ኤለክትሮኒካዊ ስነዳ

ወዲ ሰብ ብሓፈሻ ኣብ ግስጋሴኡ ብዝተፈላለየ ደረጃታት ሰጊሩ ክንብል ንኽእል። ንሳቶም ድማ እቲ ቀዳማይ ቋንቋ ምዝራቡን ብቛንቋ ተሞርኪሱ’ውን ሓሳብ ንሓሳብ ነንሕድሕዱ ምርድዳኡን፡ በቲ ቋንቋ ዝመለኸ ሓንጎሉ ተጠቂሙ ድማ ምግንዛቡን ምስላሳሉን። እቲ ካልኣይ ነዚ ብመገዲ ሳንብኡ ዘመንጨዎ ትንፋሳት ጌሩ ዘፍልቖ ድምጺታት ናብ ቃላት ኣጸንቢሩ ሓሳቡ ኣላቢሱ፡ ብሓደ ንዕዑ ዘዕቁር ባእታ ጌሩ ባህሉ፣ ልምድታቱ ያታታቱ፣ ወግዕታቱ፣ ፈጠራዊ ስራሓታቱን ምህዞታቱን፣ ታሪኹን ፍጽሚታቱን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ምትሕልላፉ። ኣብዚ መድረኽ እቲ ፈለማ መዕቆሪ ኣፍኣዊ ስለ ዝነበረ ንምዝካር ንኽጥዕም ቢሉ ብግጥሚ፣ ሕደማ፣ ማሰ፣ ታሪኽ፣ ጽውጽዋይ ወዘተ ብምግባር ብሂላቱ የመሓላልፍ ነበረ። ምስ ግዜ ግን ካብ ኣፍኣዊ ናብቲ ካልኣይ ሓሳቡ መዕቆሪን መኽዘኒ ዝኾነ ደረጃ ጽሑፋት ወይ ናብ ናይ ምምዝጋብን ምድብታርን መድረኽ ተሰጋገረ። ኣብዚ እግረ መገድና ክንጠቕሶ እነኽእል ጽሑፍ ብኣፍ ንዝዝረብ ወይ ንዝንገር ጥራይ ዘይኮነ፡ ክኔው እዚ እውን ንዜማን ደርፊን (ቅድሚ ዘመናዊ ኤለክትሮኒካዊ ምቕራጽ ናይ ደርፍታት ምፍጣሩ) ነቲ ኣዕኑዳት ዜማ ወይ ቃናታት ብትእምርታዊ ፊደላት ወይ ምልክታት ቃና (musical notation) ተጠቂሙ ከም ዝስነዱን ንመጻኢ ወለዶ ተዓቚሮም ከም ዝጸንሑን ጌሩ እዩ።

ሰብ ጽሕፈት ስለ ዝመሃዘ በብቝሩብ ናብራ ሂወቱ ኣብ ጽሑፍ ከስፍርን ብጽሑፍ ከመሓላልፍን ጀመረ። ኣብቲ መጀመርያ ከም ዝበሃል ሱመራውያ (ኣብ ዒራቕ) ኣብ መሬት-ጥዑም ወይ ልምሉም ዘይደረቐ ካይላዊ ጽላት (ጥንታዊ ደብተር) ውሻል ዝቕርጹ ምልክታት ኣብቲ ጭቃ ብበሊሕ ሻምብቆ ሓናጢጦም መዝገቦም የመሓላልፉ ነበሩ። ምስ ግዜ ግን ጽሑፍ ማዕቢሉ ኣብቲ ፋልማይ ግብጻውያን ኣብ ጳጳሮስ (ንወረቐት ዝኸውን ተኽሊ)፡ ስዒቡ ድማ ናብ ብራና ወይ ቆርበት እንስሳ ጌርካ ጽሕፈት ምምዝጋብ ተሳገረ። መጽሓፍ ከምዚ ሕጂ እንፈልጦ ተጠሪዙን አብ ማእከሉ ተሰፍዩን ተገንጺሉን ዝርአ ዘይኮነ ዝነበረ፡ እንታይ ደኣ፡ ከም ተንኮበት ብኽልቲኡ ጫፋቱ ዝጥቕለል ነበረ። እዚ ግን ምስ ግዜ ካብ ዝጥቕለል/ዝዝርጋሕ መጽሓፍ ናብ ናይ ሎሚ እንሪኦ ዝግንጸል መጽሓፍ ማዕበለ። ወረቐት’ውን ቻይናውያን ብወገኖም ስለ ዝመሃዙ፡ ወዲ ሰብ ወረቐት ንመደብተሪ ክጥቀመሉ ጀመረ።

ይኹን እምበሪ ነዚ ኹሉ ብኢዱ ይጽሕፎ ነበረ። ብልሒ ሻምብቆ፡ ብልሒ ቃንጫ፡ ክንቲት፡ ብራሽ (brush)፡ ብረታዊ ብርዒን ርስሳን አብ ገጊዚኡ እንዳ ማዕበለ ምስ ከደ፡ ነዚ ሰብ ቀንዲ መጽሓፊ መሳሪሑኡ ጌሩዎም ንነዊሕ እዋን ተጠቀመሎም። ግብጻውያን ቅድሚ ኣስታት 5000 ዓመታት ኣቢሉ ቀለም ብፈሓም፣ በለቕን ዕንዲዳን ሓዋዊሶም ስለ ዝመሃዙ፡ ብርዒ ሻምብቆኦም ኣብ ቀለም ጠሚዖም መዝገብ ጽሑፋቶም የካይዱ ነበሩ። እቲ ስራሕ ምጽሓፍን ዝተጻሕፈ ምግልባጥን (ምቕዳሕን) ግን ኣዝዩ ከቢድን ኣህላኽን ስራሕ ወይ ኢደ-ጽሑፋት (manuscripts) ስለ ዝነበረ፡ ዓመታት ይወስድን ብንዕኡ ብዝተመደቡ ከተብቲ (scribes) ጥራይ’ውን ይዕመም ነበረ። በዚ ምኽንያት’ዚ መጽሓፍ ኣዝዩ ክቡርን ማንም ሰብ ዘይረኽቦን ዝተወሰኑ ትካላት ሃይማኖት፣ መንግስቲን ርኹባት ሰባትን ጥራይ ዝጥቀሙሉ ነገር ነበረ።

ምስ ግዜ ግን ቻይናውያን ኣብ ዕንጨይቲ ቅርጺ ፊደላቶም ጸሪቦምን ወቒሮምን መመሊሱ ብቐለም ተጠሚዑ ብስታምባ ክሓትም ዝኽእል ቅርጺታት ስለ ዝመሃዙ ቍሩብ ግስጋሰ መጸ። ጸኒሖም’ውን ነቲ ተወቒሩን ተቐሪጹን ዝተፈጥረ ፊደላት ከም ሓድሽ ተገላቢጡ ዝስራዕን ዝእረን እሞ ድማ ዳግማይ ብዝተሰርዐ ፊደላት ካልእ ቃላት ክጽሕፉሉ ስለ ዝጀመሩ፡ ዓቢ ለውጢ ኣብ ኣታሓትማ ጽሑፍ ኣምጽአ። እንተኾነ ናብዚ ዘመናዊ ኣብዚሕካ ናይ ምሕታም ስራሕ ዘእተወ ግን፡ እቲ ብ1440 ዓ/ም ብዮሃንስ ጉተንበርግ ዝተማህዘ መኪና ሕትመት ነበረ። ጀርመናዊ ጉተንበርግ ነዚ ናይ ቻይናውያን ፊደላት ዳግም ሰራሪዕካ ቃላት ናይ ምሕታም ሓሳብ ተጠቂሙ ተር ኣቢሉ፡ ኣብዚሑ ኣብ ወረቐት ጸቒጡ ዝሓትም መኪና መሃዘ። እቲ ሓሳብ መጽቀጢ መኪና ድማ ካብ ናይ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ወይኒ ንምጽሟቕ ኢሎም ዝሰርሕሉ ዝነበሩ ናይ መድሃኺ መኪና ኣምር ተጠቂሙ ኣብ ሕትመት መኪና ኣውዓሎ። እዚ ኣብዚሕካ ንምሕታምን መጻሕፍቲ ብዝቐለለን ዝሓሰረን መገዲ ንኽዝርጋሕን ኣኽኣለ።

ጉተንበርግ ዝመሃዞ መሕተሚ መኪና – ጠዊኻ ብጽቕጠት ይሰርሕ።
Image from from letterpress via Free Images

እዚ ናይ ጉተንበርግ ሰውራን ኣገባብን ሕትመት ንልዕሊ 500 ዓመታት ከደ። ምዕራባውያን ሓደ ካብቲ ከም ምስጢር ምዕባሌኦም ጌሮም ዝጠቕስዎ ድማ እዚ ናይ ሕትመት ምብዛሕን ብኡ ኣቢሉ ፍልጠትን ንቕሓትን (enlightenment) ኣብ ኩሉ ኤውሮጳ ዝሰሰነ ብመጻሕፍቲ ምዝርጋሕ ከም ዝኾነ ይነግሩ። ይኹን እምበሪ ግስጋሰን ለውጢን ወዲ ሰብ ቀጻሊ ስለ ዝኾነ ምስ ምምሃዝን ምምጻእን ኮምፕዩተራት ሰብ ጽሑፋቱ ብመገዲ ኤለክትሪንካዊ ጽሕፋት ክኸውን ጀመረ። ስለዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ጽሑፋት ኣብ ኮምፕዩተራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኢድካ ብዝተሓዝ ኤለክትሮኒካዊ መጽሓፍ ነባቢ (e-reader)፣ ኣብ ሰለፎኑን ኣብ ጽላትን (tablet) ጌሩ ኣብኡ ብዝኣቱ ኤለክትሮኒካዊ መጽሓፍ (e-book) ተጠቂሙ ምስናድ፣ ምጽሓፍን ምንባብን ሰሲኑ ይርከብ። እዚ ጥራይ ከይኣክል ነቲ ናይ ቀደም ዝጸንሐ ጽሑፋት’ውን ዲጂታይዝ ክገብር ኣብ መላእ ዓለም ስብ ላዕሊን ታሕትን ይብል ኣሎ። እዚ ዘለናዮ ናይ ዲጂታይዘሽንን ሓበሬታን መድረኽ ዓቢ ሰውራ ናይ ኩሉ ዘጠቓለለ ስነዳ – ከም ጽሑፍ፣ ስእሊ፣ ቪድዮን ድምጺን ዘካተተ – ክንብሎ ንኽእል።

