በርበረ – Chillis (ካፕሲከም  – Capsicum) 

ኣብ’ዚ በርበረ ክብል እንከለኹ እዚ ዝተፈላለየ ቀመማት ከም ሰሰግ፣ ጅንጅብል፣ ጻዕዳ ሽጉርቲ፣ ሮዝማሪኖ (ብዓረብ ‘ኢክሊሉ ል’ጀበሊ’ ወይ ‘ኣኽሊል ጎቦ’ ይብልዎ)፣ ሽጉርቲ፣ ኣዝሙድ፣ ከሙን፣ ጨው፣ ጻቕዳ፣ ኣበሱዳ፣ ኣባዕከ፣ ኮረሪማ፣ ጸሊም በረበረ፣ ጨና ኣዳም፣ ቃርፋ ወዘተ ኣትዩ ዝተሓወሶ ጥሑን በርበረ ወይ እቲ ተቓሚሙ እንሪኦ ጥሑን በርበረ ዘይኮነስ፡ ብሓፈሻ ነቲ ቀንዲ ጥረ በረበረ ወይ ጉዕ (chilis) ንምባል እዩ። እዚ ብሓፈሻ ብጥረ ጉዑ ነዚኦም ዓይነታት የጠቓልል፦ ጉዕ፣ ሚጥሚጣ፣ (chilli pepper)፣ በርበረ ፕሮብላኖ፣ በርበረ አነሃይም፣ ሃለፒኖ፣ በርበረ ፍሬዝኖ፣  በርበረ ሰራኖ፣ በርበረ ካየን፣ በርበረ ተባስኮ፣ ዓይኒ ዑፍ ጉዕ (ናይ ኣሽያ ዕንጭቝሊት ጉዕ)፣ በርበረ ስካች ቦነት፣ ሃበኒሮ፣ ጎስት በርበረ፣ ካሮላይና ሪፐር በርበረን እቲ ዘይመርር ቦርቦሮኒን የጠቓልል። ኣይግረመና! በርበረ ጉዕ ምድቡ ምስ ኣሕምልቲ ዘይኮነ፡ የግዳስ ልክዕ ከም ኮሚደረ ምስ ፉርታ እዩ ተሰሪዑ ዝምደብ። ብዝኾነ ኣብ ዓለም ገለ 4000 ዝበጽሑ ናይ ጕዕ ጅራት ወይ ዓሌታት ኣለዉ። እታ ዝበዝሐ ጉዕ ኣብ ዓለም እተፍሪ ድማ ሃገር ቻይና ኮይና፡ ናይ ዓለምና 46.1 ሚእታዊ ፍርያት ጕዕ በርበረ በይና ትሽፍኖ። 

ግን አዚ ካብቲ ቀንዲ ንመኣዛና እንጥቀመሉ በርበረ’ዚ እንታይ እዩ ትርጉሙን ኣገዳስነቱን፡ እንታይ እዩ’ኸ እቲ ጥቕሙ? ከምቲ ብዙሕ ተደጋጋሚ ዝንገረናን እንሰምዖን ወዮ መተዓብይትና ነግራም ማር ማር ዘብል በርበረ ውላድን መንነትን መበቆሉ ሃገርናን ሃገረ ኢትዮጵያን ድዩ ወይስ ካብ ካልእ እዩ?  

ጕዕ በርበረ

 እዚ ንሕና በረበረ እንብሎ ቃል ካብ ቱርካዊ ቃል ‘ቢበር’ ዝመጸ ክኸውን ይኽእል (ምናልባት ምስ’ቲ ምትእትታውን ምስፍሕፋሕን ቱርካውያን ናብ ሃገርና ዝመጸ ክኸውን’ ውን ይኽእል)። ብዝኾነ እቲ ቓል ቀንዲ መበቆሉ ካብ ሳንስክሪት ወይ ናይ ህንዲ ቃል ኮይኑ ፋልማይ መጸውዒ ቓል’ ዚ ‘ፒፓሊ’ (pippali) ይብል። እዚ ግን ነቲ ናይ ህንዲ ዝኾነ ‘ነዊሕ በርበረ’ (በርበረ ጸሊም ዝመስል ንውሕ ዝበለ ዕንጨይቲ) ዝገልጽ ኮይኑ ደሓር ብመንገዲ ፋርሳውያን (ናይ ሕጂ ኢራናውያን) ተራዒሙ ንሶም ‘ፒፓሪ’ ቢሎም ዘድመጽዎን ደሓር ድማ ብእኦም ጌሩ ናብ ዓለም ዝተዘርግሐ ቃል ወይ ስያሜ ናይዚ ቀመም ኢዩ ኔሩ። ደሓር ግን ብ15ን 16ን ክ/ዘመናት ንስያሜ ጕዕ ምስ ምስፍሕፋሕ ግዝኣት እስጳኛን ፖርቱጋልን ናብ ሰሜንን ደቡብን ኣሜሪካ፡ ነዚ ሕጂ እንፈልጦ ጉዕ በርበረ ኣብኡ ስለ ዝረኸብዎ፡ እሞ ድማ ናብ ኤውሮጳ ስለ ዘተኣታተዉዎ ነዚ ህንዳዊ ቓል’ዚ ንመግለጺ እዚ ሓድሽ ኣብ ኤውሮጳ ዝተኣታተወ ጉዕ በርበረ ፍረ’ዚ ክጥቀሙሉ ጀመሩ። ስለዚ ፔፐ (ብጣልያን)፣ ፒፐሪ (ብግሪኽ)፣ ኣል’ፉልፉል (ብዓረብን ፋርስን)፣ ፒልፐል (ብእብራይስጥ)፣ ፌፋ (ብጀርመን)፣ ብኣምሓርኛ በርበሬ ወይ ቃርያ (ምናልባት ካብ ቃረ ወይ ቀሓር ዝመጸ)፣ ወዘተ እዩ። ኣብ ትግርኛ እውን እቲ ኣውራ ቃል ‘በርበረ’ ኮይኑ ጉዕ በርበረ ወይ ብሓጺሩ ጉዕ እውን እንዳ ተባህለ ይግለጽ እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ጉዕ ዝብል ቅጽል ቃል ቀንዲ ሕመረተ ቃሉ ንዘይበሰለ ወይ ጥረ ፍረ ንምግላጽ እዩ።

 እቲ ዝገርም ነገር፡ እዚ ንሕና ናትና እዩ እናበልና እንበልዖን ብግጕይ እሱ’ዩ ምኽንያት መሐየሊለና እናበልና ብዙሕ እንጀሃረሉ በርበረ መበቆሉ ኣብ ሃገርና ወይ ኣፍሪቃ ዘይኮነስ፡ በንጻሩ ክኔው ስግር መሬትና ኣብ ኣብ ከባቢታት ፔሩ፣ ኤኳዶርን ኮሎምቢያን ወይ ኣብ ደቡብ/ላቲን ክፋል ኣሜሪካ እዩ። ስነ-ኣትክልተኛታት ከም ዝብልዎ ደሓር በብቝሩብ ናብ’ዚ ሰሜናዊ ክፋል ኣሜሪካ ገጹ (ከም በዓል ሜክሲኮ ወዘተ) ዘስፋሕፍሐ ዓይነት ፍረ እዩ። መበቆሉ ጥራሕ ዘይኮነ ዋላ’ውን እቲ ዝተፋላለየ (ብዙሕ ቃው ቃው ኣቢሉ ዘቃጽል) ዓሌታት ናይ’ዚ ጉዕ’ዚ ኣብ ደቡብን ሰሜንን ኣሜሪካ ከም ሜክሲኮ ወዘተ እዩ ሰረቱ። ዋላ’ውን ኣብ ዳሕራይ ዝተፋላለዩ ምስ ክሊማ ዝኸዱ ጅራት (ዓሌታት) ወይ ዝተዳቐሉ ዘርእታት ናይ ጉዕ ኣብ ኤርትራን/ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ኣብ ዘተረፋ ሃገራት ኣፍሪቃ በቲ ናይ ሽዑ ሓያላት ዝነበሩ ፖርቱጋል እንተ ተኣታተወ (ናብ ሃገርና እውን ፖርቱጋል’ዮም ካብ ከባቢ 1520 ክሳብ 1770 ዓም ኣብ ዘሎ ግዜ የእትዮሞ ዝብሉ ኣለዉ)፡ ዜሩ ዜሩ መበቆል አዚ ተኽሊ’ዚ ኣብ ኣሜሪካታት ምዃኑ ኢና ንርዳእ። ስለዚ ሓበሻ ብነብሱ ነግራም ኮይኑ እዩ እምበር በርበረ ስለ ዝበልዐ ኣይኮነን እታ መልሓሱ ናብ ጸርፊ ተዋጣውጥ። በርበረ ወይ ሕዋስ ድልኹ ካብ ናይ ሃገርና ዝያዳ ዝብርትዕን ተማም ጌሩ ርእስኻ ክሳብ ዝንጸላሎ ዝለኽዓካ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ረኣናዮ ገሪሙና እዩ።

