‘ረኣይቲ’ እምበሪ ከም ኣብ ናይ ጽርኢን ግእዝን ጽሑፋት ‘መላእኽቲ’ ተባሂሎም ኣይጥቀሱን’ዮም። ኣብቲ ኣብ በዓቲታት ቑምራን (كهوف قمران) ዝተረኽበ ክርታሳት ምዉት ባሕሪ (Dead Sea Scrolls) ዝምንጩ ጥንታዊ ዝተበጃጀለ ብራና ጥራሕ ኮይኑ ዝተረፈ መጽሐፈ ሄኖክ ድማ ንረኽቦም። እቶም ምስ ናይ ዓለምና ኣንስቲ ክዋሰቡ ዝወረዱ መላእኽቲ ኣብ ትሕቲ ሰምያዛ (ግእዝን ጽርኢን Σεμιαζά) ወይ ‘ሸሚሓዛ’ (שמיחזה) ወይ ‘ሳምያሩስ’ (ساميارس) ዝበሃል መራሒኦም ካብ ሰማይ ንመሬት ዝወረዱ ግን ብጾታዊ ህርፋን ደቂ-ኣንስትዮ ናይ መሬትና ዝዓበዱ እዮም።
—–o—–
እቲ ዝገርም እቲ ብዝያዳ ብዛዕባ እዞም ሓናፍጽ ንጕዓት ብዝርዝር ዝገልጽ መጽሓፍ እቲ ንቡር መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኮነ የግዳስ እቲ ብይሁዲን ምዕራባውያን ክርስትያንን ከም ዘይቃኖናዊ ወይ ዉጉዝ (non-canonical) መጽሓፍ ኮይኑ ዝርአ ግን ብተዋህዶን ቤተ-እስራኤልን ኤርትራ/ኢትዮጵያ ጥራይ ኣብ ዓለም ከይተበታተኸን ከይተቖራረጸን ዓቂቦሞ ዝበሃል እቲ ግእዛዊ ትርጓሜ ዝሓዘ ጥንታዊ ‘መጽሓፈ ሄኖክ’ እዩ። ሄኖክ ወይ ድማ ብእብራይስጥ ‘ሓኖኽ’ (חֲנוֹךְ) ካብ ኣደም ጀሚርካ 7ይ ወለዶ ዝቝጸር ኮይኑ ኣቡኡ ነቲ ዝነውሐ ዕድሜኡ ዝበሃል ማቱሳላ’ውን እዩ። ሄኖክ ውሉድ ናይ ያረድ’ውን እዩ። ማቱሳላ ወዲ ሄኖክ ድማ ኣቦሓጎኡ ንኖህ እዩ። ሄኖክ ን365 ዓመታት ኣብ’ዛ ዓለምና ምስ ነበረ ገና ብሂወቱ/ከይሞተ እንከሎ ኣምላኽ ቀጥታ ናብ መንግስተ ሰማያት ወሲዱ ዘኣተዎ ብጹእ ነቢይ እዩ ይበሃል። ሄኖክ እቲ ኣብ ምስልምና ‘ኢድሪስ’ (إدريس) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነቢይ እዩ። ኢድሪስ ዝብል መጸውዒ ቃል ብኣገላልጻ ናይ 10ይ ዘመን ቁርኣናዊ ተፍሲር (መግለጺታት) ሊቅ መሓመድ ኣል-ጠበሪ ድማ ትርጕሙ ሊቅ ፈላጥ ወይ ጥበበኛ (ሓኪም) ኮይኑ መበቆል መጸውዒ ስሙ ካብ ‘ደርስ’ (درس) ትምህርቲ/መጽናዕቲ/ፍልጠት (ደረሳ፡ መድረሳ፡ ሙደሪስ ወዘተ) ዝመጸ ቃል እዩ። (ኣል-ጠበሪ ጽሑፍ ታሪኽ ብዛዕባ እቲ ንዩሁዳዊ ንጉስ ‘ዱ ኑዋስ’ ስዒሩ ንየመንን ዳርጋ ሙሉእ ሱዕድያን ተቖጻጺሩ ብ6ይ ዘመን ይገዝእ ኔሩ ዝበሃል ኣኽሱማዊ ተወካሊ ገዛኢ ናይ ንጉስ ካሌብ ማለት እቲ ኣብ የመን ዝነበረ ኣብራሃ ዝምልከት ከይተረፈ ጽሑፋት ገዲፉ እዩ።)
—–o—–
ኣብ ገሊኡ ግን – ገሊኦም ፈላጣት – ደቂ ኣምላኽ ማለት ደቂ ካብ እቲ ‘ሼት’ (שֵׁת) ዝተባህለ ሳልሳይ ውላድ ኣዳምን ሄዋንን ዝወጹ ሓጥያተኛታት ሰባት ማለት እምበር ቃል ብቓሉ ደቂ ኣምላኽ ወይ ብመውስቦ ምስ መላእኽቲ ዝተዋለዱ ማለት ኣይኮነን ዝብሉ’ውን ኣለዉ።
—–o—–
ብዝኾነ አብ ናይ ኖህ – ብእብራይስጥ ‘ኖዋሕ’ (נח)፣ ብዓረብ ‘ኑሕ’ (نُوحْ ) – ታሪኽ ክፋል ከም እንሪኦ፡ ፈጣሪ ብዝኣዘዞ መሰረት ኖህ ዝሳንፈፈላ መርከብ ንውሓ 300 እመት፡ ግፍሓ 50 እመት፡ ቁመታ ድማ 30 እመት ዝኾነት ብዕንጸይቲ ‘ጎፈር’ (ክሳብ’ዚ ሕጂ እዋን ዓይነቱ ብጭቡጥ ዘይተረጋገጸ ዓሌት ዕንጨይቲ) ዝተሰርሐት መርከብ ኣዳለወ። ግዚኡ ምስ ኣኸለ ድማ ኣምላኽ ብማይ ኣይሂ ንመሬት ኣዕለቕሊቑ ብምጥፋእ ንኖህን ቤተስቡን ንኹሉ ጽምዲታት ካብ እንስሳታትን ጥራይ ኣድሕኖም። ኣብ መጨረሻ ድማ ብኖህ ብዝተኣንገደሉ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ሕራር ስጋን ብጥዑም መኣዛ ናይ ሽትኡን ተሓጒሱ “ድሕሪ ደጊም ብሰሪ ሰብ ንምድሪ መሊሰ ኣይረግማን።” (ዘፍጥረት 8:21) በለ ብልቡ (ኣምላኽ)። ይኹን እምበሪ ዋላ’ኳ ኣምላኽ እዚ ኪዳን እንተ ኣተወ፡ ሓጥያት ሰብ እንደገና ስለ ዝቐጸለ፡ አብ’ቲ ዳሕራይ ኣብ ናይ ሎጥ ከም እንደገና እቲ ሕራነ ናይ ኣምላኽ ኣስዓበን ኣክንዲ ብማይ ምዕልቕላቕ ድማ በቲ ኣንጻሩ ዝኾነ ባእታ ነበልባል ሓዊ ጌሩ ንወዮ መከረኛ ሓጥያተኛ ሰብ ብሓዊ ኣህመኾ።