ስለዚ፡ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ‘ንሕና ኤርትራውያን’ከ እንታይ እዩ እጃምና፧’ ኢልና ምሕታት ባህርያውን ኣገዳሲን ይኸውን። ቪድዮታትን ፊልምታትን እንተ ንጽቡቕ፡ እንተ ንሕማቕ ክስስን ንሪኦ ኣለና። እንተ እቲ ምድብታርን ሓድሽ ጽሑፋት ምፍላቕን ነቲ ዝነበረ ናይ ቀደም ጽሑፋት’ውን ምዕቃብን እንተ ኾይኑ ግን ገና ኣብ ኣዝዩ ድሩት ደረጃ እዩ ዘሎ። 50 ዓመታትን ልዕሊኡን ዝገበረን ቍራቦ መጻሕፍቲ ካብ ዝስወረና ነዊሕ እዋን ኮይኑ’ሎ። ስለዚ ከም ሰብና ጽሑፋትና ክስነድን ከይጠፍእን አእጃምና እነበርክተሉ መድረኽ በጺሑ ኣሎ።

ስለዚ በብዘለናዮ በብዓቕምና ኣረግቶት መጻሕፍትናን ደብተራትናን ካብ ጥፍኣትን ብርሰትን ንኸነድሕን ንቃለስ። ዎ’ደሓንኩም! – Ibራሂም ዓ. ዓli

ባጤራታትን ታሪኹን

ቀደም ዘበን ባጤራ ወይ ገንዘብ ከም ሎሚ ብቐልጢፉ ዝኣርግ ተቐዳዲ ወረቐት ዘይኮነ ብናይ ገዛእ ነብሱ ክብሪ ብዘለዎ ማዕድናዊ ብረት ከም ሰልዲ ብሩር ወይ ሰልዲ ወርቂ ኢዩ ኔሩ እቲ ቅቡል ንዕድጊ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ መብዛሕቱ ቦታታት እቲ ሰልዲ ካበይ ሃገር መጺኡ ብዘየገድስ ክብሪ ማዕድናዊ ትሕዝቶኡን እቲ ሰልዲ ኣብ ዕዳጋ ወሪድካ ብዘይ ገለ ጸገም የሸምትካን ኣየሽምተካን ኢዩ ኔሩ እቲ ወሳኒ ረቛሒ። ጥረ ገንዘብ ማለት ካኣ ምስ ዕዳጋን ንግድን ካብ ሓደ ኢድ ናብ ካልእ ኢድ ምዝውዋርን ናብ ኩሉ ምብጻሕን ስለዝኾነ ምስ ግዜን ምስ ምዕማር ንግድን ብዙሓት ሓጺናዊ ሰላዲ ካብቲ ዝመንጨዉሉ ሃገር ወጺኦም ናብ ካልእ ክፍልታት ዓለማት ተዘርጕሑ።

ወዲ-ሰብ ኣብቲ ፋልማይ ብዛዕባ ገንዘብ ወይ ኣምርን መረዳእታን መለዋወጢ ገንዘብ ከይነበሮ እንከሎ ኣብ ጥንቲ ዘበን፡ ብዙሕ ራሕቂ ከይከደ ኣብ ነንርእሱ ብበደላ (ኣቕሓ ወይ ጥሪት ምስ ጥሪት) እንዳተለዋወጠ እዩ ዝነብር ኔሩ። ስለዚ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ እንስሳታ ከም ከብቲ፡ ኣባጊዕ፡ ኣጣል፡ኣግማል፡ ወዘተ ምስ ካልእ ንሱ ዘይብሉ ግን ዝደልዮ እንስሳ ወይ እኽሊ ብጥረ (ወይ

ንግዲ ብበደላ

ዘይተራቐቐ መገዲ) እንዳተለዋወጠ እዩ ዝነብር ኔሩ። ምስ ምምዕባልን ምምቕራሕ ስራሕን ከምኡ’ዉን ናብ ነዊሕ ቦታት ምጕዓዝን ምንቅስቓስን ግን፡ ካልእ ክቡር ኮይኑ ብቐሊሉ ክርከብ ዘይካል ክለዋወጠሉ ዝኽእል ነገር፡ ግን ካኣ ከቢድ ዘይኮን ከም ማእከላዊ መዋገዪ’ውን ኮይኑ ዘገልግል ነገር ክጥቀም ጀመረ።ስለዚ ኵሉ ክብረት ኣለዎ ዝበሃል ነገራት ከም ዕንቊ፣ ዛዕጎል፣ ፋጋ-ባሕሪ (seashell – ድርዒ እንስሳ ባሕሪ)፣ ጨው፣ ሓጺን-መጺን፣ ሕጡበ-ብረት፣ ንዋት መሳርሒ፣ ነሃሲ፣ ወርቂ፣ ብሩር፣ ሩዝ፣ ሸውዓተ

ንግዲ ብዛዕጎል (ዛዕጎል ከም ባጤራ)
ፋጋ-ባሕሪ – ዛዕጎል፣ ቡብ፣ ወዘተ ባጤራ ኮይኑ ንዕድጊ ይሰርሕ

ቀመማት፣ ዓበይቲ አእማን፣ ቁልፊ/ምራን፣ ዓሳ፣ ፍረ፣ ወዘተረፈ ይጥቀም ነበረን፡ ኣብ ገሊኡ ቦታታት’ውን (ንኣብነት ኣብ ቤት ማሕቡስ ሽጋራ) ክሳብ ሕጂ’ውን ይጥቀም ኣሎን።

ድሕሪ ግዜ ግን እዚ ሕጂ እንፈልጦ ሰልዲ ባጤራ መሃዘ። ታሪኽ ወይ ታሪኻዊ ሂሮዶተስ ባዕሉ ከም ዝብሎ እቲ ናይ መጀመርያ ወይ ፋልማይ ሓጺናዊ ሰልዲ ብ600 ቅ.ል.ኣ. (ቅድሚ ከባቢ 2600 ዓመታት) እዩ ኣብ ሊድያ ወይ ሉድ (ናይ ሕጂ ምዕራብ ኣነቶልያ – ቱርኪ) ተጀሚሩ። እቲ ኣብ ወጸቓ (anvil) ብሞደሻ ተወቒዑ ዝቝረጽ ዝነበረ ሰልዲ ቆርቆሮ (ሕዋስ ወይ alloy) ወርቅን ብሩርና (electrum) ኮይኑ ዝዝርጋሕ ዝነበረ እዩ። እዚ ሰልዲ’ዚ ታሪኻውያን ሰባት ከም ዝብልዎ ዋግኡ ካብ ደሞዝ 1 ወርሒ ንሓደ ሰብ

ናይ ዓለም ፋልማይ ሰልዲ ሊድያ (ሉድ)

ክሳብ ካብኡ ንላዕሊ ክግመት ዝከኣል ገለ ን11 ኣባጊዕ ከግዝእ ዝኽእል ዋጋ ከም ዝነበሮ ይነግሩ። ምስ ግዜ ድማ ሃገረ ሊድያ ማእከል መተሓላለፊ ፐርሽያን/ሜሶፓታምያን ኤውሮጳዊ ግሪኽን ብምንባሩ ካብ ቦትኡ ወጽዩ ናብ ግሪኽ፡ ፋርስ፣ ግዝኣተ ሮማን ካልእ ክፋላተ ዓለምን ብንግድን ዕዳጋን መግዛእትን እውን ኣስፋሕፍሐ።ኣብቲ ፋልማይ ምስሊ እንስሳታት ከም ርእሲ ኣንበሳን ርእሲ ዝራብዕን ዝነበሮ ኮይኑ፡ ኣብ ዳሕራይ ግን ግሪኻውያን ነቶም ናቶም ምስሊታት ኣማልኽትን ጣኦታትን ጌሮም ይቖርጽዎ ነበሩ። እቶም ናይ መጀመርያ ምስሊ ሰብ ወይ ንጉስ (መንትግ-ክራማን ፍላጻን ሒዙ ዝተቖረጸ) ዝገበሩ ግን ፐርሻውያን ኣብ ግዜ ፐርሽያዊ ግዝኣተ ኣርከመኒድ ኮይኖም ንመጀመርያ ግዜ ዘይተሓወሰ ወይ ዘይተበረዘ ሙሉእ ወርቂ ሰልዲ ‘ዳሪክ’ (ካብ ንጉስ

ናይ ግዝኣተ ኣርከመኒድ ፐርሽያዊ ‘ዳሪክ’ ወርቂ ሰልዲ
ናይ ግዝኣተ ኣርከመኒድ ፐርሽያዊ ‘ሲግሎ’ ብሩር ሰልዲ

ዳርየስ ዝመጸ ስም) ዝበሃል 8.4 ግራም ከምኡ’ውን ሰልዲ ‘ሲግሎ’ ሙሉእ ብሩር ዝሓዘ ኣብ 5ይ ዘመን ቅ.ል.ኣ. (ቅድሚ 2550 ዓመታት) ሓቲሞም ዘርግሑ። ዳሪክ መዐቀኒ ሚዛኑ ባቢሎናዊ ሸከል (መበቆል ሕጂ ኣብ እስራኤል ካብ 24 ለካቲት 1980 ዓ/ም ጀሚሩ ዝጥቆሙሉ ዘለዉ ገንዘብ) እዩ ኔሩ። በቲ ሽዑ ሸከል ማለት ገንዘብ ዘይኮነ ሚዛን ክብደት ወይ ብዓረብ ‘ሰቕል’ (ثقل) እዩ። ሓደ ዳሪክ ድማ ናይ ሓደ ዕሱብ ዓቀይታይ ወይ ወተሃደር ናይ ሓደ ወርሒ ደሞዝ ድማ ነበረ። ሓደ ዳሪክ (ብመንጽር ብሩራዊ ሲግሎ) 20 ሲግሎ ይሽረፍ ነበረ። ዳሪክ ዋላ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ተጠቒሱ ይርከብ እዩ። (ንኣብነት ኣብ 1ይ ዜና መዋዕል፡ፍቕዲ 29፣ እዝራ 2፡ፍቕዲ 69፣ ነህምያ 7፡ ፍቕዲ 72ን ርአ።)