ትሪኒዳድ ስኮርፒዮን በርበረ

  ብዝኾነ ምኽንያት ናይ’ዚ መዕገርገሪ ቃውቃውታ ወይ ቃጸሎ ናይ በረበረ/ጉዕ እንታይ እዩ? በርበረ ወይ ኩሉ ጠቕላላ ዓሌት በርበረ ዘቡኡ ዘቃጽለና ምኽንያት ኣብ ውሽጡ ማለት ኣብቲ ነቲ ዘርኢ ኣካቢብዎ ዘሎ ደውሲ (ወይ  ቲሹ/tissue)  ካፕሰይሲን (capsaicin) ዝተባህለ ማይ-ማዮ ወይ ሕብሪ-ኣልቦ ዘይቲ ነገር ስለ ዘለዎ እዩ። በርበረ መግቢ ወይ ጉዕ ኣፍና ኣእቲና መግቢ ኣብ እንቐስመሉ ግዜ ነዚ ከሚካል ወይ ባእታ (ካፕሰይሲን) እዚ ክንበልዕ እንኮለና ኣይንቐምሶን ወይ ድማ ብቐጥታ ኣይንጥዕሞን ኢና፣ እንታይ ዳኣ መልሓስና ንካፕሰይሲን ምስ ቐመሶ፡ ነቲ ኣብ ዋህዮታትና ዘሎ TRPV1 ዝተባህለ ፕሮቲን ቃጸሎ ወይ ቃንዛ (ሓዊ ካብ 43 ዲግሪ ሰንቲግሬይድ ወይ ሰልስየስ ንላዕሊ ሙቐቱ) ብግዳም ኮነ ብውሽጥና ኣብ እን’ነደሉ ግዜ ሰሚዑ ዝበራበር ናይ ውሽጢ ኣካልና ኤለክትሪክ ሉቸ (ፕሮቲን) ንበሎ ስለ ዝበራበር ወይ ዝውላዕ፡ ብኡ ንብኡ መልእኽቲ ካብ መልሓስ ናብ ሓንጎልና ብመንገዲ ስርዓተ መትኒ (ነርቭ) ጌሩ ይሰድድ። ሓንጎልና ድማ በርጊጉ መልሲ ቃንዛ ወይ ቃውቃውታ ናብ’ቲ መልሓስና ይሰድድ። ብሓጺሩ እቲ ቃው ቃው ኣቢሉ ዘንድደና ስምዒት ናይ በሓቂ ባል ባል ቢሉ መልሓስና ዝምሽልጠና ናይ ሓቂ ቃጸሎ ዘይኮነስ፡ የግዳስ ነዚ  በቲ ተኽሊ ኣብ ህዋስና ንኽስመዓና ተባሂሉ ዝፍጠር ስልቲ ወይ ምትሃተ ህዋሳት (sensory illusion) እዩ።  ብዝኾነ ሕጽር ብዝበለ ዘይቲ ካፕሰይሲን ምስጢር ናይቲ ቃውቃውታነት ወይ ባልባል ዘብለካ ነገር ወይ ተፈጥሮኣዊ ከሚካል እዩ። ብዙሕ ካፕሰይሲን ዘለዎ ጉዕ ድማ ብተዛመዲ ወይ ጎድኒ ንጎድኒ ምስ’ዚ ምብዛሕ መጠን ካፕሰይሲን ይመርር።  

ካፕሰይሲን ሰበብ ናይ’ቲ ቃጸሎ እዩ።

ብሰንኪ ናይ’ዚ ቃጸሎ ባህሪ ጉዕ’ዚ (ጉዕ በርበረ ነግራም ዝጻፋዕ ብምዃኑ)፡ ሰብ ኮነ ኩሎም መጥበውቲ እንስሳታትን ኣናጹን፡ ነዚ ፍረ’ዚ ኣብ ዝበልዕሉ ግዜ ይመሮም። በንጻሩ ንኣዕዋፍ ግን ኣይመሮምን እዩ፡ ምኽንያቱ ስኒ ስለ ዘይብሎም ከይሓየኹ ስለ ዝውሕጥዎ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ እቲ ንቃውቃውታ በርበረ ዝሰምዕ TPRV1 ዝበሃል ታህዋስ ኣብ ኣዕዋፍ ትሑት ናይ ምስትብሃል ዓቕሚ ስለ ዘለዎ (ወይ ድማ ጎዲሙ ስለ ዝደነዘ) ዋላ ተንኪፎሞ እውን ኣይመሮምን እዩ። ስለ’ዚ፡ ኣብኣ እንኮላ፡ ናብ ከብዶም ሶቲኻ ተሓምሺሻ እውን ስለ ዘይትሓቅቕ፡ ብጥሪኣ ይሓርእዋ። 

ኣዕዋፍ ምስ በርበረ ኢድን ጓንትን’ዮም።

በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ዘርኢ ናይ ጉዕ በዕዋፍ (ፈቖድ’ኡ ምስ ሓረኡዎ) ቦቒሉ ንኸስፋሕፍሕ ናይ ተፈጥሮ ምኽንያት ይኾኑ። ሳየንቲስት ከም ዝብልዎ ተኽሊ በርበረ መሪር ፍረ ንኽፈጥር ዝተገደደ ብናይ ነዊሕ ናይ ተፈጥሮ ክስተት ወይ ፍልቀት ኮይኑ ንነብሱ ብገለ ገለ ባልዓት ወይ እንስሳታት እንዳተለቕመ ንኸይጸንት ዝፈጠሮ ናይ  ነብሰ -መከላኸሊ ብልሓት/መገዲ እዩ ይብሉ። ስለዚ ፈጣሪ ብዝመደቦ ኩሉ ፍጡር ዘቡኡ በብናቱ ነዛ ኣዱንያና ካብ ተጻባእቲ እንዳ ተጎራፈጠ ይቃለሳን መቃለሲ ዝኾኖ ኣጽዋር ድማ ይፈጥርን። ኣብ እንስሳታት ዓለም ከም እንሪኦ ከም በዓል ተመን፣ ዕንቅርቢት፣ ንህቢ፣ ጀሊ-ፊሽ ወዘተ ብሕንዞም’ድዩ ወይስ ብምንዳፍ ንነብሶም ካብ ተጻይ ንክከላኸሉ ኣብ ነዊሕ ናይ መዋእል ክስተት እዮም ፈሊቖም፡ ብተመሳሳሊ ኣብ (ክሃድሙ ዘይክእሉ) ኣትክልቲ ዓለም እውን እንተ ሪኢና ናቶም ዝከላኸሉ መገዲ ከም እሾኽ፣ እሾኽ-ዓጋም፣ እሾኽ ቆልቃል በለስ፣ እቲ ኣብ ዕንበባ ኣድብዩ/ተሓቢኡ ዝጸንሕ ዳንዴር፣ ሲሊኮንን (ንሳዕሪ ብመጋሃጫ ንከይውድኡ ሻሕካር ይገብሮም) ዝተሰመሙ ከሚካልን እናገበሩ ንሂወቶም ካብ ባልዓት ሓሳኹ (herbivores)፣ ንኣታኽልቲ ዝህንክቱ ጎዳእቲ ዕሲታት ይከላኸሉ።   

