ሞጎተ ብሜላ

ብብልሒን ስልጡንን ሙጒት ንግበር
ስነ-ሙጒት (logic) ማለት ወይ ትርጉሙ ብስነ-ፍልጠታዊ መገድን ብልሓትን ዝኸይድ ርትዓዊ ሞጎተ’ዩ። እዚ ብጥበባዊን ብስሩዕን ዝተቐመጠ ኣታሓሳስባ’ዚ ካብ ጥንቲ እተን ናይ ዓለምና ጥንታውያን ስልጣኔታት ዝበሃላ ከም በዓል ቻይና፡ ህንዲ፡ ኢራንን፡ ግሪኽን ዘጽንዕዎ ዝነበሩ ዓውዲ ፍልጠት ኮይኑ ኣብ መጨረሽትኡ ግን ግሪኻዊ ሊቅ ኣሪስቶትል ጥሙርን ውድብን መልክዕን ኣትሒዙ ሓደ ኣካል ናይ ስነ-ልቦና (philosophy) ጌሩዎ። ብድሕሪኡ እቲ ፍሉጥ ናይ ማእከላይ ምብራቕ (ደማስቆ) ሊቅን ፈላስፋን ኣቡ ናስር መሓመድ ቢን መሓመድ ፈራቢ (ብ ኣል-ፈራቢ ዝፍለጥ) ናብ ክልተ ምድባት መቐሎ፥- ሓሳባትን መርትዖን (idea and proof)። ብድሕሪዚ ብምቕጻል ኣቡ-ዓሊ ሲና (እቲ ውሩይ ብ ኢብን-ሲና ዝፍለጥን ናይ ኩሉ ዓውደ-ፍልጠታት ዝትንኪ 450 መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን ናይ ዓስራይ ክፍለ-ዘመና ሊቅ) ነቲ ተዳኺሙ ዝነበረ መጽናዕቲ ስነ-ሙጒት እንደገና ዳግማይ ብምብርባርን ብምትሳእን ነቲ ኣብ ሞንጎ ስነ-ልቦናዊ ኣምራት ማለት ጊዝያዊ ዓለማውነትን (ምድራውነትን) ኣመቱን (temporals and the implications) ዘሎ ዝምድና ኣማዕበለ። ኣብዚ ኢብን-ሲና “ጊዝያውነት” ክብል እንከሎ ብጥልቕን ርቕቕን ዝበለ ብዛዕባ ‘ክኔው-ነገራውነት’ ወይ ብዛዕባ ሜታፊዚካዊ ዝምድና ዝድህስስ ኮይኑ ብዛዕባ ‘ፍልጠት’ ወይ “ዒልም” ጊዝያውነቱን ወይ ኣብ ግዝያውያንን ምድራውያንን ብ 5 ህዋሳት ናይ ሰብ ዝምዝገብን ወይውን ካብኡ ተመስሪቱ ዝብገስ ግዝያዊ ፍልጠትን በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ካብ ‘ኣላህ’ ዝምንጩ መለኮታውን ኣድማሳውን ፍልጠትን ብናይ ጊዜ ሓጹራት ዘይቅየድ ዘልኣለማዊ ፍልጠትን እዩ። እዚ ሓደ ሸነኹ ኮይኑ ኣብ ምኽኑይ ሙጒት ብጥበብ እትሃንጸሉ እዋን እቲ ናቱ ተዛማዲ ሓቅታት ግዝያውነት ዘመልክት ሙጒት ክህልዎ ይኽእል ወይ ድማ በንጻሩ ዘልኣለማዊ ኣድማሳዊ ዝኾነ ርትዓዊ ሙጒት ክኸውን ይኽእል። ብዝኾነ ብሓፈሻ ኣብዚ ናይ ስነ-ሙጒት ዝተገብረ ቀጻሊ ምዕባሌታት ካብ ምብራቕ እውን ብናይ ቡዲስትን ጄይንስን እምነታት ሳዓብቲ ተወሳኺ ምዕባለታት ተነበረሉ።

ብሓፈሻ ስነ-ሙጒት ኣስፍሕ ኣቢልና እንተገሊጽናዮ ብርትዓዊ መገዲ ምርኩስ ዝኾኑኻ ኣምራት ወይ ብህለታት ኣዋዲድካ ኣብ ጽኑዕ መርገጺ ወይ መደምደምታ ምብጻሕ እዩ። እዚ ብስእላዊ ምሳሌ እንተገሊጽናዮ ከም ንላዕሊ ዘደየቡኻ ደረጃታት መሳልል ማለት እዩ ምኽንያቱ ደረጃታት መሳልል እንተደልዲሉ ኣብ ጽኑዕ ጫፍ ወይ መደብ ክትረግጽ ትኽእል በንጻሩ ግን ደረጃታትካ ድኹም ወይ ሰንኮፍ እንተኾይኑ ዋላ ላዕሊ እንተወጻእካ ድልዱል መደብ ኣይህልወካን። ስለዚ ተሪር ምኽኑያዊ ነጥብታት ምቕራብ ናብ ተሪርን ርጡብን መደምደምታ ከብጻሓካ ይኽእል። ብዝኾነ ናብ ኣርእስትና ንምምላስ መሰረት ስነ-ሙጒት ምርታዕነት (reasoning) ስለዝኾነ ኣብ ሰለስተ ይኽፈል፥- ልቀታዊ ምርታዕነት፡ ግምታዊ ምርታዕነትን፡ ጽምቆታዊ ምርታዕነትን (inductive reasoning, abductive reasoning and deductive reasoning)።