እዚ ናይ ሰልዲ ምስ ንግዲ ምዝርጋሕ ንዓና እውን ምትእትታው ሰልዲ ካልኦት ሃገራትን ናቱ ሳዕቤን ድማ ክሳብ ሕጂ ብዘይፍላጥ እንጥቀሞሉ ኣስማት ወይ መጸውዒ ቃል ናይቲ ሰልዲ ምሳና ከም ዝተርፍ ጌሩዎ ኢዩ። ንኣብነት ስም ገንዘብ ‘ቅርሺ’ እንተሪኢና እቲ ቃል ከም ኩሉ ንግዲ ብዓረብ ጌሩ ዝኣተወና ኢዩ። ቒርሽ/ጊርሽ/ቑሩሽ/ጉሩሽ (قرش) ሰልዲ 20 ኣፍ ወይ 1/20 ናይ ሱዑዲ ርያል ኢዩ ኔሩ ቅድሚ ምግዳፎም። ደሓር ናብ ሃላላ ዝበሃል ሰልዲ (1/100 ናይ ርያል) ብ1963 ዓ/ም ሰጊሮም። እቶም ናይ ቒርሽ ቀንዲ ተጠቀምቲ ዝነበሩ ግን ዑስማናውያን (እምበራጦርያ ቱርኪ) ኮይኖም ንሶም’ውን ካብ ፈረንሳ ‘ግሮስ’ gros (ትርጉሙ ከቢድ) ዝብል ቃል ዝወሰድዎ ኢዩ። ይኹን እምበር ፈረንሳ እውን ካብ ጣልያን denaro grosso (ገዚፍ ዲናር – ‘ዴናሮ’ ናይ ጥንታዊት ሮማ ብሩር ሰልዲ ኢዩ) ዝብል ሓረግ ዝተለቅሕዎ ኢዩ።

1 ቒርሽ ወይ ቅርሺ ናይ ዮርዳኖስ

ካብዚ ተላዒሉ ደሓር ፈረንሳውያን ነቲ ናቶም ብሩራዊ ሰልዲ መጸውዒ ስም ወይ ኣሃዱ ገበሩዎ። ጀርመን’ውን ‘ግሮሽን’ groschen ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩን ብኡ ዝስመ ናቶም ብሩራዊ ሰልዲ’ውን ነበሮም። ቀጺሎም ቱርኪ ምስ ፈራረሱ ድማ ነቲ ስም ኣዕራብ፣ ሱዳንን ግብጽን ቀጸሉዎ። ንኣብነት፦ ናይ ግብጺ ባጤራ ስም ጊነ ወይ ፓውንድ ኮይኑ 1 ቂርሽ ድማ ሓደ ሳንቲም ኢዩ።ስለዚ 1 ማሊም/ሚልየም ማለት 1/1000 ጊነ፣ 1 ቒርሽ (ሳንቲም) ማለት 1/100 ጊነ፣ 1 ቒርሽ (ብመንጽር ዝነኣሰ ሚልየም) ማለት ድማ 10 ሚልየም ኢዩ።

እንተ እቲ ጊነ ዝብል ስም ባጤራ ግን ካብ ወርቂ ዝወጸላ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጊኒ ይወጽእ ስለዝነበረ ኢዩ ጊነ ተባሂሉ። ኩሉ ሺሊንግ፣ ፓውንድ ስተርሊንግ (1 ጊኒ) ናይ እንግሊዝ በእኡ (ብጊነ) ኢዩ ዝልካዕ ኔሩ።

ካልእ ኣሃዱ ባጤራ ናይ ስፐይን ፒያስተር (Piaster) ኢዩ። ፒያስተር ካብ piastra ብጥልያን ኮይኑ ንጠብጠብ ጽፍሒ ሓጺን ወይ ሰልዲ ናይቲ ኣብ ዓለምና ፍሉጥ ዝነበረ ሰልዲ ስፐይን 8-ሪያል (8-real silver) ንምግላጽ ዘውጽዎ ቃል ኢዩ። ሪያል (Real) ብስጳኛ ‘ንጉሳዊ’ ማለት ኢዩ። ብታሪኽ ድማ ስፐይን፣ ቱርኪ፣ ኣዕራብ፣ ፈረንሳ፣ ላቲን ኣሜሪካን ዝጥቀሙሉ ዝነበሩን ሕጂ’ውን ኣብ ገሊኡ ቦታታት ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ኢዩ። እንተኾነ ፒያስተር ዝበሃል ኣብዚ ግዜ’ዚ ዋግኡ ናብ ሳንቲም (ቒርሽ) ዝወረደ ኣሃዱ ኢዩ።

እስጳኛዊ ዝመበቈሉ ፒያስተር (50 ፒያስተር/ቕርሺ) – መስሪፉ ሊብናን (መካነ-ሸርፊ/ባንክ ሌባኖስ)

‘ፔዞ’ (peso ትርጉሙ ክብደት) ዝብል ቃል እውን ካልኣይ መጸውዒ ስም ናይ’ዚ እስጳንያዊ 8-ሪያል (ወይ 8-piece) ኢዩ። ሰልዲ 8-ሪያል ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ካብ 15 ክሳብ 19 ክ/ዘመን ተቐባልነትን ዓብላልነትን ነበሮን ናይ መጀምርያ ኣህጉራዊ ባጤራ ናይ ዓለምና’ውን ነበረ። ምኽንያት ናይ’ዚ ድማ እምበራጦርያዊት ስፐይን ሓያለ ማዕድናት ናይ ብሩርን ወርቅን ኣብ ሜክሲኮን ደቡብ ኣሜሪካን ስለዝረኸበት፡ ብዙሕ ሰላዲ ብሩር ተመንጩ ስለዝነበረት ኢዩ። ኣሜሪካ ከይተረፉ ንእስጳንያዊ 8-piece ወይ ሪያል ከም መለዋወጢ ባጤራ/ሰልዲ ክሳብ 1857 ዓ/ም ተጠቂሞሙሉ ኢዮም። እቲ ዳለር (dollar) ዝብል ቃል ዝጸንሐ ኮይኑ ካብ ጀርመናዊ ታለር taler/thaler ዝመጸ ኢዩ። ስለዚ ኣሜሪካውያን ገና ዶላር ናቶም ከይፈጠሩ እንከለዉ ዳለር ዝብል ቃል ንናይ ስፐይን ሪያል መጸውዒ ይጥቀሙሉ ነበሩ። ዋላ ነቲ ደሓር ዘወጽእዎ ናቶም ብሩራዊን ነሃሲን ሸርፊ ዶላር ከይተረፉ’ውን ብ 8-ሪያል ይልክዕዎ ነበሩ።

እስጳኛዊ 8-ሪያል ሰልዲ – እቲ የማን-ጸጋም ዘሎ ክልተ ኣዕኑድ ‘ኣዕኑድ ሄርክዩሊስ’ ዝብልዎ ኣርማ ናይ ስፐይን ኢዩ – ገለ ሰባት ናይ ኣሜሪካ ዶላር ምልክት ($) ካብዚ ኣዕኑድ ዝተወስደ ኢዩ ይብሉ።

ቀዳማይ ገጽ ካብ ላቲን ትርጕሙ፦ ፈርናንዶ 6ይ ኣብ ትሕቲ ጸጋ ኣምላኽ ናይ እስጳኛን ኢንዲዝን ንጉስ።

ዳሕራይ ገጽ ትርጕሙ፦ ክልቲኡ (ዓለማት) ከም ሓደ (ኣብ ሓደ ግዝኣት እስጳኛ)። ኣብ ኣዕኑድ ተጻሒፉ ዘሎ ጭርሖ (PLUS VLTR) ትርጕሙ፦ ክንየው ስግር ኣዕኑድ ናይ ሄርክዩሊስ – ወይ ዝያዳ ምስፍሕፋሕ እስጳኛዊ እምበራጠርያዊ ግዝኣት

እዚ ናይ ስፐይን ሪያል ኣብ ኤሽያን ማእከላይ ምብራቕን’ውን ካብ ቀደም ብንግዲ ኣስፋሕፊሑን ይዝውተርን ስለዝነበረ፡ ብሰንኪ ናይዚ ጽልዋ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ሱዕድያ፣ ቐጠር፣ ኢራን ወዘተ ባጤራ ‘ሪያል’ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ናይ ዓረብ ኤሚረት ብሩራዊ ሰልዲ ዲርሃም (درهم‎) እውን መበቆሉ ካብ ጥንታዊት ግሪኽ/ጽርኢ ብሩር ሰልዲ ድራኽሚ (drachma ቃል ብቓል ትርጉሙ ‘ዕታሮ’) ኮይኑ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ዝርጋሐ ዝነበሮ ኢዩ።

ካልእ ኣብ ሃገርና ዝዝውተር ዝነበረ ‘ታዕሪፋ’ (5 ሳንቲም) ዝብል ቃል እውን መበቆሉ ካብ ዓረብ ዓረፈ ወይ ፈለጠ፣ ታዕሪፋ (تعريفة) ድማ ሓበሬታ ጸብጻብ ወይ ሪፖርት ኮይኑ እዚ ቓል ዋላ ጣልያን’ውን (tariffa ትርጉሙ ‘ዋጋ’) ተለቂሖም ይጥቀሙሉ ኢዮም። ናይ ኢንግሊዝ ቃል tariff (ኣታዊ ግብሪ ሃገር) እውን ካብዚ ናይ ዓረብ ቃል ዝተወርሰ ኢዩ። ግን ጣልያን እቲ ቐደም ኣብ ሃገሮም ታሪፋ tariffa ክብሉ እንከለዉ fare (ዋጋ ክፍሊት) ኮይኑ ነቲ ናይ መጎዓዝያ ዝኽፈል ሓጻውንቲ (transit tokens) ንምግላጽ ኢዮም ዝገልጹሉ ኔሮም። እቲ ቓል ምናልባት ምስ ምእታው ጣልያን ዝኣተወና ክኸውን ይኽእል።

ብቑዕ (ሕጋዊ) ንብዉሑድ ዋጋ/ታዕሪፋ (tariffa) ቲኬት መግዝኢ
ዳሕራይ ገጽ እቲ ሰልዲ

ሶልዶ – ሶልዲ

ናብቲ ስሙ ምስ ምትእትታው ኢጣልያ እዩ ናብ ሃገርና ኣትዩ ዝበሃል ‘ሰልዲ’ እንብሎ ሓጺናዊ ባጤራ ምስ እንርኢ ብጥልያን ንንጽል ‘ሶልዶ’ (soldo) ንብዙሕ ድማ ‘ሶልዲ’ (soldi) ኮይኑ ኣብዚ እዋን ሓፈሻዊ ኣምር ዝሓቍፍ መግለጺ ባጤራ ወይ ጥረ ገንዘብ ንምግላጽ ይጥቆሙሉ። ይኹን እምበሪ፡ መበቆል ናይ ሶልዶ እቲ ኢጣልያ ኣብ ማእከላይ መበል 12 ዘበን ኣብ ትሕተ ግዝኣት ሃጸይ ኤንሪኮ 6ይ እተውጽኦ ዝነበረት ናይ ሚላን ብሩራዊ ሰልዲ እዩ። እዚ ሰልዲ’ዚ ቀልጢፉ ብምስፍሕፋሕ ኣብ ጆኖዋ፣ ቦሎኛ፣ ቬኒስን ካልኦት ከተማታትን እንዳተሓትመ ኣብ ኩሉ ተዘርገሐን ክሳብ 19 ዘበን ድማ ከም መሽረፊ ሰልዲ ኮይኑ ጸንሐ።