ኣብዚ ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ ንጉዕ በርበረ ካብ ኩሎም ባልዓት ንላዕሊ ዝያዳ ዝጻብኦ እዚ ንኣታኽልቲ ዘጽንት ዕሲ ብምዃኑ፡ ዕሲ ድማ ኣብ ርሑስ ጥልቁይ ቦታታት ስለ ዝራባሕን ዘስፋሕፍሕን፡ እቲ ዝመረረ ጉዕ (ብዙሕ ካፕሰይስን ዘለዎ) ኣብ ብብዝሒ ዕሲ ዘለዎን ጨፈቕፈቕ ዝብል ቦታን ይርከብ። እቲ ህዱእ ዘይመርር ጉዕ ግን ኣብ ዝወሓደ ማይን ዕሲ ብብዝሒ ዘይብሉን ደረቕ ቦታታት ብብዝሒ ይርአ። ዋላ’ውን እቲ ሕጂ ኣብ ዕዳጋ እንረኽቦ ዝበርትዐ ጉዓት እንተ ሪኢና፡ ካብ እቲ ራሕሲ ማያት ዘለዎ ከባቢታት ከም ሰሜናዊ-ምብራቕ ህንዲ፣ ኣሜሪካ ትሪኒዳድን (ከሪብያን)፣ ቻይና፣ ቱርኪ፣ ኢንዶነዥያን እስጳኛን እዩ ዝመጽእ።  

 ብዝኾነ ዋላ’ኳ ጉዕ ጸላእቱ ንኸሳድድ እንተ መረረ፡ ወዲ-ሰብ በርበረ ካብ ምፍታዉ ዓዲ ኣይወዓለን። ከምቲ ዝበሃል ዳርጋ ርብዒ ናይ ዓለምና ህዝቢ፡ እተፈላለየ ዝዓይነቱ ጉዕ በርበረታት ይበልዕ። ኣብዚ ጕዕ ሸውሃትካ ናይ ምኽፋት ዘለዎ ሓይሊ ኣብ ቦቱኡ ኾይኑ፡ ካልእ ምኽንያት ናይ’ዚ ድማ እቲ ቃልቃል ዘብል ካፕሰይሲን ነቲ ናይ ነብስና ናይ ወጥሪ ሆርሞናት ስለ ዘበግሶን ዝድርጕሖን፡ ቆርበትና ቀዪሑ ረሃጽ ከም ንርህጽን ይገብረና። በዚ ድማ ስለ እንበራበርን፡ አብ ሞንጎ እዚ ሃወጽወጽን ረበሽበሽን ድማ ሓይሊ ስለ ዝስመዓናን እዩ። ነዚ ነበልባል ተጎራፊጡ ዝወጸ ሰብ ድማ ዓንተር ኮይኑ ይስምዖ። እዚ ምትእስሳር መሪር በርበረ ምስ ዓንተርነት/ስብእነት ብምስላ’ውን ‘በርበረ ምርር ክብል፡ ሰብኣይ ከኣ ትርር ክብል ኢዩ ዘለዎ።’ ብምባል ኣብ ሃገርና’ውን ብኣምስሎ ይግለጽ እዩ።  እቲ ካልእ ዝግለጽ ምኽንያት ግን እሑእ! እሑእ! (እንታይ ዳኣሉኸ! በርበረካ ሰርነቑኒ) ብዙሕ ሰብ ንነብሱ ከቐንዙ ሓጎስ – ወይ ካብ ቃንዛ ዝብገሰ ሓጎስ (masochism) – ስለ ዝስምዖ እዩ ይብሉ። እቲ ካልእ ዝዓበየ ምኽንያት ግን (ብፍላይ ኣብ ከም ሃገርና ዝኣመሰላ ሃገራት) ሙቐት ስለ ዘሎ መግብና ብዘይ በርበረ እንተ ጸኒሑ ማይክሮባት ወይ ታህዋስያን ስለ ዘበላሽውዎ እዩ። ከምቲ መግቢ ኣብ መዝሓሊት እንተ ኣእቲናዮ እዞም ማይኮርባት ብዛሕሊ ከይተራብሑ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝጸንሓልና፡ ንመግብና መዝሓሊ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት’ውን፡ በርበረ እንተ ጌርናሉ’ውን ከይተበላሸወ ንኽጸንሕ ይሕግዘና እዩ። እዚ ድማ ኣብ ምዕቃብ ጥዕናና ወይ ከይንሓምም ይሕግዘና ማለት እዩ። 

 ጥዕና ካብ ኣምጻእና ግን እስከና ጥቕሚታት ናይ በርበረ ንርአ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ህዝብና (ምስ ኢትዮጵያ ሓዊስካ) እንተ ብገምሪ (intuition)፡ እንተ ብስነ-ሞጎት ወይ ሎጂክ፡ እቲ መሰረታዊ ጥቕሚታት ናይ በርበረ በጺሕዎ እዩ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። መሪር በርበረ ኣዝዩ ልዑል ትሕዝቶ ቪታሚን ‘ሲ’ ስለ ዘለዎ ንቡርቱኻን ብ 3 ዕጽፊ ይበልጾ። ካልእ ቪታሚን ‘ኤ’፣ ‘ቢ’ን ‘ኢ’ን ብጻዕቂ መሊእዎ ይርከብ። ስለዚ ቪታሚን ‘ኤ’ን ‘ቢ’ን ንዓይንኻ፣ ንነብሰ-ተጸዋርነት (ካብ ሕማም)፣ ንዕቤት፣ ንጸዓት፣ ንሸውሃት፣ ንጥዕና ልብኻ፡ ሳንቡእካ፡ ሓንጎል ወዘተ ይጠቕመና። ብተመሳሳሊ ቪታሚን ‘ኢ’ ንነብሰ-ተጸዋርነት ካብ ቫይረስ/ባክተርያ፣ ንዓይኒ፣ ንቆርበት ጥዕና፣ ሰራውር ደምና ክገፍሕን ደምና ከይረግእን (blood-clotting)፣ ‘ኣንቲ-ኦክሲዳንት’ ኮይኑ ንዝተፈላለየ ሕማማት ይከላኸል፣ ንነድሪ ይከላኸል፣ ወዘተ። ኣንቲ-ኦክሲዳንት ማለት ጸረ-ኦክሲዳንት ኮይኑ እቶም ኦክሲዳንት ዝበሃሉ ዘየድልዩ ንዋህዮ ደውሲን (cell tissue) ንዲ-ኤን-ኤይ ዘብርሱን ከም ሳዕቤኑ ድማ ነድሪ፣ ከም ሽኮርያ ካንሰርን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ዘይሰዱ ናይ መዋእል ሕማማትን ስለ ዘስዕቡ እዮም። ኣብ መወዳእታ፡ ቪታሚን ‘ሲ’ ንባዕሉ ኣንቲ-ኦክሲዳንት ኮይኑ ንዋህዮታትካ ካብ ሳዕቤን ‘ፍሪ-ራዲካልዝ’ የገላግል። (ፍሪ-ራዲካልዝ መግቢ ኣብ ከብድኻ ኣብ ዝሓቀሉ፣ ንጸርጊ ወይ ጩራ ጸሓይ፡ ንትኪ ሽጋራን/ትምባኾን ካልእን ኣብ እትጋለጸሉን ግዜ ዝፍጠሩ ጎዳእቲ ሞለክዩላት እዮም።) ፍሪ-ራዲካልዝ ንሕማም ልቢ፣ ንመንሽሮ (cancer)፣ ካልእ ሕማማትን ንኽፍጠሩ ዓቢ ተራ ይጻወት። ስለ’ዚ ብሓጺሩ ጕዕ እዚ ኹሉ ጥቕሚ ሓቚፉ ይርከብ። 