ዎ’ዳሓንኩም
ኢብሪሾም (ኢብራሂም ዓ. ዓሊ)

መወከሲ ምንጪታት

https://ancientexodus.com/was-mount-sinai-a-volcano/
https://armstronginstitute.org/
https://www.betezion.com/
https://blog.education.nationalgeographic.org/2014/10/07/the-loudest-sound-in-the-world/
http://bible.geezexperience.com/tigrinya/home
https://biblehub.com/
https://www.biblegateway.com/
https://www.biblicalarchaeology.org/
https://www.bibliotecapleyades.net/enoch/2enoch01-68.htm
https://www.bing.com/Translator/
https://dictionary.reverso.net/
https://doitinhebrew.com/Translate/default.aspx?kb=US%20US&l1=en&l2=iw
https://www.etymonline.com/
https://en.glosbe.com/
https://ids.clld.org/contributions/215
https://www.jewishencyclopedia.com/
https://www.jewishvirtuallibrary.org/encyclopedias
https://www.jewishencyclopedia.com/articles/7905-hospitality
https://www.oxfordreference.com/display/10.1093/acref/9780195046458.001.0001/acref-9780195046458
https://www.newadvent.org/cathen/14130a.htm
https://quran.com/en
https://quranonline.net/the-holy-quran/
https://religion.fandom.com/wiki/Sodom_and_Gomorrah
https://religion.fandom.com/wiki/Portal
https://www.sefaria.org/BDB?tab=contents
https://sunnah.com/
https://www.tau.ac.il/~hacohen/Henoch/Henoch%201.html
https://translate.google.com/
https://am.wikipedia.org/wiki/%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%88%90%E1%8D%88_%E1%88%84%E1%8A%96%E1%8A%AD
https://en.wikipedia.org/wiki/Book_of_Enoch
https://en.wikipedia.org/wiki/Idris_(prophet)
https://en.wikipedia.org/wiki/Krakatoa
https://en.wikipedia.org/wiki/Al-Tabari
https://en.wikipedia.org/wiki/Sodomy
https://www.youtube.com/watch?v=2Hee_Mm9X-k&ab_channel=HISTORY

https://www.mazzaroth.com/ChapterFour/KingsOfCanaan.htm (Hebrew Name of the Cities of the plain: Sodom, Gomorrah, etc)
Online resources (dictionaries, books, etc) – https://www.perseus.tufts.edu/hopper/
Names of God in Judaism – https://en.wikipedia.org/wiki/Names_of_God_in_Judaism#Hashem
Leslau, Wolf (1987), Comparative dictionary of Ge‛ez (Classical Ethiopic): Gǝ‛ǝz-English/English-Gǝ‛ǝz with an index of the Semitic roots. Wiesbaden: Harrassowitz.


ኤለክትሮኒካዊ ስነዳ – ቪድዮ 2ሀ

ኣብዚ ዩቱብ ቪድዮይ ከመይ ጌርና ነቲ ስካን ዝገበርናዮ መጽሓፍ ብፕሮግራም/ሶፍትዌር ነጽሪ የርኢ፦

ኤለክትሮኒካዊ ስነዳ – ቪድዮ 1

ኣብዚ ዩቱብ ቪድዮይ ከመይ ጌርና መጽሓፍ ስካን ንገብር የርኢ፦