ኢጣልያዊ ባጤራ ሶልዶ

እንተኾነ ሶልዶ ንባዕሉ’ውን ካብ’ቲ ኣብ ምብራቓዊ ሮማ ወይ ባይዘንትየም ግዝኣት ተሓቲሙ ዝወጽእ ዝነበረ ‘ሶሊደስ’ (solidus) ዝበሃል ጽሩይ ወርቂ ትሕዝቶ ዘለዎ ሰልዲ፡ ዝተወስደ ስም እዩ። ሶሊደስ solidus (ንብዙሕ ሶሊዳይ – solidi) ዝብል ቃል መቦቆሉ ካብ ላቲናዊ ቃል ኮይኑ፡ ቃል-ብቓል ትርጕሙ ‘ዓጺቕ’ ወይ ድሩቕ ተሪር (solid) ማለት እዩ – ብመቓን ናይ ባጤራ ክርአ እንከሎ ግን ትርጕሙ ሙሉእ-ብሙሉእ ወይ ናይ ብሓቂ ሰልዲ ወርቂ ማለት እዩ። ባጤራ ሶሊደስ ብክርስትያናዊት ግዝኣት ባይዘንትየም በቲ ናይ መጀምርያ ሃይማኖት ክርስትና ዝተቐበለ ሮማዊ ሃጸይ ኮንስታንቲን ዓብይ (Constantine) ዝወጽአ ሰልዲ እዩ። ኮንስታንቲን 1ይ (ምሉእ ስሙ፦ ፍላቭዮስ ቫለርዮስ ኣውረልዮስ ኮንስታንቲኖስ) ካብ’ቲ እንዳ’ደኸመን ብልሽውና እንዳ’ሳዕረሮን ዝኸደ ማእከል ምዕራባዊ ክፋል ግዝኣተ ሮማውያን ወይ ከተማ ሮማ ናብ እቲ ኣብ’ቲ ዳሕራይ እዋን ብስሙ ዝተጸውዐ ከተማ ባይዘንትየም ወይ ኮንስታንቲኖፖሊስ (እዚ ናይ ሕጂ ኢስታንቡል) ብ324 ዓ/ም ል.ኣ. ግዒዙ ምምሕዳር ግዝኣተ ሮማ ኣብኡ ተኸሎ’ሞ እታ ከተማ ድማ ‘ሓዳስ ሮማ’ ተባህለት። ድሒሩ ብ330 ዓ/ም ል.ኣ. ግን ንክብሪ ኮንስታንቲን ስም እቲ ከተማ ናብ ኮንስታንቲኖፕል/ኮንስታንቲኖፖሊስ Kōnstantinoupolis (ኮንስታንቲኖ+ፖሊስ ወይ ከተማ ኮንስታንቲን – ፖሊስ ብግሪኽ ቋንቋ ‘ከተማ’ እዩ) ተቐየረ።  ምስ ግዜ ግን ናብ ምዕራብን ምብራቕን ግዝኣታት (ምዕራባዊ ግዝኣት ሮማ/ምብራቓዊ ግዝኣት ሮማ) ሰፊሕ ግዝኣተ ሮማ ናብ ክልተ ተኸፋፈለ፡ እቲ ኮንስታንቲኖፖሊስ ዝማእከሉ ምብራቓዊ ክፋል ግሪኽ/ጽርኢ ድዛረብ ግዝኣተ ባይዘንታይን ኮይኑ፡ እቲ ምዕራባዊ ክፋል ግን ቋንቋኡ ላቲን ነበረ። እዚ ጥራሕ ከይኣክል ምስ ግዜ ብሃይማኖት ምስምማዕ ስለ’ዝሳኣኑ፡ እቲ ምዕራባዊ ሮማዊ ክፋል ናብ ካቶሊካዊ እምነት መስመር ክሕዝ ‘ከሎ፡ እቲ ምብራቓዊ ሮማዊ ክፋል (ባይዘንታይን) ግን ኦርቶዶክሳዊ ሃይማኖት መስመር ክርስትና ሒዙ ዓበየ።

ናይ ባይዘንቲን ሶሊደስ ወርቂ፡ 797-802 ዓ/ም

ብዝኾነ ግዝኣተ ባይዘንታይን እዚ ሶሊደስ (ካልኣይ ስም መጸዊዒኡ ‘ቤዛንት’ ወይ bezant) ዝተባህለ ገንዘቦም፡ እቲ ዝላዓለ 4.5 ግራም ወርቂ ስለ’ዝነብሮ ኣዝዩ ልዑል ተቐባልነት ኣብ ኤውሮጳ፣ ኤሽያን ሰሜን ኣፍሪቃን፡ ንከባቢ 700 ዓመታት ዝኸደ ነበሮ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ግን ሙሉእ 100% ዘይተሓወሰ ብረት ወርቂ ተጻርዩ ክፍጠር ዘይካኣል ስለ’ዝነበረ፡ እቲ ናይ ሓቂ ትሕዝቶኡ 23 ካራት ወይ እውን 96 ሚእታዊ (95.8%) ወርቂ እዩ ዝነበረ። ኣብቲ ሓጺናዊ ገንዘብ ዝተወቕረ ዝያዳ ትሕዝቶን መልእኽቲን ሰልዲ ሶሊደስ ሃይማኖት ክርስትና ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ናይ ሃጸያትን ነጋውስን ምስሊ እውን ነበሮ። ግዝኣት ባይዘንታይን ንከባቢ 1000 ዓመታት ኣብ ምሉእ ኤውሮጳ እታ ዝሃብተመት ምብራቕ ሮማ ተባሂላ እትጽዋዕ ግዝኣት ነበረት።ከተማ ኮንስታንቲኖፕል’ውን ማእከል ናይ ኦርቶዶክሳዊ ስልጣነን ማእከል ጵጵስናን ኦርቶዶክሳዊ ሃይማኖትን ነበረት። ባይዝንታይን ብንግዲን ብጽልዋ ሃይማኖትን፡ ክሳብ ንግስነት ኣኽሱም ዝበጽሕ’ውን ነበሮም። ንርእሲኡ ጥንታዊ ሳባዊ ፊደል ግእዝ ከም ዓረብን እብራይስጥን ካብ የማን ንጸጋም እኳ ይጸሓፍ እንተ ነበረ፡ ብሰሪ ጽልዋ ኣጸሓሕፋ ናይ ግሪኽ፡ ነቲ ኦርቶዶክሳዊ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጽርኢ ናብ ግእዝ ክትርጎም እንከሎ፡ ኣንፈቱ ቀዪሩ ካብ ጸጋም ንየማን ኮነ። ኣብ ታሪኽ እንተሪኢና’ውን ኣኽሱማዊ ንጉስ ካሌብ ብ520 ዓ/ም ል.ኣ. ብድርኺት ናይ ባይዛታይን፡ ሰራዊቱ ናብ’ቲ ኣብ ግዝኣት ሒምያር (ኣብ የመን) ኮይኑ ንህዝቢ ክርስትያን ዘሳቒ ዝነበረ ይሁዳዊ ሒምያራዊ ንጉስ ዱ ኑዋስ ንኽዋግኦ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ንመጀመርያ ግዜ (እቲ ኣብ ታሪኽ  ምእንቲ ኣመንቲ ክርስትያን ኢሉ ሰራዊቱ ዘውፈረ መራሒ) ኣብ ኲናት ተዋጊኡ ንዱ ኑዋስ ሰዓሮ። ምስሌነ ናይ ንጉስ ኣኽሱም ኮይኑ ኣብ ስልጣን ንሒምያር ዝገዝእ መራሒ ድማ ተኸለ። ይኹን እምበሪ፡ ኣብ መወዳእታ ምስ ኩሉ’ቲ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ግን፡ መግዛእቲ ኣኽሱም ብፐርሽያ (ፐርሽያ መተሃላልኽቲ ባይዘንታይን ስለ ዝነበሩ) ተሳዒሮም ካብ የመን ተሳጒጎም ወጹ። 

ባይዘንታይን ቋንቍኦም ግሪኽ ስለዝነበረን ሓያልን ሰፊሕን ዝርጋሐ ናይ ንግዲ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ናይ እቲ ሽዑ ፍሉጥ ዝበሃል ዓለም ነበሮምን ብዙሕ ቦታታት ድማ ሄለናይዝድ (ባህሊን ቋንቋን ግሪኽ) ኮይኑ ወይ ባህሎም ርዒሙ ነበረ። ቋንቋ ግሪኽ ከም ቀንዲ መራኸቢ ኣህጕራዊ ቋንቋ (lingua franca) ኮይኑ ኣብ ብዙሕ ቦታታት’ውን ተዘርግሐ። ኣብ ግዝኣት ኣኽሱም ከይተረፈ’ውን ከም መራኸቢ ቋንቋ  ኮይኑ የገልግል ከም’ዝነበረ ይንገር። እዚ ጥራሕ ከይኣክል ኣኽሱማውያን ነጋውስ’ውን ኣብቲ መጀመርያ ዘውጽዎ ዝነበሩ ሰላዲኦም ብግሪኽ ጥራይ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ከም ዝነበሮ ንርኢ።

ኢትዮጵያ

እቲ ብጥንቲ ግዜ ዓቢ ስልጣነ ሒዙ ዝነበረን ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ንኤርትራ፣ ጂቡቲ ሶማልያን ምብራቕ ሱዳንን የመንን ከይተረፈ ዝቆጻጸር ዝነበረ ንግስነት ኣኽሱም፡ ኣብ ግዚኡ ብማሕረስ፣ መጓሰን ከምኡ’ውን ንግዳዊ መስመራት ናይ ወርቂ፣ ስኒ ሓርማዝን ካልእ ኣቝሑን ይቆጻጸር ስለዝነበረ፡ ኣብ ግዚኡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ኣዝዩ ሰሲኑን ሓዪሉን ዝነበረ ግዝኣት ኮነ። መሰረት ናይ ኣኽሱም ስልጣነ ከምቲ ዝበሃል ቀደም ዘበን (ቅድሚ 3000 ዓመታት) ሳባውያን ካብ ደቡብ ዓረብ ፈሊሶም ምስቶም ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ተሓዊሶም ዝፈጠርዎ ስልጣነ ዳዓማት ኮይኑ፡ በቲ ግዜ’ቲ ሳባዊ ፊደላት ዘተኣታተውሉን እቲ ስልጣነ’ውን ካብ ኤርትራ ክሳብ ትግራይ (የሓ) ዝተዘርግሐ ስልጣነ ከም’ዝነበሮ ይንገር። ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ግን እዚ ስልጣነ ናይ ዳዓማት ኣብ 5ይ ዘመን ቅ.ል.ክ. ፈረሰ።