ካልእ ፈላጣት ዝብልዎ፡ በርበረ ነቲ ግናይ ዝጎድኣና ባክተርያ ክቐትሎ እንከሎ፡ ነቲ ንንብስና ዝጠቕሞ ባክተርያ ግን ይዕቅቦ’ዩ ይብሉ። ኣብዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ኢትዮጵያውያን (ሓሓሊፉ ኤርትርውያን እውን ኣይሰኣኑን እዮም) ‘ኣይጎድኣናን እዩ፡ ደይ በርበረ ነቲ ባክተርያ ክጥፍኦ እዩ’ እናበሉ ዝሕላን ክትፎን ምስ ሰናፍጭ፣ ሚጥሚጣ፣ ወይ ኣዋዘ ሓዊሶም ወይ ደፍዲፎም ይበልዕዎ እዮም። ወረግ ገሊኦም’ሲ ቐጥታ ዝልዝል ስጋ ካብ እንዳ ስጋ እንዳ ተቐበሉ ብዘይ በርበረን ካልእን ተተቐቢሎም ገና ኣብ ኣፎም እንከሎ ብኻራ ቆቆራሪጾም ሓመድ ከስሕንዎ ርእየ ኣለኹ። ኣብዚ ምናልባት እቲ በርበረ ወይ ሰናፍጭ ብደንቢ ምስ ካልኦት ዝተፈላለዩ ጠቐምቲ መራጕድቲ ቀመማትን ሽጉርት ጻዕዳን ስለ ዝተሓዋወሰ ወይ ድማ ከም ብርቱዕ ‘ሹትኒ’፡ ነዚ ምስ ብሓድሹ ዘሎ ብጽርየት ዝተሓለወ ስጋ፡ ብግቡእ ኣገባብ ኣሊኾም እንተ በሊዖሞ፡ ባክተርያታት ቀቲሉ ብመጠኑ ክሕግዞም ይኸእል እዩ። እንተኾነ ግን፡ ዘይበሰለ ስጋ ናይ ጥረ ስጋ ጽግዕተኛታት (ፓራሳይት) ከም ሓቢ፡ ስለ ዘለዎ ንጥዕና ጽቡቕ ኣይኮነን። ብጀካ’ዚ ግን ካልኦት ጥረ-ስጋ ሓቚፍዎም ዝመጽእ ከም እኒ ኢ-ኮላይ፣ ሳልሞነላን ሊሰተርያን ዝተባህሉ ባክተርያታት ጽዒኑ ስለ ዝመጽእ፡ ምስማም መግቢ የኸትል። እዚ መግበ-ምስማም ድማ ኣሕሚሙ ኣደዳ ተምላስ፣ ተቕማጥን ረስኒን ከም እንኸውን ይገብረና። ዕቱብ ሕማም ኮይኑ ኣብ ደም እንተ ኣትዩ ድማ፡ ናብ ከቢድ ሕማም ተቐዪሩ ክሳብ ሞት ከብጽሕ ይኽእል። 

ዝሕላ ጥረ ስጋ – ንቐደም በሉ!

ሓቂ ንምዝራብ ኢትዮጵያውያን ኣብ እንዳ ስጋ ካብ ሓራዳይ እንዳ ተቐበሉ ብዘይ ነግ-ፈረግ ነቲ ስጋ ክበልዑዎ ክትሪኦም እንኮለኻ፡ የሰንብደካ ጥራይ ዘይኮነ ናባኻ’ውን ከይመጹ 4ይ ማርሻ ኣእቲኻ ክትሙልጨጭ ኢኻ ትደሊ። ግን ሚዛናውነት ንኽህልወና ጃፓናውያን’ውን ጥረ ዓሳን ስጋን ምስ መሪር ‘ዋሳቢ’ ዝበሃል ዓይነት ሰናፍጭ ሓዊሶም ይበልዑዎ እዮም። ቀንዲ መግቦም ከም ሱሺ ብጥረ ዓሳ ኮይኑ፡ ካልእ ‘ሳሽሚ’ ዝበሃል ድማ ቀንዲ ካብ መግባውያን-ባሕሪ (seafood) ኮይኑ፡ ካብ ጥረ ስጋ ብዕራይ፣ ሓሸማ፣ ፈረስን ደርሁን እውን ምስ ዋሳቢ፡ መረቕ ኣዳጕራን ጅንጅብልን ካልእን’ውን  እንዳ ሓወሱ የጣምምዎ እዮም። ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤሽያ እውን ኣሎ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ (ብፍላይ ኣብ ሌባኖስ/ሊብናን) ከይተረፈ፡ እቲ ኣዝዩ ፍቱው መግቢ፡ ‘ኪባ ነያ’ (كبة نيئة)  ዝበሃል ጥሑን ጥረ-ስጋ በጊዕ እዩ። ኪባ ነያ (ከም ትግርኛ ‘ኪባ’ ክቢ ማለት’ዩ፡ ነያ ድማ ጥረ) ምስ እሉኽ በርቑል (ኵእኵኦ ስርናይ) ተላዕጢጡ፡ ምስ 7-ቐመማት፡ ሽጉርቲ፡ ናዕናዕ፡ ዘይቲ ኣውሊዕ፡ በርበረ ወዘተ ተሓዊሱ ዝብላዕ እዩ። 

ሳመን ሱሺን ሳሺሚን – ጥረ መግቢ-ባሕሪ

ብዝኾነ መሪር በርበረ (ካፕሰይሲን) ቀመም ኮይኑ ንመግቢ ወይ ጓዕሚጭካ ንምብላዕ ጥራሕ ኣይኮነነ ዘገልግል። ከም ቅብኣ ወይ ክሬማ በርበረ ኮይኑ ተመስሪሑ እውን ንፈውሲ ቃንዛ የገልግል እዩ። ንናይ ንዩራልጅያ ዝበሃል ናይ ነርቭ ሕማም፣ ብመጠኑ ድማ ንቕርጥማት፣ መግመይቲ ወዘተ ኣብቲ ዝተነኽአ ክፋል ኣካል ተለኽዩ፡ መድሃኒት ኮይኑ የገልግል እዩ። እዚ ቃንዛ ብቓንዛ ሕክምና ዝበሃል ኮይኑ መጀመርያ በዚ ብርቱዕ ዘንድደካ ካፕሰይሲን ፋልማይ ምስ ተለኸ’ኻ፡ ንሓጺር እዋን ትቃጸል ወይ ቆርበትካ ሓው ሓው የብለካ፡ ብድሕሪኡ እቲ ሕዱር ቃንዛኻ በዚ ቃጸሎ ደንዚዙ በብቕሩብ

ቅብኣ ወይ ክሬማ በርበረ

ይጠፍእ። ከም ኣቦታት ዝብልዎ “እሾኽ ብእሾኽ ይንቀስ፡ ነገር ብነገር ይውቀስ።” ዝዓይነቱ ከም ማለት እዩ። ኣብ ንዩዎርክ ከተማ ናይ ኣብ ንዩ-ጀርዚ ዘሎ ሜዲካል ስኩል ዝርከቡ ተመራመርቲ ኣብዚ እዋን ብዛዕባ እዚ ብዙሕ መጽናዕቲ ይገብሩ ኣለዉ። ኣብዚ እቶም ተመራመርቲ ወዲ-ሰብ ብተፈጥሮ ናቱ ናይ ነብሱ ናይ ነብሰ-ጽገና ተኽእሎ ስለ ዘለዎ፡ ኣካል ወዲ-ሰብ በዚ መሪር ጉዕ በርበረ ቅብኣ/ካፕሰይሲን ተሓጊዙ ናይ ነብሱ ነብሰ-ምትዕርራይ ክገብር ከም ዝኽእል ይገልጹ።  