እንተኾነ ግን፡ ዋላ’ኳ ፋሕ ኢሉ ናብ ኣናኣሽቱ ንግስነታት ተዳኺሙ ይጽናሕ እምበሪ፡ ስዒቡ አብ 1ይ ዘመን ድ.ል.ክ. ንግስነት ኣኽሱም ሓዪሉ ወጸ። በዚ እንዳ’ማዕበለ ዝኸደ ንግስነት ኣኽሱም ክሳብ ናይ ነጋውስ ሰልዲ ከም’ዝሓትም ዝነበረ ይንገር። ኣኽሱማውያን ኣህጕራዊ ንግዲ ምስቶም ናይ ሽዑ ዓበይቲ ስልጣኔታት ከም እኒ ግሪኻውያን፣ ሮማውያን፣ ፋርሳውያንን ህንድን ስለ’ዝነበሮም፡ ንግዲ ከካይዱ መታን ሰልዲ ከሕትሙ ጀመሩ። ብፍላይ ምስ ግሪኽ (ጽርኢ) ጽዑቕ ንግዲ ስለ’ዝነበሮም፡ እቲ ፋልማይ ዝወጽእ ዝነበረ ሰላዲ ጉርዲ/ምስሊ ናይ ንጉስን ብጽርኢ ዝተጻሕፎ ጽሑፍን ነበሮ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ቋንቋ ጽርኢ (ግሪኽ) ኣብ ኣኽሱም ከም መራኸቢ ቋንቋ ወይ lingua franca (ንንግዲ ወዘተ) ኮይኑ አብ ኣኽሱም ኣብ ሓደ እዋን የገልግል ከም ዝነበረን፡ ከምኡ’ውን ብዙሕ ጽልዋ ብፍላይ ናይ ግሪኻውያንን ሮማውያንን’ውን ከም ዝነበረ ይንገር እዩ። ኣብ ዳሕራይ ግን ብግእዝ ዝተጻሕፎ ሰላዲ’ውን ክወጽእ ጀመረ። ከም ኣብነት፡ ካብ ናይ ጥንቲ ቅድሚ ምትእትታው ክርስትና ዝነበሩ ኣኽሱማውያን ነገስታት ከም ንጉስ ኢንደቢስን ንጉስ ኦፊላስን ዝበሃሉ ነጋውስ ናቶም ወርቂ ገንዘብ ኣሕቲሞም ኣብ ውሽጢን ኣብ ወጻእን ይነግዱ ከም ዝነበሩ ይንገር።

ንጉስ ኢንደቢስ – ካብቶም ቅድሚ ምእታው ክርስትና ዝነበሩ ነገስታት። ጽሑፍ ብጽርኢ ኮይኑ እቲ ደቡብ-ዓረባዊ ምልክት ናይ ብዙሀ-ዚሄርነት እምነቶም ዝኾነ ሂላልን (ወርሒ) ጽፍሒ ክቢን ምልክት’ውን ይርአ።

ንጉስ ኦፊላስ – ካብቶም ቅድሚ ምእታው ክርስትና ዝነበሩ ነገስታት። ተማሳሳሊ ኮይኑ ሸዊት ግን ኣይርአን።

ስዒቡ፡ ክርስትና እውን ኣብ 4ይ ዘመን ኣብ እዋን ግዝኣት ዒዛና ተኣታተወ (ከም ዝበሃል ንጉስ ዒዛና ብንእሱ ተማሃራይ ናይቲ ፍሬምናጦስ ዝበሃል ሶርያዊ መምህሩን ባርያኡን ዝነበረ ክርስትያናዊ ኣቡን፡ ኣብ ትሕቲኡ እንዳተማህረ፡ እንከሎ ንሃይማኖት ክርስትና ተቐበለ)።

እዚ ታሪኻዊ ሓወልትታትን ቅርስታትን ዝገደፈ ስልጣነ ኣኽሱም፡ በዚ ናይ ንግዲን ካልእን ምስሳን ዝተበገሰ ስለ’ዝሓየለ፡ ወርቂ ባጤራ ወይ ሰላዲ’ውን ከይተረፈ ኣብ ትሕተ-ሰሃራዊ ኣፍሪቃ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ከባቢ 350 ል.ኣ. (ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ) ኣብ ውሽጡ ግዝኣቱ ቀሪጹ ከሕትም ጀመረ። ከምዚ ኢሉ ስልጣነ ኣኽሱም ክሳብ ኣብቲ 7ይ ዘመን ል.ኣ. ዝወደቐሉ እዋን ቀጸለ። ክሳብ ክንደይ ዝርጋሐ ንግዲ ከም ዝነበሮም ዘረዳኣካ ድማ ናይ ኣኽሱም ሰልዲ (ናይ ኦፊላስን ዒዛናን) ክሳብ ኣብ ህንድን ግሪኽን እውን ከይተረፈ ተፋሒሩ ምውጽኡ እዩ። ካልእ ብተወሳኺ’ውን ሰላዲ ኣኽሱም ዝተረኽቦ ቦታታት ከም ኣብ ደቡብ ዓረብ (ደሞዝ ነቶም ብግዜ ንጉስ ካሌብ ዝዘመቱ ወተሃደራት – ብቝጽሪ ካብ’ቲ ዛጊት ኣብ ኣኽሱም ዝተረኽበ ሰላዲ ኣዝዩ ዝዛይድ)፣ መረዊ፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ግብጺ፣ እስራኤልን ፍልስጥኤምን እዩ።

ድሕሪ ምውዳቕ ኣኽሱም፡ ኢትዮጵያ ናቶም ዘሕተምዎ ገንዘብ ኣይነበሮምን። ምልውዋጥ ኣቕሓ ብዝያዳ ብበደላን (bartering) ከምኡውን ከም ባጤራ ዝቝጸር ዝነበረ ኣሞሌ ጨው (ጥብጣብ ወይ ግማዕ ጨው – salt bar)፣ ክዳን፣ መራፍእ፣ ባዴላ/መጋሕፈል፣ ወርቂ ቀለቤት፣ ሓጺንን ጠያይትን እውን ነበረ። እንተኾነ ብ19 ክ/ዘመን ኣብ ዳሕራይ/ታሕቲ ከም ዝገልጾ ናይ ‘ማርያ ተረዛ ታለር’ ባጤራ ገንዘብ ክጥቀሙ ጀመሩ።

ይኹን ዳኣ’ምበሪ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ቀንዲ ሃገረ ኢትዮጵያ ናቶም ገንዘብ ኣይንበር፡ ናታ ገንዘብ ዝፈጠረት ብደረጃ ዳሕራይ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጸምበረት ክንርኢ እንተ’ዄንና፡ እታ ተነጺላ ብነብሳ ትመሓደር ዝነበረት ኢማራት ሃረር ወይ ሓረርጌ እያ። ኢማራት ሃረር ኮረድዮ መተሓላለፊ ንግዲ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሃገራት ኣዕራብን ስለ’ዝነበረት፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ብልጽግቲ ነበረት። ካብ 13 ክ/ዘመን (1218) ንንየው ሓጺናዊ ባጠራ ናቶም ከሓትሙ ጀመሩ። ‘ኣሽራፊ’ ዝስሙ ቀንዲ ባጤረኦም ኮይኑ፡ ናቱ መበል 22 ኣፍ (1/22) ድማ ‘መሓለቕ’ ዝብሃል ሰልዲ ይሓትሙ ነበሩ። እቲ ‘መሃለቅ’ ዝብል ቃል ናይ ኣምሓርኛ ንሸርፊ ወይ ዝርዝር (ምንዛሬ – coins)

ናይ ሃረር ኤሚረት ነሃሲ ሰልዲ መሓለቕ (1782-1794)

ገንዘብ ዝገልጹሉ ቃል’ውን ካብኡ ዝመጸ እዩ። እንተኾነ ኣብ ዳሕራይ እንዳደኸሙ ስለዝኸዱን፡ ብጥሪ 7, 1887 ድማ ኣብ’ቲ ብትሕቲ መራሒኦም/ሱልጣን ኣሚር ዓብዱላሂ ዝምራሕ ናይ ጨለንቆ ኲናት ምስ ሃጸይ ምኒልክ ገጢሞም ስለ’እተሳዕሩ፡ ኩሉ’ዚ ደው በለ። እንተኾነ ግን ምኒልክ እውን ናቱ ሰልዲ ክገብር ባህጊ ስለ’ዝነበሮ፡ ነዊሕ ከይጸንሔ ብ1892 ዓ/ም እቲ ናይ መጀመርያ መሃለቅ ዝበሃል ናይ ምኒሊክ ሰልዲ ኣብ ሃረር ከሕትም ጀመረ። እዚ ንኢሽቶይ ሓጺን ሰልዲ ምስቲ ናይ ግብጻውያን ፒያስተር (1/20 ናይ ማርያ ተረዛ) ተለኪዑ ዝወጸ ነበረ።

እቲ ፋልማይ ኣብ ሃረር ዘሕተሞ ናይ ሚኒልክ መሓለቕ ገንዘብ

ናይ ዳግማዊ ምኒልክ ባጤራ – ‘አላድ’ ማለት ፍርቂ ማለት እዩ። ‘ብር’ ዝብል ድማ ካብ ብሩር ዝመጸ እዩ። እዚ ናይ ብድሕሪ ሃረር ዝወጸ ሸርፊ ገንዘብ እዩ። ሞዓ፡ አንበሳ፡ ዘእምነገደ፡ ይሁዳ – ሰዓሪ፡ ኣንበሳ ካብ ነገደ ይሁዳ።