ካልእ በርበረ ርጕዲ ከም ዝቕንስ ወይ’ውን ብመጠኑ ኣካላዊ ክብደትና ንምቕናስ ከም ዝሕግዝ ተመራመርቲ ይነግሩ እዮም። ነዚ መጽናዕቲ ዘካየደት እታ ኣብ ካሊፎርንያ ዩኒቨርሲቲ አትርከብ ዶክተር ‘ዣውፒን ሊ’፡ በቲ ዝረኸበቶ ናይ መጽናዕቲ ተረኽቦ ተረጋግጽ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ግን፡ መሪር በርበረ ዘለዎ መግቢ ምምጋብ ዘዘውትሩ ሰባት ንነዊሕ ዕድመ እውን ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ተመራመርቲ ይነግሩ እዮም። ብፍላይ ኣብቲ ኣብ 2015 ዓ/ም ኣብ ቻይኒዝ ኣካደሚ ኦፍ ሜዲካል ሳየንስስ ዝተገብረ ምርምር ነዚ የረጋግጽ። ይኹን እምበሪ እቶም ተመራመርቲ ነዚ ክፍጸም መታን ግን ጉዕ በርበረ ጥራይ ዘለዎ መግቢ ብምብላዕ ዘይኮነ፡ ኩሉ ዝተማለአ ኣተኣላልያ መግብኻን ምሕላው ጥዕናኻን ምስ እተማልእ እዩ ይብሉ። 

ከምቲ ዝበልናዮ ጉዕ በርበረ ዝመርር ኣብ ውሽጡ ካፕሰይሲን ዝተባህለ ከሚካል ስለ ዘለዎ እዩ። መጠን ብዝሒ ናይ እዚ ካፕሰይሲን ድማ ነቲ ቃውቃውታ ናይ በርበረ ይውስኖ፦ ልዑል ትሕዝቶ ካፕሰይሲን፡ ልዑል ቃጸሎ፤ ትሑት ትሕዝቶ ካፕሰይሲን ድማ ትሑት ቃጸሎ የምጽእ። ይኹን እምበሪ እዚ መጠን መሪርነት ጕዕ በርበረ፡ ትም ኢሉ ሰብ ብሃውሪን ባዕላዊን ግምት ብዝህቦ ስለ ዝፍርድ፡ ብግቡእን ብዘተኣማምንን ኣገባብ ኣተዓቓቕና ዝተዓቀነ ስነ-ፍልጠታዊ መጠነ-ቃጸሎ ናይ’ቲ በርበረ ኣይኮነን። ነዚ ዝተረድአ ኣብ ትካል መድሃኒት ዝሰርሕ ዝነበረ ‘ዊልበር ስኮቪል’ ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ተማራማሪ መድሃኒት፡ እቲ ዝሰርሓሉ ትካል ዝድረዝ ቅብኣ ወይ ፈውሲ ክሬማ ናይ በርበረ ስለ ዘማዕበለ፡ ነዚ ኣብ ዕዳጋ ንኽሽየጥ ድማ ፈውሲ ዓቐኑ ንኽፍለጥን እቲ ናቱ ዝውሰድ መጠን (dose) ክነግሩ ስለዝደለዩ፡ ስኮቪል ብ1912 ዓ/ም መዐቀኒ ዝኸውን መሳልል ቃጸሎ መሃዘ። እዚ ሕጂ መሳልል ስኮቪል ወይ Scoville Scale ተባሂሉ ዝጽዋዕ መዐቀኒ ቃውቃውታ በርበረ ካብ ስሙ ዝመጸ እዩ። ብሓፈሻ እቲ መዐቀኒ ኣሃዱ፡ ቃጸሎ ኣሃዱ ስኮቪል ወይ ድማ Scoville heat units (SHU) ተባሂሉ ይጽዋዕ።  

መሳልል ስኮቪል – ካብ ዝፈኾሰ ፔፔሮነ ክሳብ ዝመረረ

ብርታዐ ቃውቃውታ ጉዕ ንኽዕቀን ድማ መጀመርያ ሓደ ውሱን ዝሚዛኑ ጕዕ በርበረ ነቒጹ ይጣሓን። ብድሕሪኡ ድማ እቲ ኣብኡ ዘሎ ከሚካል ካፕሰይሲ ንኽደምቕ ተባሂሉ ኣልኮል ይሕወሶ። ብድሕሪ’ዚ ሽኮር ዝተሓወሶ ማይ ምስቲ በርበረ ይሕወስ። እዚ መታን እቲ ቃውቃውታ በርበረ (ጻዕቂ ካፕሰይሲን) ክብረዝን ክሃድእን ተባሂሉ እዩ። ስለዚ ንሓደ ዝተወሰነ ዓቐን በርበረ፡ ክንደይ ዓቐን ሊትሮ ሽኮራዊ ማይ ጀሊሕካ ክሳብ ባዶ ቃጸሎ ወይ ህዱእ ከም ዝኸውን ትገብሮ ንምፍላጥ እዩ እቲ ዓላማ። ስለዚ ሰብ ነቲ በርበረ ደጋጊሙ ብሽኮራዊ ማይ እንዳጀለሐ ቀቀሚሱ ይፈርድ ማለት እዩ። ዓቐኑ ብሚእታዊ ርባሕ (መሚእቲ) እንዳ ተገብረ ድማ እቲ ፍርዲ ሚዛናውነት ንኽህልዎ ብ5 ሰባት እንዳ ተቐምሰ ይውሰን። ስለዚ ከም እንሪኦ እዚ’ውን ብውርጹጽ ውድዓዊ ኣገባብ ዘይኮነ፡ ኣብ ግምገማ (ፍርዲ ህዋስ መቕመስቲ)  ናይ ሰባት እዩ ዝሙርኮስ። ግምገማን ርእዮታን ናይ ሰባት ድማ ይፈላለ እዩ። ገሊኡ በርበረ ዝለመደ ይኸውን፣ ገሊኡ ምስ ደጋገመ ህዋሱ ይጎድም፣ ገሊኡ ብናይ ዕድመ ዕብየት ይፍለ፣ ገሊኡ ኣቕልብኡ የጕድል፣ ወዘተ። በዚ ምኽንያት ኣብ እተፋላለዩ ላቦራቶሪታት ዝተፈላለየ ውጺኢታት ስኮቪል ኣሃዱ ወይ SHU ይርአ። 

ነዚ ንምፍታሕ ሓድሽ ዝያዳ ልክዕነት ዘለዎ ሳይንሳዊ ኣገባብ ኣተዓቓቕና ቃውቃውታ ብ1980 ዓ/ም ተማህዘ። እዚ፡ ንምሕጻር፡ HPLC (High-performance liquid chromatography) ዝተባህለ ኮይኑ፡ ብኬሚስት ጌሩ ኣብ እንዳ ስነ-ቐመም (chemistry) ላብ (Lab) ዝዕቀን ኣገባብ እዩ። እዚ ብናይ ስነ-ቐመም ወይ ኬሚስትሪ ዝካየድ መስርሕ ግን ዝያዳ ገንዘብ ዝሓትትን ክቡርን ኣገባብ ኣተዓቓቕና ኮይኑ፡ ንሱ’ውን ዓቐኑ ምስ ተወሰነ ንተራ ሰብ ንኽቐሎ መታን ናብ ስኮቪል አሃዱ (SHU) እዩ ዝግልበጥ። ኣብዚ ብዝያዳ ነቲ ሳይንሳዊ ኣገባብ ንምግላጽ እየ ዘምጽኦ ዘለኹ እምበሪ እቲ ልሙድ መለክዒ ተዛማዲ ቃውቃውታ ጉዕ/በርበረ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ፍሉጥ ዝኾነ መለክዒ ኣሃዱ ስኮቪል እዩ።  