ምኒልክ ብዙሕ ኣይጸነሐን፡ ምስ ሓንቲ ፓሪስ ዝመደበራ ናይ ገንዘብ መቕሮጺ/መሕተሚ ትካል ተሰማሚዑ እተፈላለየ ሰላዲ ገንዘብ ካብ 1894 ክሳብ 1928 ዓ/ም (ድሕሪ ሞቱ) ዘሎ ግዜ ኣብ ሃገሩ  ዘርግሐ። ቅድሚ’ዚ ግን ምኒልክ ምስ ኢጣልያ እውን ኣብቲ ናይ ግንቦት 2, 1889 ‘ውዕል ውጫለ’ ብዛዕባ ናይ ሓባር ገንዘብ ምስ ኢጣልያ ተሰማሚዑ ስለ’ዝነበረ፡ ናይ ሮማ ፍሉይ ‘ታለሪ’ ዝበሃል ባጤራን ናቱ ክፍልፋል ሓጻውንትን ወይ ንኡስ ሸርፊታትን ካብ 1890 ክሳብ 1896 ተዘርጊሑ’ውን ኔሩ እዩ። እንተኾነ ኣብ ሞንጎ’ዚ ምኒልክ ነቲ ዘይፍትሓዊ ውዕል ውጫለ ስለ’ዝሰረዞ፡ ናቱ ናይ ባዕሉ ሰላዲ ክዝርግሕ ወሰነ። ስለዚ ብኸምዚ እተፈላለዩ ኣብቲ ናይ ሽዑ ፍሉጥ ማርያ ተረዛ ብር ዝተሞርኮሰ ወይ ዝተለክዐ (ብመገዲ ናይ ግብጻውያን ደቀቕቲ ሰላዲ ዝተመጠነ)፡ ሰላዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘርግሐ።

ዝርዝር ዝወጽእ ዝነበረ ገንዘብ ንምግላጽ፦
መሓለቅ – ኣብ ሃረር ቀዳማይ ዝተቖረጸ ወይ ዝተሓትመ ናይ 1.4 ግራም ብሩር – 1892 ዓ/ም
የብር መቶወኛ (5 ግ. ነሃሲ 1897 ዓ/ም) – 1/100 ወይ 0.01 ኣፍ ናይ ብር (ሳንቲም)
የብር 32ኛ (2.86 ግ. ነሃሲ 1897 ዓ/ም) – 1/32 ወይ 32 ኣፍ ናይ ብር ወይ ሓደ ብር 32 ናይዚ (ሳላሳ-ሁለተኛ ነሃሲ ሓጺን) ይሽረፍ።
1 ግርሽ (ነሃሲ 1896 ዓ/ም) – 1/16 ናይ ብር ወይ ብር ብ16 ሓጻውንቲ ናይዚ ይሽረፍ
የግርሽ ኣላድ (ነሃሲ 1896 ዓም) – 1/32 ወይ 32 ኣፍ ናይ ብር
የግርሽ ሩብ (ነሃሲ 1896 ዓ/ም) – 1/64 ናይ ብር (64 ኣፍ) – ሓደ ብር ብ64 ‘የግርሽ ሩብ’ ሰልዲ ይሽረፍ
የብር ትሙን (0.835 ናይ ብሩር – 1895-1896 ዓ/ም) – 1/8 ናይ ብር
የብር ሩብ (0.835 ናይ ብሩር 1895-1903 ዓ/ም) – 1/4 ናይ ብር (ሕርካም)
የብር ኣላድ (1895-1897 ዓ/ም) – ፍርቂ (0.50) ናይ ብር ወይ 50 ሳንቲም
1 ብር (0.835 ናይ ብሩር 1895-1897 ዓ/ም) – ን1 ብር ማርያ ተረዛ ክትክእ ዝወጸ ሰልዲ።
የወርቅ ሩብ (0.9 ናይ ወርቂ – 1897 ዓ/ም) – 2 ብር ይሽረፍ ኔሩ
የወርቅ ኣላድ (1897 ዓ/ም) – 4 ብር ይሽረፍ
1 ወርቅ (1894-1931 ዓ/ም) – ንፈተነ ዝወጽእ ዝነበረ – 8 ብር ይሽረፍ
ቤሳ (ነሃሲ) – እቲ ኣብ ዳሕራይ ድሕሪ ሞት ሃጸይ ምኒልክ ወይ ብግዜ ግዝኣት ሃጸዪት ዘውዲቱ (እንኮ ውላድ ጓሉ ንሃጸይ ምኒልክ) ንምሕደራ መንግስቲን ሕሱር ንድኻን ዝኸውን ተባሂሉ ዝወጸ ዋጒኡ 32ኛ ሰልዲ – 1/32 ናይ ብር (1 ብር 32 ቤሳታት ይሽረፍ ኔሩ)
((ነዚ ብስእልታት ክርኢ ዝደሊ ሰብ ኣብ ናይ ጉግል ስእልታት ገጽ (google images) ወይ ዝኾነ ናይ እንዳ ገንዘብ ዘጠራቕሙ መርበባት ከም numiscorner ክርአ ይከኣል እዩ።))

ካብዚ ኣብ 1895 ዓ/ም ሙሉእ 1 ብር (ብብሩር) እተሰርሐን ናይ ምኒልክ ስእሊ ዘለዎን’ውን ወጸአ። ግን ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ሰብ ናይ ማርያ ተረዛ ብር ጥራይ ስለ’ዝፈልጥ ዝነበረ፡ ‘ባለ ወንድ ሳይሆን ባለ ሴት’ ወይ ‘እቲ ናይ ሰብኣይ ዘይኮነ፡ እቲ ናይ ሰበይቲ ዘላቶ (ስእሊ) ኢና ንደሊ’ ብምባል ‘ዕጭ እምብለይ’ ቢሉ ምቕባል ኣበዮ ሰብ  ነቲ ገጽ/ጕርዲ ሚኒልክ ዘለዎ ገንዘብ። እዚ ጥራይ ከይኣክል እቲ ህዝቢ’ውን ነቲ ናይ ቀደም ጥንቲ ብጨውን ጥይትን ምትዕድዳግ ለሚዱ ካብኡ ምልቓቕ ስለ’ዝኣበየ፡  በዚ ዘይተሓጎሰ ምኒልክ ነዚ ኣዋጅ’ዚ ኣውጸአ፦

ሞአ ፡ አንበሳ ፡ ዘእምነገደ ፡ ይሁዳ ። ምኒልክ ፡ ሥዩመ ፡ እግዚአብሔር ፡ ንጉሠ ፡ ነገሥት ፡ ዘኢትዮጵያ ።

ከዚህ ፡ ቀደም ፡ ነጋዴም ፥ ወታደርም ፡ ባላገርም ፡ የሆንክ ፡ ሰው ፡ ሁለ ፡ በየገበያውና ፡ በየመንገዱ ፡ በስፍራውም ፡ ሁሉ ፡ በጥይት ፡ ስትገበያይ ፡ ትኖር ፡ ነበር ፤ አሁን ፡ ግን ፡ በኔ ፡ መልክና ፡ ስም ፡ የተሠራ ፡ ብር ፣ አላድ ፣ ሩብ ፣ ትሙን ፤ መሓለቅ ፡ ኣድርጌልኻለሁና ፡ በዚህ ፡ ተገበያይ ፡ እንጂ ፡ እንግዴህ ፡ በጥይት ፡ መገበያየት ፡ ይቅር ፡ ብያለሁ ፡ የሚሸጥም ጥይት ፡ ከቤቱ ፡ ያለው ፡ ሰው ፡ ሁሉ ፡ እጅምሩክ ፡ እየወሰደ ፡ ለጅምሩክ ፡ ሹም ፡ ይስጥ ፣ ጥይትም ፡ ለመግዛት ፡ የፈለገው ፡ ሰው ፡ እጅምሩክ ፡ እየሄደ ፡ ይግዛው ፤ ይኸንንም ፡ ዐዋጅ ፡ አፍርሶ ፡ ጥይት ፡ ርስ ፡ በራሱ ፡ ሲሻሻጥና ፡ሲገዛዛ ፡ የተገኘ ፡ ሰው ፤ ገዥውም ፡ ሻጭውም ፡ ስለቅጣታቸው : ባ፩(1) ፡ ጥይት ፡ ፩ ፡ ፩ ፡ ብር ፡ ይክፈሉ ፤ ይህነንም ፡ ዐዋጅ ፡ አፍርሶ : ጥይት ፡ ሲሻሻጥ ፡ አግኝቶ ፡ ወደ ፡ ዳኛ ፡ ያመጣ ፡ ሰው ፡ በቅጣት ፡ ከሚከፍሉት ፡ ገንዘብ ፡ እኩሌታውን ፡ ሌያዥው ፡ መርቄለታለሁ።

(ኅዳር ፡ ፳፪ (22)፡ ቀን ፡ ፲፱፻፩ (1901) ፡ ዓ፡ ም ፡ እንጦጦ ፡ ከተማ ፡ ተጻፈ።)

ብዝኾነ ግን ሰብ ምስ ግዜ ሰሚዑ፡ ገንዘብ ተስፋሕፊሐ፡ ግን እቲ ማርያ ተረዛ ዝበሃል ገንዘብ ግን ክሳብ 1945 ዓ/ም ኣብ ዕዳጋ ይሰርሕ ኔሩ እዩ። ይኹን እምበሪ፡ እቲ ናይ ሚኒልክ ብር ተቐቢሎሞ ስሙ’ውን ከምቲ ናይ ማርያ ተረዛ ታለር ሽም ዝመሳሰል ብ ‘ታላሪ’ ቢሎም ክጽውዕዎ ጀመሩ። ወረገይ ኣብ ዳሕራይ’ሲ፡ ሰላዲ ሃገሮም ተቐቢሎሞ ኣብ በዓል ጎጃም ነቲ ገንዘብ ዝውድስ ቅኔ ግጥሚ’ውን ከይተረፈ ከምዚ ቢሎም ገጠሙሉ፦

ሀ. ትከሻየ ለምዶ መሸከም አሞሌ፤
መውጣት መውረዱ ሲወዘውዘኝ፤
እምዬ ምኒልክ ብር አሠራልኝ፡፡
ለ. አጋሰስ መጋጃ አህያ እንዳንጭን፤
ፈረንጅ በጥበቡ እንዳይኮራብን፤
እምዬ ምኒልክ ሠራልን ብሩን።
ሐ. ከገበያ ወጡ ጥይት እና ጨው፤
የፈረንጅ ብር ሠራ የኛ አባ ዳኘው።
መ. ዝቀህ ስጠኝና አሽከርህ ልክበር፤

ሃጸይ ምኒልክ እቲ ሰላዲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኢትዮጵያ ከስርሖ’ውን (ከቝርጾ/ከሕትሞ) ባህጊ ስለ’ዝነበሮ፡ ምስ ሓንቲ ናይ ቬና (ኦስትርያ) ኩባንያ ተወዓዒሉ ብ1903 ዓ/ም ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ቤተመንግስቲ እቲ ናይ ኣፍሪቃ ናይ መጀምርያ ዝኾነ ናይ ገንዘብ መቝረጺ ትካል ተኸለ።

ኤርትራ

ምስ እዚ ኵሉ ዝተሓሓዝ ግን እንግሊዝ ንጥልያን ክዋጕኡ ናብ ኤርትራ/ኢትዮጵያ ብ1941 ዓ/ም ምስ ኣተዉ፡ ንሰራዊቶም ደሞዝ በቲ ናይ ምብራቕ-ኣፍሪቃዊ ሽሊንግ (East African shilling) ይኸፍልዎም ስለ’ዝነበሩ፡ እቲ ገንዘብ ናብ ሃገርና ኣተወ። እዚ ምብራቕ-ኣፍሪቃዊ ሽሊንግ እንግሊዝ ነተን ኣብ ትሕቲ ግዝኣታ ዝነበራ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከም ኬንያ፣ ዩጋንዳን ታንዛኒያን ዝዘርጋሓቶ ባጤራ እዩ። ብጀካ ናይ ጥልያን ሊራ (ምስ ጥልያን ዝኣተወ)፣ ማርያ ተረዛን ሽሊንግን ናይ ህንዲ ሩፒን ናይ ግብጺ ጊነን እውን ኣብ ዕዳጋ ኔሩ እዩ።

ስለዚ ብግንቦት 1941 ዓ/ም እንግሊዝ ንጥልያን ኣውጺኦም ናብ ኢትዮጵያ/ኤርትራ ሰራዊቶም ሒዞም ምስ ኣተዉ፡ ናቶም መንግስታዊ ምሕደራ ተኸሉ። በዚ ምኽንያት፡ ነቲ ዘሎ ናይ ማርያ ተረዛ ባጤራ፣ ንሶም ዘእተውዎ ምብራቕ ኣፍሪቃዊ ሽሊንግ፣ ናይ ምስሪ ጊነን ህንዳዊ/የመናዊ ሩፒን ኩሎም ብሓባር፡ ከም ወግዓዊ መዋገዪ ባጤራታት ከም’ዝኾኑ ኣነጸሩ/ኣወጁ።     

ኣብቲ ግዜ እቲ ማርያ ተረዛ ገና ተጠላቢ ስለዝነበረ፡ 1 ማርያ ተረዛ ብ2 ሽሊንግ ይሽረፍ ኔሩ። እዚ ግን ብወግዓዊ/መንግስታዊ ሸርፊ ኮይኑ፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ግን ብ3 ሽሊንግ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ይሽረፍ ነበረ።

ብዝኾነ ኢትዮጵያ እቲ ብዝሒ ባጤራታት ሃገራት ወጻኢ ኣብ ገንዘባዊ ምሕደረኦም ሕልኽልኽን ሕንፍሽፍሽን ከእትወሎም ስለ’ዝጀመረ፡ ብ1945 ዓ/ም ሓደ ንጽል ሃገራዊ ባጤራ ክገበሩ ወሰኑ። ስለዚ ኣዋጅ ኣውጺኦም ኩሉ ማርያ ተረዛ ሽሊንግን ካልእን ኣብ ኢትዮጵያዊ መንግስታዊ ባንክ ክእከብ፡ ኣብቲ ፋልማይን 1 ማርያ ተረዛ ብ1.50 ብር ኢትዮጵያ ክልወጥ፡ ኣብ ዳሕራይ ግን 1 ብ 1 ክሽረፍ፣ 1 ምብራቕ ኣፍሪቃዊ ሽሊንግ ድማ ብ1 ብር ከም ዝትካእ ጌሮም፡ በዚ ኣገባብ ኩሉ ገንዘብ ካብ ዕዳጋ ኣንሳሓብዎ።

ኣብዚ ሓደ ኣቐድም ኣቢሉ (ብግዜ ሃጸይ ተክለ ጊዮርጊስ ወይ ገና ምኒልክ ንጉስ ከይኮነ – 1 ዓመት ድሕሪ ነብሰ-ቕትለት ሃጸይ ቴዎድሮስ ወይ ሃጸይ ዮሃንስ 4ይ ቅድሚ’ቲ ብ12 ጥሪ 1972 ዘውዲ ደፊኡ ብዕሊ ጎብለል ናይ ነጋውስ ኮይኑ ገና ከይወጸ) ዝተፈጸመ ፍጻሜ ክጥቀስ ዝግብኦ ብዛዕባ ምሻጥ ናይ ዓሰብ ወደብ እዩ። እዚ በቲ ‘ሩባቲኖ’ ዝበሃል ናይ መርከብ መጓዓዝያ ኩባንያ፡ ብውክልና ናይ ሓደ ጁሰፐ ሳፔቶ ዝበሃል ካቶሊካዊ ካህን ጌሩ ብ15 ሕዳር 1869 ምስ ክልተ ኣሕዋት ሓሰን ኣሕመድን ኢብራሂም ኣሕመድን ዝበሃሉ ሱልጣናት ናይቲ ከባቢ፡ ነቲ ወደብ ብ6000 ባጤራ ማርያ ተረዛ ክገዝኦ ውዕል ኣተወ። ኢጣልያ ንእግሪ መትከሊ ዝኾኖም መሬት ኣብ ደንደስ ቀዪሕ ባሕሪ መግዚኢኦም ምኽንያት፡ ብጀካ እቲ ንውሽጢ ገጽካ ናይ ምስፍሕፋሕ ሕልምታቶም፡ እቲ መትረብ ስዊዝ’ውን (ናይ ግብጺ) ተፋሒሩ ኣብ ምውድኡ ገጹ ስለ’ዝነበረ (ሻቡ ብ17 ሕዳር 1869 ተኸፍተ)፡ ኤውሮጳውያን ድማ ጽዑቕ ናይ ንግዲ መተሓላላፊ ካብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ብኣቋራጭ እዚ ሓድሽ ዝተኸፍተ በሪ መትረብ ስዊዝ ኣቢሉ ናብ ቀዪሕ ባሕሪ፡ ድሕሪኡ ብወሽመጥ ዓደን (ከባቢ ሶማል/የመን) ኣቢሉ ብዓረባዊ ባሕሪ ጌሩ ምስ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዘራኽብ መስመር ስለ’ዝፈጠረሎም፡ ጽዕጹዕ ንግዲ ከምዝፍጠር ፈሊጦም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ወደባት ንምሓዝ ተጓየዩ። ብጀካ’ዚ ብሓድሽ ቴክኖሎጂ ናይ ሃፋ ዝንቀሳቐሳ፡ ዝበለጻ መራኽብ ኣብ ዕዳጋ ስለ’ዝመጻ፡ ሸቐጥን ንግድን ዓሚሩ ኣብቲ ከባቢ (ቀዪሕ ባሕሪ) ከም’ዝስስን ፈለጡ። ስለዚ፡ እዚ ምኽንያታት ምርኵስ ብምግባር እያ ኢጣልያ ጥቓ ከባቢ ቀዪሕ ባሕሪ ዘለዋ ዶባት ኤርትራ ንክኽትሕዝ ዝወሰነት። 

ማርያ ተረዛ ታለር       

ካብዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ባጤራ ግን ማርያ ተረዛ ታለር (Maria Theresa thaler) ዝበሃል ኮይኑ፡ ኣብ ሃገራት ኣዕራብን ኣፍሪቃን ግኑን ዝነበረ ብሩራዊ ባጤራ ናይ ኦስትርያ ኢዩ። ማርያ ተሪዛ (እምበራጦርያዊት) ሃጸዪት ኦስትርያ፣ ሃንጋርያን ቦሂምያን (ቸክ) ኮይና፡ ካብ 1740 ክሳብ 1780 ዓ/ም ትገዝእ ዝነበረት ንግስቲ ኢያ። ስለዚ እዚ ሰልዲ ብስማ ኢዩ ብ1741 ዓ/ም ወጺኡ። እዚ ባጤራ’ዚ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ወጺእካ፡ ካብ ኩሉ ጸሊም ኣፍሪቃ ንላዕሊ ብዝያዳ ኣብ ኢትዮጵያ (20% ናይ ዓለም – ወይ 245 ሚልዮን ሰልዲ) ገኒኑ ዝነብረ ኮይኑ፡ ኣብ ግዜ ሃጸይ ኢያሱ ብ18 ክ/ዘመን ብምኽንያት ናይ ንግዲ ቡን፣ ከርበ (ዕጣን)፣ በራዩ* ወዘተ ምስ ኣዕራብ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝተኣታተወ ይግለጽ።

ማርያ ተረዛ ሰልዲ – ቅድሚቱ
ማርያ ተረዛ ሰልዲ – ድሕሪቱ

ኢንግሊዝ’ውን ኣጼ ቴዎድሮስ ንሓያለ ሰባት (ኤውሮጳውያን፣ ናይ ከኒሻ ምስዮናውያንን ክልተ ዲፕሎማትን) ጀሆ ሒዙሎም ወይ ኣሲሩሎም ስለዝነበረ፡ ንኽዋጉኡዎ ብወደብ ዙላ ጌሮም ብ1868 ዓ/ም ናብ 644 ኪ.ሜ. ዝርሕቀቱ መቕደላ 30,000 ሰራዊት ህንዲ ሒዞም ክዘምቱ እንከለዉ (4.35 ሚልዮን) ነቶም ኢትዮጵያውያን ንቐለብ መግብን ካልእን ብማርያ ተረዛ ከም ዝኸፍሉዎም ዝነበሩ ይግለጽ። ኣብዚ ሓራምዝ፣ ኣባቕልን ኣግማልን – ብጠቕላላ 40,000 ዝኾኑ እንስሳታት ሒዞም ኢዮም ኣትዮም። እዚ ብፍቓድ ናይቲ ሽዑ ገዛኢ ትግራይ ነበር ልጅ ካሳ መርጫ (ዮሃጸይ 4ይ ወይ ሃጸይ ዮሃንስ) መሬቱ ሰጊሮም ንኽሓልፉን ስንቂ ክገዝኡን ኣፍቂዱሎም፡ መሬት ትግራይን ኤርትራን ሰጊሮም ዝሓለፉሉ ፍጻሜ ኢዩ። ኣብ ምምላሶም ድማ ናይ’ዚ ኹሉ ውዕለቶም ሓያለ ንኣብ ዳሕራይ መድረኽ ሓያል ኮይኑ ንኽወጽእ ዝገበሮ ኣጽዋር ኣወፍዮሙሉ ከዱ። ሓደ ጆን ከርከም ዝበሃል ወታደር ናይ ኢንግሊዝ እውን ብፍቓዱ ኣብ ኢትዮጵያ ተረፈን ኣብ ዳሕራይ ንሰራዊት ሃጸይ ዮሃንስ ብዘመናዊ መልክዕ ኣሰልጠነን።