ብዝኾነ ብመሰረት ስኮቪል ኣሃዱ ኣየናይ ዓይነት ጕዕ እዩ ዝላዓለ ቃጸሎ ዘለዎ እስከ ብቕደም-ተኸተል ካብ 1 ክሳብ 10 ንርአ፦ 

  1. ካሮላይና ሪፐር፦ 2,200,000 SHU 
  1. ትሪኒዳድ ሞሩጋ ስኮርፕዮን፦ 2,009,231 SHU 
  1. 7 ፖት ዱግላ፦ 1,853,936 SHU 
  1. 7 ፖት ፕሪሞ፦ 1,469,000 SHU 
  1. ትሪኒዳድ ስኮርፕዮን ቡች ቲ፦ 1,463,700 SHU 
  1. ናጋ ቫይፐር፦ 1,349,000 SHU 
  1. ጎስት ፔፐር (ቡት ጆሎኪያ)፦ 1,041,427 SHU 
  1. 7 ፖት ባራክፖር ~ 1,000,000 SHU 
  1. 7 ፖት ሬድ ~ 1,000,000 SHU 
  1. ሬድ ሳቪና ሃባኒሮ፦ 500,000 SHU 

ስለዚ ‘ካሮላይና ሪፐር’ ኣብ ደቡብ ካሮላይና (ኣሜሪካ) ብኣሜሪካዊ ‘ኤድ ከሪ’ ተዳቒሉ ዝተፈጥረ ጉዕ ኮይኑ፡ ኣብ ነሃሰ 11, 2017 ዓ/ም እቲ ኣብ ዓለምና ዝመረረ ጉዕ (ቃውቃውታኡ ከባቢ 2 ሚልዮን ርብዕን ስኮቪል) ምዃኑ ተመስኪሩሉ፡ ኣብ መዝገብ ጊነስ (Guinness World Records) ተመዝጊቡ ይርከብ። እዚ ማለት፡ እቶም ሃለፒኖ (10,000 ቃጸሎ ስኮቪል) እትበልዑ ካብ ሃለፒኖ ብ220 ዕጽፊ ይመርር፡ ወይ ድማ ነቲ ዝያዳ መሪር ሃበኒሮ (350,000 ስኮቪል) እትበልዑ፡ ብልዕሊ 6 ዕጽፊ ይመርር ማእት እዩ። እዚ ሚጥሚጣ መሪር ጕዕ እንበሎ (ወይ Piri Piri or the African Bird’s Eye) መሪሩ እንተ ተባህለ ክሳብ 175,000 ደረጃ ቃጸሎ ስኮቪል ይበጽሕ። ስለዚ ካሮላይና ሪፐር ንሚጥሚጣ ብ12.5 ዕጽፊ (ወይ ልዕሊ 12 ጅሮኒ ወይ ዑደት ይኳለል ንበሎ) ባልባል ኣቢሉ ይመርር።  ቀቅድሚኡ ካሮላይና ሪፐር ቻምፕዮና ምጭባጡ ግን እቲ ናይ ትሪኒዳድ ዕንቅርቢት ሞሩጋ በርበረ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ዓለምና ዝለዓለ ቃጸሎ (ከባቢ 2 ሚልዮን ስኮቪል) ዘለዎ ጉዕ ነበረ።  

ይኹን እምበሪ ኣብዚ ሕጂ እዋን እውን፡ ባዕሉ እዚ ኣሜሪካዊ – ኤድ ከሪ – ድሕሪ 10 ዓመት ሓድሽ ኣዳቒሉ ዝፈጠሮ ካልእ ብመዝገብ ጊነስ (Guinness World Records) ገና ተፈቲኑ ዘይተረጋገጸ ግን ቃውቃውታኡ 3.18 ሚልዮን ስኮቪል ዘለዎ ሓድሽ ዘርኢ ጕዕ ፈጢሩ ኣሎ። ካልእ እውን ካብኡ ብርታዔኡ ትሕት ኢሉ ስሙ ‘ትንፋስ ድራጎን’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ብሪጣንያ ተዳቒሉ ዝተፈጥረ ቓጸሎኡ ድማ 2.48 ሚልዮን ስኮቪል ዝኾነ’ውን ኣሎ። 

በንጻሩ፡ እቲ ወላ’ሓንቲ ወይ’ውን ባዶ ቃውቃውታ ዘለዎ በርበረ ግን እዚ ንሕና ቦርቦሮኒ (bell pepper) እንብሎ ኮይኑ፡ እዚ ከም ዝግመት ዚሮ ስኮቪል (0 Scoville units) ዓቐን ኣለዎ። 

ምስ እዚ ዝሳነ ናይ መን ዝመረረ ጉዕ ይበልዐ ዝብል ቻምፕዮና ውድድር እውን ኣሎ። ገሊኡ ብመራኸቢ ብዙሓን ከም ዩቱብ፣ ፌይስቡክ ወዘተ፡ ገሊኡ  እውን ተኣኪቡ ማሕበር ኣቚሙም ዝወዳደር ኣሎ። ኣብነት ናይ እዚ በቲ ማሕበር ቃጸሎ (League Of Fire) ዝበሃል ማሕበር ዝካየድ እዩ። ካልእ’ውን ናይ ንፉዓት ናይ ጉዕ በርበረ ከሸንቲ ወይ ሸፍስ (chefs) ብኣባላት ናይ ሓደ ናይ ጉዕ በርበረ ዘለዎ ከሸንቲ መግቢ ማሕበር (World Championship Chili Cook-Off) ዝካየድ ናይ ቻምፕዮና ውድድር ኣሎ። እዚ ዓመታዊ ኮይኑ ንፉዕ ተዓዋቲ ከሻኒ $100,000 ይወስድ። 

ኣብዚ እግረ መገድና፡ በርበረ ወይ ጉዕ በሊዕና እንተ እቲ ቃውቃውታ ልክዑ ሓሊፉዎ’ሞ ምኽኣል እንተ  ስኢንና፡ ዝኾነ ኣሲዳዊ መስተ ከም ጸባ/ርግኦ (ዘተበረዘ ጸባ – whole milk)፣ ጽሟቕ ለሚን ወይ ኣራንሺ ወይ ድማ ኣሎ-ቪራ መስተ ነቲ ዝስመዓና ቃጸሎ ከህዳኣልና ይኽእል። እቲ ቃጸሎ ዋላ ኣብ’ቲ ከብድና ስለ ዝስመዓና ጸባ ምስታይ ንኸብድና እውን የህድኦ እዩ ይብሉ ፈላጣት።  

ሓደ ካብ እቲ ኣብ ሃገርና ንኲናት ዝምልከት እንሰምዖ ታሪኻት ወይ  ዛንታት፡ ብዛዕባ ኣዴታት ነቦታትና ክሕግዛ፡ ኣብ ኣብ ወራር ኲናት ብብረበረ ከይተርፋ ይዋጋኣ ከም ዝነበራ ይንገር እዩ። እዚ በረበረ ጌርካ ዓይኑ ጸላኢ ምድፋን ዝትርኽ ጭላፍ ታሪኽ እንሰምዖ እዩ። ግን ሓቅነቱ ብዘየገድስ በርበረ እቲ ባዕዳዊ ጸላኢ (ብፍላይ ፈረንጂ) ከም ዘይፈልጦ እዩ ዘስምዕ። እዚ ግን ግጉይ መረዳእታ እዩ። ምኽንያቱ ምንም’ኳ መብዛሕትኡ እዋን መሪር ጉዕን በርበረን ኣብ ቆራሪ ሃገራት (ከም ኤውሮጳ ወዘተ) ብዙሕ ዝውቱር እንተ ዘይኮነ፡ ኤውሮጳውያን ባዕሎም እዮም ነቲ ጉዕ ናብ ኣፍሪቃን ኤሽያን ከም ዝዝርጋሕ ጌሮሞ። ብዝኾነ እንተ እቲ በርበረ ጌርካ ምድፋን እንተኾይኑ ካብ ብጥንቲ ገለ ቅድሚ 7000 ዓመታት ኣትሒዙ ብኣዝተካውያን (Aztecs) ናብ ሓዊ ተወርዊሩ ተዓብሊኹ ትኪ ዶሮና ጌሩ ንጸላኢ ከም መግትኢ የገልግል ከም ዝነበረ ይንገር እዩ። ደሓር’ውን ኣብ 14ን 15ን ዘበናት ከም ዝተጠቀሙሉ ይንገር እዩ።   

እቲ ዘመናዊ ምዕቡል በርበረ ከም ፍሊት ብስነ-ቐመም ተቓሚሙ ዝነጽግ መሳርሒ ግን ብኣሜሪካዊ ‘ኣለን ሊትማን’ (Alan Litman) ኣብ 60ታት ከም ዝተማህዘ ይንገር። እዚ ብናይ እቲ በቲ ካብ ጉዕ ዝወጽእ ካፕስይስን capsaicin (ዘይቲ ከሚካል) ተቓሚሙ ዝስራሕ መንጸጊ ሽጉጥ፡ ብውልቀ ሰባት፣ ፖሊስን ወታደራዊ ሰራዊትን ከም ንሂወት ዘየስግእ ኣጽዋር ተራእዩ ኣብ ብዙሕ መዓላ ይውዕል። ንኣብነት፦ ንመከላኸሊ ነብስኻ ካብ እንስሳታት ከም ከልቢ ድቢ ወዘተ፣ መከላኸሊ ካብ ዓመጽትን ሰረቕትን ሰባት፣ ከምኡውን ፖሊስን ሰራዊት መንግስትን ንኣድማን ዕግርግርን ንምግታእ ይጥቀሙሉ። 

እዚ ከከም ዓይነቱ ማለት ካብ ቀሊል ንተራ ሰብ ነብሱ ንኽከላኸል ጠዊቑ ዝነጽጎ መሳርሒን ካልእ ምዕቡል ሽጉጥን ጠበንጃን ከምኡ’ውን ብኢድ ዝውርወር ነታጒ-ኢድን ዝዓይነቱ ብፖሊስን ወተሃደርን ዝዝውተር እሞ እቲ ጥይት ወይ ቀልሃ ወይ ድማ ነታጒ ናቱ በርበረ ከሚካል ስለ ዝመልአ ምስ ሃረመካ ወይ ኣብ መሬት ምስ ዓለበ ዝፍንጀርን ዒግ ዝብልን ዘጠቓልል እዩ። ኣብዚ እቲ ሰብ ብኣዝዩ ብርቱዕ ፍሊታዊ በርበረ ምስ ተዓብለኸ፡ እቲ

በርበረ ነጻጊ ሽጉጥ (Pepper Spray Gun)

ጋዝ ጎሮርኡን ኣፍንጭኡን ማርማር ኣቢሉ ኣንዲዱ ምትንፋስ ከም ዝስእንን ቀጻሊ ኡሑእ ኡሑእ ከም ዝብልን ኣፍንጭኡ’ውን ወረር ወረር ከም ዝብል ይገብሮ። ዓይኑን ገጹን ድማ ብተመሳሳሊ ይነድድን (ወይ ብርቱዕ ማርማርታ ይገብረሉን) ይነብዕን ቋሕ ድማ ክ’ብል የሸግሮን። በዚ ክሳብ ብርሃን እውን ከም ዝጸልእ ይኸውን። ኣብ ከምዚ ኩነታት ድማ እቲ ሰብ ክሳብ ሰዓት ወይ ፍርቂ-ሰዓት ክጸንሕ ይኽእል። ኣብዚ እቲ ንመንጸጊ ዝጥቀሙሉ ቃጸሎ በርበረ ትም ኢሉ ተራ ከይመስለና። እንታይ ዳኣ፦ ዓቐኑ ካብ 2 ሚልዮን ስኮቪል ክሳብ ናይ ፖሊስ እንተ ኾይኑ ድማ 5 ሚልዮን ብርታዐ ዘለዎ ቃውቃውታ በርበረ እዩ። እዚ ማለት እቲ 2 ሚልዮን ስኮቪል ጥራይ 4 ዕጽፊ ቃጸሎ ናይ እቲ መሪር ጉዕ ሃበኒሮ ሓይሊ ኣለዎ ማለት እዩ። 

ብዝኾነ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኣብ ከምዚ ኩነታት እንተ ወዲቕና ገጽናን ዓይንናን ብኢድና ክንሕዝ የብልናን። 2 ማንካ ሻሂ ዝተደፍደፈ (10 ግራም) ጨው ኣብ ሓደ ሊትሮ ማይ ሓዊስና ገጽናን ዓይንናን (መጀመርያ ግን ዓይንና ቋሕ-ሰም እናበልና) ፈላሊና ንሓጽቦ። በርበረ ናብ ክዳንና ከይወርድን ከይሓልፍን እሞ ካልእ ሰውነትና (መንኮብናን ኣፍ-ልብናን) ከየንድደናን ብሽጎማኖ እንዳ ኣንቀጽና ንደርዞ። ብድሕሪ’ዚ ኩሉ’ዚ ድማ ዓይንና ን15 ደቓይቕ ማይ ጌርና ክሳብ ቃንዛ ዝገድፈና ንሓጽቦ። ክዳንና ብከሚካል (በርበረ) ስለ ዝተበከለ እንተ ኣውጻናዮ ዝበለጸ እዩ መሊሱ ከየንድደና መታን። ድሕሪኡ ቃንዛና ምስ ሃደአ፡ ገጽና ማይን ሳምናን ጌርና ንሓጽቦ። ብድሕሪዚ ኩሉዚ ድማ እቲ ዝተጠከምካሉ ሽጎማኖን ክዳውንትኻን ብጥንቃቐ ኣሊና ንበይኑ ብኦሞ ጌርና ንሓጽቦ። 

ኣብ መእወዳእታ ንምጥቕላል፡ ጕዕ በርበረ ከከም ዓይነቱ እንተ ብድልኽ ኣዋዘ፣ እንተ ብምብጥሚጣ፣ እንተ ብሹትኒ፣ እንተ ብሰናፍጭ ድዩ ወይስ ምስ ጸብሕን ሽሮን ካልእን ተሓዊሱ፡ ኣብ ዕለተ መግብና ዳርጋ መዓልታዊ ዘይንፈልዮ መቃመሚ ዓይነት መግቢ እዩ። ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ንጕዕ ብኣብ ክሽነ ብዘለዎ ኣገዳስነት ወይ ቀዳማይ ወይ ካልኣይ ይሰርዕዎ። ካልኣይ እንተ’ዳኣ ኾይኑ፡ ወይ ድሕሪ ጨው’ዩ፡ ወይ ድሕሪ ጻዕዳ-ሽጕርቲ’ዩ፡ ወይ ድሕሪ ህሩድ’ዩ ወይ ድማ ድሕሪ ዝንጅብል’ዩ ክስራዕ። ብጥረኡ ምጉዕማጭ ድዩ ዋላ ብኻልእ መልክዑ ኩሉ ህዝቢ ከከም ባህሉን ባህጉን ድማ ከሺኑ ይቕርቦ። ኣብ ሃገርና መሪር ክንፈቱ እንከለና፡ ገሊኡ ፍኹስ ክብለሉ ይደሊ። ወረገይ’ሲ ኣብ ኣሜሪካስ ዋላ ምስ ሽኮር’ውን ሓዊሶም ወይ ከሺኖም’ውን ይቕርብዎም እዮም። “ስለ’ምንታይ?” ቢልካ ምስ ትሓቶም “እቲ ምስ’ቲ ተቐባቢሉ ክወሃሃድን ክዛነቕን ምእንቲ” ይብሉኻ። ካብ ንሶስን (sauce) ሳልሳን ኣትሒዝካ ክሳብ ንማርሜላታ ካልእን ከይተረፈ እዩ ዝስራሕ። ኣብ መጨርሻ፡ ጉዕ በርበረ ብኣፍ ጥራይ ዝብላዕ  ፍረ ኣይኮነን። ንኻልእ ነገራት’ውን ከም ቅብኣ/ዝልከ መድሃኒት፣ ንነብሰኽ ንምክልኻል ካብ ተጻይ፡ ንፈውሲ ሰዓል፡ ኣዝማ፡ ቍስሊን ሕማም ኩሩምቲን ዝኣመሰለ’ውን ዘገልግል ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍርያት እዩ። 