ሃጸይ ቴዎድሮስ ንሚስዮናዊ ሄንሪ ስተርን (Henry Stern) እንዳ ኣፈራረሖ እንከሎ
እቲ ዝገርም ሃጸይ ቴዎድሮስ ነብሱ ቅድሚ ምጥፍኡ ካብ መዋጥር እንግሊዝ መታን ክወጽእ ኩላ ጌሩሎም ኢዩ – ኩሎም ሚስዮናውያንን ኤውሮጳውያንን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ፈቲሑሎም። ግና ሙሉእ ብሙሉእ ተማረኽ ምስ ተባህለ ሕማቕ መዋጽኦ ምዃና ስለ’ዝረኣየ ነብሱ ኣጥፊኡ።

ምስ እዚን ካልእን ታሪኻዊ ፍጻሜታት ዝተተሓዘ፡ ገንዘብ ማርያ ተረሳ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝሰረተ ስለ’ዝነበረ ኣብ ዳሕራይ ጣልያን ንኤርትራ ብ1890 ዓ/ም ምስ ሓዙ’ውን፡ እቲ ባጤራ ኣብ ኢትዮጵያ ተቐባልነቱ ተረዲኦም ንዕኡ ዝመስል ገንዘብ ሓቲሞም እንዳ ሰንዑ ናብ ኢትዮጵያ ክነግዱሉ ፈቲኖም ኢዮም። ግን ኣይሰለጦምን።

ስለዚ ማርያ ተረዛ ታለር (ታለር=ገንዘብ) ታሪኽ ዘለዎ ሰልዲ ኢዩ። ግን ሙሉእ ብሩር ዘይኮነ 83.3% (23.38 ግራም) ጽሩይ ብሩር ዝተረፈ 16.7% (4.68 ግራም) ድማ ነሃሲ ኢዩ። ጠቕላላ ሚዛኑ 28.06 ግራም ኮይኑ፡ ብቕድሚቱ ጉርዲ ስእሊ ናይ ንግስቲ ማርያ ተረዛ፡ ብድሕሪቱ ድማ ክልተ ንየማነ-ጸጋም ዝጥምት ኣራእስ ዘለዎ ዑፍ ንስሪ ኣርማ ናይ ኣውስትርያ ኣለዎ። ገና ንግስቲ ማርያ ተረዛ ብ1780 ዓ/ም ከይሞተት እንኮላ፡ እቲ ገንዘብ ካብ ግዝኣት ኣውስትርያ ወጻኢ ብምኽንያት ንግዲ ምስ ኣዕራብ (ንግዲ ጡጥ፣ ቡን፣ ቀመም፣ ሃሪ፣ ዕጣን፣ ወዘተ) ዝላዓለ ተቐባልነት ኣብ ዓዲ ኣዕራብ ስለዝነበሮ፡ ካልኣይ ስሙ ሌቫንቲን ታለር ይበሃል ነበረ (ሌቫንቲን ወይ ሻም ማለት ሰሜን ሃገራት ኣዕራብ ማለት ኢዩ)።

ኣዕራብ’ውን ነቲ ሰልዲ ርእዮም ከለልዪዎ መታን፡ ኣብቲ ቅድሚት ጉርዲ ስእሊ ናይ ማርያ ኣብቲ ጉልባብ ክዳና 9 ሉል ዘለዎ ጌጽ ስለዘለዎ ‘ኣቡ ኑቕጣ’ (ابو نقطة) ትርጉሙ በዓል ኑቕጣ ወይ ነጥቢታት፣ በቲ ድሕሪቱ ድማ ንስሪ ምስ ክንቲቱ ስለ’ዘለዎ ‘ኣቡ ሪሽ’ (ابو ريش) ወይ በዓል ክንቲት፡ ከምኡ’ውን (ንስሪ ስለዘለዎ) በቲ ቀንዲ ቅጽል መጸዊዒኡ ‘ኣቡ ጠይር’ ወይ ‘ኣቡ ጠይራ’ (ابو طير) በዓል ዑፍ በልዎ። እዚ ሰልዲ ከም ዝተጠቕሰ ብንግዲ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ሓሊፉ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ኢትዮጵያ፣ ሶማልያ፣ ኬንያ ታንዛንያ፣ ሞዛምቢክን ካልእ ሃገራትን ኣስፋሕፈሐን ቀንዲ ዘይወግዓዊ ባጤረአን (legal tender) ኮነ’ውን ። በዚ ምኽንያት ዋላ እቲ ስም ሰልዲ ‘ኣቡ ጠይራ’ ናብ ሃገርና ስለ’ዝኣተወ፡ ምስ ግዜ ምንዋሕ ‘ኣቡ ጠይራ’ ልሳን ቀዪሩ ንኣቡ ‘ኣባ’ ስለ ዝብሎ ህዝብና፡ ናብ ኣባጤራ ካብኡ ናብ ‘ባጤራ’ ዝብል ስም ተቐዪሩ ንዝኾነ ገንዘብ መጸውዒ ስም ኮነ። እዚ ሰልዲ እዚ ክሳብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ገሊኡ ዕዳጋታት (bazaars) ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ’ውን ይርአ ኢዩ። ኣምኪኾም ንስልማትን ጌጻጌጽን’ውን ይገብርዎ ኢዮም።

ክሳብ ግዜ ኲናት 2ይ ዓለም ማርያ ተረዛ ገዚፍን ረዚንን ውሑድ ነሃሲ ዝተሓወሶን ብሩራዊ ብረት ስለዝነበረ፡ ኣብ ከባቢና ከምዚ ናይ ሕጂ ናይ ኣሜሪካን ዳለር ክብሪ ነበሮ። ኣዕራብን ኢትዮጵያን ናይ ቀደም ዝተሰርሐ ሰልዲ እንተዘይኮይኑ ዕጭ ኢሎም ይኣብይዎ ስለዝነበሩ፡ ኤውሮጳውያን ንኹሉ እቲ ደሓር ዝወጸ መታን ሓቂ ክመስል ብ1780 ዓ/ም ዕለት እንዳወቕዑ ሓቲሞም/ቀሪጾም ዘርግሕዎ።

ኢትዮጵያውያን ኣብ 2ይ ኲናት ዓለም ካብ ጣልያን ዝማረዅዎ ኣጽዋር ሒዞም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብግንቦት 1941 ንኣዋጅ ምምላስ ናይ ሃይለስላሰ ንኽሰምዑ እንዳ’ተኣከቡ ከለዉ. Copyright: © IWM. Original Source: http://www.iwm.org.uk/collections/item/object/205189660

ኢንግሊዝ’ውን ኣብ 2ይ ኲናት ዓለም ንጥልያን ካብ ኢትዮጵያ ንምውጻእ ንዝገብርዎ ወፍሪ ክኾኖም 18 ሚልዮን ሓጻውንቲ/ሰልዲ ማርያ ተረዛ ኣብ ቦምበይ/ህንዲ ኣሕተሙ። ነቲ ሓጻውንቲ ገንዘብ መቕረጺ ዝኸውን ፎርማ መውቅዒ (die) ብ1930ታት ገዚኦም፡ ናይ ቀደምን ክቡር ምዃኑን መታን ክመስል ናቱ ዓ/ም ናብ 1780 ዓ/ም ቀዪሮም እንዳቐረጹ ነቲ ሰላዲ ሓቲሞም ኣምረቱ። ነዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት ኢትዮጵያውያን ወታደራት ብጀካ ሓጺን ሰላዲ ማርያ ተረዛ ካልእ ዝኾነ ወረቐት ገንዘብ ዘይቅበሉ ስለ’ዝነበሩ ኢዩ። በዚ እንዳኸፈሉ ድማ እንግሊዝ ንጣልያን ካብ ኢትዮጵያን ካብ ሃገርና ኤርትራን ጸራሪጎም ኣውጸኡዎ። እዚ ዎ’ዳሓንኩም! ጸሓፊ – Ibራሂም ዓ. ዓli

  • – እቲ ዘሕዝን ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ጽዕጹዕ (ቀዳማይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ) ንግዲ ባርያ ኔሩ ኢዩ – ባርነት ክሳብ ግዜ ግዝኣት ሃይለስላሰ ስለዝነበረ፡ ሓደ ካብቲ ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ብ1935 ዓ/ም ክትወርር እንኮላ ዘቕረበቶ ምስምስ ምጥፋእ ባርነት ካብ ኢትዮጵያ ኢዩ ዝብል ኢዩ ኔሩ።

መወከሲ ምንጪታት
http://www.theresia.name/en/shistory.html
https://www.numismaticnews.net/archive/monetary-systems-influence-future
https://en.wikipedia.org/wiki/Maria_Theresa_thaler
https://en.wikipedia.org/wiki/Kuru%C5%9F
https://www.etymonline.com/word/piaster
https://en.numista.com/catalogue/pieces32876.html
http://africa.worldofcoins.eu/aftegy.htm
https://financial-dictionary.thefreedictionary.com/Qirsh#:~:text=A%20subdivision%20of%20a%20currency,also%20spelled%20qursh%20or%20ghirsh.
https://en.wikipedia.org/wiki/Yohannes_IV
https://www.iwm.org.uk/collections/item/object/30057921#:~:text=The%20silver%20thaler%20was%20originally,coin%20in%20the%20Arabian%20world.
https://destinationksa.com/10-facts-about-the-saudi-riyal-that-you-probably-didnt-know-about/
https://www.arabnews.com/node/284561
https://www.etymonline.com/word/dollar#etymonline_v_13908
https://en.wikipedia.org/wiki/Spanish_dollar
https://en.wikipedia.org/wiki/Saudi_riyal
https://en.wikipedia.org/wiki/Piastre
https://www.iwm.org.uk/collections/item/object/30057921
https://www.silverinvestingguide.com/maria-theresa-taler.html
https://archive.aramcoworld.com/issue/200301/tales.of.a.thaler.htm
https://www.coincommunity.com/forum/topic.asp?TOPIC_ID=139072&whichpage=14&SearchTerms=modern,maria,theresa,thaler
https://en.wikipedia.org/wiki/Slavery_in_Ethiopia
http://anglicanhistory.org/africa/stern_missionary1868/
https://www.leftovercurrency.com/exchange/jordanian-dinars/jordanian-dinar-coins/1-qirsh-coin-jordan/
https://commons.wikimedia.org/wiki/File:Emperor_Tewodros_II_Confronts_Missionary_Henry_Stern.jpg
https://commons.wikimedia.org/wiki/File:Lebanese_Fifty_Piasters.jpg

A Silver Legend : The Story of the Maria Theresa Thaler – Clara Semple