ዎ’ዳሓንኩም
ኢብሂም ዓ. ዓሊ

ማህደረ-ቓላት

ዕሲ – ዕሲ ወይ fungus/fungi ሂወታውያን ኮይኖም ንቃንጥሻ፣ መዅባዕቲ ለቢቶን ዋላ’ውን ነዚ ኣብ እንጌራ/ሕብስቲ እንሪኦ ዕሳወ ወይ ምስያሕ የጠቓልሉ።

ምስያሕ፡ ምስባብ ወይ ዕሳወ እንጀራ ካብ ጠሊ ወይ ራሕሲ/ራህዲ ይፍጠር። ዕሲ ልክዕ ከም ተኽሊን እንስሳን ሂወታውያን ኮይኖም ግን እቲ ምድቦም ንበይኑ’ዩ ወይ ምስ ኣትክልትን እንስሳታትን ኣይምዶቡን እዮም። ኣብ ማያት፡ ሃፋ ወይ ጠሊታት ዝርከቦ ቦታታት ከም ዝበስበሰ ዕንጨይቲ፣ ኣቝጽልቲ፣ ቀላያት (ሰበባ ማይ)፣ ሽንቲ-ቤት፣ ዝተረስዐ ወይኒ ፍረ፣ ሕብስቲ፣ ጣይታ፣ ኣብ ሰውነትና ወይ ኣጻብዕቲ እግርና ወዘተ ዓስዒሶም ይበቝሉ። ብሓጺሩ ተፈጥሮ ዕሲ ንብዙሕ እዩ ዘካትት። ካብ እቲ ካብ ኩሉ ሂወታውያን ፍጡራት ዝገዘፈ ናይ ዓለምና ፍጥረት ዕሲ (9 ትርብዒት ኪ.ሜ. ዝስፍሓቱ) ጀሚርካ ክሳብ እቶም ደቀቕቲ ብዓይኒ ዘይረኣዩ (microscopic) ዕሲ፡ ካብ ኣብ ትሕቲ መሬት ምስ ሰራውር ኣግራብ ወዘተ ዝላሓጉ ክሳብ ልዕሊ መሬት ዋላ’ውን ኣብ ኣየር ንፋስ ከይተረፈ ዝርከቡ የጠቓልል። ኣፋጥርኦም ብኣሃዱ-ዋህዮ ከም ለቢቶ ወይ’ውን ብብዙሕ-ዋህዮ ከም ቃንጥሻ ክኸውን ይኽእል። ይኹን እምበሪ፡ ዕሲ ዋላ’ኳ ናቶም ምድባዊ ንግስነት (kingdom) እኳ እንተ ሃለዎም፡ ካብ ምስ ኣትክልቲ ግን ምስ እንስሳታት (ሰብ’ውን ሓዊስካ) ብዝያዳ ይቀራረቡ ወይ የዘዙዉ ምኽንያቱ ከም እንስሳ (ሰብ ደሚርካ) መግቦም ካብ ግዳም መንዚዖም ይምገቡ፡ ኣትክልቲ ግን ብጸሓይ ኣቢሎም ነብሶም ባዕሎም ብዝፈጠርዎ መግቢ ይምገቡ።

ዋህዮ ደውሲ (cell tissue) – ሕደ ዝዓይነቶም እኩብ/ጥሙር ዋህዮታት ዘለዎ ደውሲ ኮይኑ ንናይ ሰብነትና ክፍለ-ኣካል ዘቕውም ዓንደ-ሰረት እዩ። ኣወዳድባ ዋህዮ ብኸምዚ ይኸይድ፦ ሞለክዩላት (molecules) ተኣኪቦም ንዋህዮ የቝሙ፡ ንጽል ዋህዮ ንባክተርያ ወይ ንዕሲ (ኣብነት ለቢቶ) ይፈጥር፣ እኩብ ዋህዮታት ዋህዮ-ደውሲ ይፈጥር፣ እኩብ ደውሲታት ተኣኪቡ ክፋላት ወይ ኣካላት (ልቢ፣ ሳንቡእ፣ ጸላም ከብዲ፣ ፍሕኛ ወዘተ) ይፈጥር፣ እኩብ ኣካላት ተኣኪቡ ስርዓተ ኣካላት (ስርዓተ ጭዋዳ፣ ስርዓተ መትኒ/ነርቭ ወዘተ) ይፈጥር፣ እኩብ ስርዓተ ኣካላታት ተኣኪቡ ሂወታውያን (እንስሳ/ሰብ፣ ተኽሊ፣ ዕሲ) ይፈጥር። ህይወት ዘለዎ ዘቡኡ ጥራይ እዩ ብዋህዮ ዝቐውም። ሞለኪዩላት ግን ኣብ ኩሉ ኣብ ህይወታውያን ይኹን ዋላ ኣብ ዘይህይወታውያን (እምኒ፣ ማይ፣ ሓዊ፣ መጽሓፍ፣ ጠረጴዛ፣ ወዘተረፈ…) ይርከብ።

መወከሲ ምንጪታት

Angelicadlr, CC BY-SA 3.0 https://commons.wikimedia.org/wiki/File:Salmon_Sushi_and_Sashimi_Platter_-_W_Sushi.jpg
Grueslayer, CC BY-SA 4.0 https://commons.wikimedia.org/wiki/File:FOOD_Trinidad_Scorpion_Pepper_Sauce.jpg
Lotus Head from Johannesburg, Gauteng, South Africa, CC BY-SA 3.0 https://commons.wikimedia.org/wiki/File:Chilis-2.jpg
Oliver Propst, CC BY-SA 3.0 https://commons.wikimedia.org/wiki/File:Hot_Sauce_Selection_At_La_Whole_Food_Store_%2884224397%29.jpeg
https://birdhousechillies.com/2019/03/12/capsaicin-and-capsaicinoids/
https://courses.lumenlearning.com/wm-biology1/chapter/reading-levels-of-organization-of-living-things/
https://ethiopianfood.wordpress.com/2015/06/01/berbere-mitmita-liking-it-hot/
https://www.frontlinewellness.org/guidelines-for-treating-pepperspraychemical-irritants
https://www.health.com/food/dangers-eating-hot-peppers
https://www.healthline.com/nutrition/eating-raw-meat
https://inmamamaggieskitchen.com/scoville-scale-how-hot-is-that-pepper/
https://www.kobeteppanyaki.com.au/blog/why-do-japanese-eat-uncooked-meat/#:~:text=Have%20you%20ever%20wondered%20why,a%20lot%20of%20raw%20food.
https://www.poison.org/articles/how-dangerous-is-pepper-spray-201
https://www.snexplores.org/article/cool-science-hot-peppers
https://www.thehomesecuritysuperstore.com/blogs/the-home-security-superstore-blog/pepper-spray-facts-you-didn-t-know
https://www.usu.edu/herbarium/education/fun-facts-about-fungi/what-are-fungi
https://en.wikipedia.org/wiki/Chili_pepper
https://en.wikipedia.org/wiki/Berbere
https://en.wikipedia.org/wiki/Peri-peri
https://en.wikipedia.org/wiki/Endorphins
https://en.wikipedia.org/wiki/Pepper_spray
https://www.worldatlas.com/articles/the-world-s-top-chili-pepper-producing-countries.html
https://www.youtube.com/watch?v=MGob6ceaL_k
https://www.youtube.com/watch?v=yZgP0fAko30&ab_channel=TodayIFoundOut
https://www.youtube.com/watch?v=_hx1Xakj-Vg&ab_channel=ViralPress