ልቀታዊ ምርታዕነት ወይ ሙጒት ክበሃል እንከሎ ሙጒት ኣብ እትገብረሉ ነጥብታትካ ተንብር እሞ ብኡኡ መሰረት ንዕኡ ምርኩስ ጌርካ እቲ ክኸውን ዝኽእል ሰፊሕ ወይ ርሒብ መደምደምታ ትገልጽ። ኣብዚ ቀንዲ ኣምር ኣቲ መደምደምታ  ስጡም ወይ ርጡብ ዘይኮነ “ተኽእሎነት” የመልክት።  ብናይ ቀደም ልማዳዊ ኣበሃህላ እዚ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ይድይብ – ማለት ካብ ጽቡብ ኣምር ናብ ብኣልማማ ኩሉ ዝጠምር ርሒብ መደምደምታ ይዓርግ። ንኣብነት ናይዚ ክንህብ እንተዄንና፥-

መሓሪ መምህር እዩ።
ኩሎም መማሃራን ሕያዎት እዮም።
ስለዚ መሓሪ ሕያዋይ ምዃኑ ክንግምት ንኽእል።

ኣብዚ መሓሪ ናይ በሓቂ ሕያዋይ ክኸውንን ከይከውንን ኣይንፈልጥን ኢና። ግን ብመሰረት ዘንጸፍናዮ ክልተ ቀዳሞት ነጥብታት ምርኩስ ጌርና ናብ ግምታዊ መደምደምታ ንበጽሕ ኣሎና። ስለዚ ልቀታዊ ሙጒት ናይ ምናልባት ወይ ክኸውን ዝኽእል ተኽእሎ የመልክትን ናብ ዝሰፍሔ ኩሉ ዚሓቁፍ መደምደምታ ይበጽሕ። ደረጃ ሓቅነቱ ምሉእ ብሙሉእ ዋሕስ የብሉን ክሳብ እቲ ሰብ ብግብሪ ብኣካል ረኺብና ናይ ብሓቂ ሕያውነቱ ነረጋግጽ።

ናብ ግምታዊ ምርታዕነት ወይ ሙጒት እንተመጺና ኻኣ እዚ ካብ ዝተዋህበካ መደምደምታ ወይ ኩነት ተበጊስካ ናቱ ጠንቂ ወይ ምኽንያት ክትነግር እንኮለኻ እዩ። ስለዚ ኣብ መስመር ወይ ኣሳጉማ ሙጒት እንተሪኢና ኣዚ ናብ ኣንጻር ገጹ እዩ ዝኸይድ (ወይ ነንጻር ገጽና ንምርሽ)፣ ክንዲ ካብ ጠንቂ ናብ መደምደምታ ዝኸይድ፡ ካብ ዘሎ ህሉው ተጨባጢታት ተሞርኲስካ ናብ ናቱ ጠንቂ ብሓሳብ ትወርድ። ንኣብነት፥-

ግራጫ ዝሕብሮም ሓራምዝ ጥራይ ትርኢ። (ተጨባጢ)
‘ኩሎም ግራጫ እምበር ካልእ ሕብሮም ሓራምዝ ስለዘየለዉ ማለት ኢዩ’ ትብል። (ምኽንያት ወይ ጠንቂ ኣብ ኣእምሮኻ ግምት ወሲድካ ትገልጾ)

እዚ ብዝያዳ ኣብ መዓልታዊ ሂወትና እንጥቀመሉ ናይ ኣተሓሳስባ ምድያብ-ምውራድ (inference) እዩ። ንሓደ ነገር ወይ ተርእዮ ትዕዘብ እሞ ኣኻሊ ሓበሬታ ኣብ ዘይብልካ ብግምት ጠንቁ ትውስን። ብዝያዳ ግን እዚ እቲ ቀንዲ እምነ-ኩርናዕ ናይ ሳይንስ ምዃኑ ይንገረሉ ምኽንያቱ ተጨባጢ ተዓዚብካ ንዕዑ ክገልጽን ምኽንያት ክኸውንን ዝኽእል ጽንሰ-ሓሳብ (hypothesis) ምፍላቕ ናይ ሳይንስ መሰረታዊ ስራሕ ስለዝኾነ። ሳይንስ ነዚ ጽንሰ-ሓሳብ ኣፍሊቑ ደሓር ብስሩዕን ክዕቀን ብዝኽእልን ኣገባብ ፈተነ (experimentation) ጌሩ የረጋግጾ። ብተማሳሳሊ ካልኦት ከም ኣርኪኦሎጂስትስ፡ ስነ-ቑጠባውያን፡ ሃይማኖታውያን፡ ወዘተ ግምታዊ ሙጒት ምንጪ ወይ መበቆል ህሉው ተጨባጥታት፡ ቅርስታትን ናይ ዓለምናን ተርእዮ ገሚቶም ንምግላጽ ይጥቀሙሉ

እቲ ሳልሳይ ጽምቆታዊ ምርታዕነት (Deductive Reasoning) – ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝወርድ ሙጒት ኮይኑ ዝያዳ ሓቅን ዝያዳ ርጡብነትን ዝጠልብ ኮይኑ ካብ ገፊሕ ኣምር ናብ ቅርጡው ጸቢብ መደምደምታ ዝዓልብ ናይ ሓሳብ ውርርድ እዩ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ ነቲ ምርኩስ ብህለታት ወይ ዘዋደድካዮ ናይ መርትዖ ኣምራት ኣካቲቱን ኣሳሲሩን ናብ ሓደ ርጡብ መደምደምታ ይበጽሕ። ጽምቆታዊ ሙጒት ምስቲ ልቀታዊ ሙግቲ ብኣምር ይጻረር። ጽምቆታዊ ሙጒት ሓደ ካብቲ ምርኩስ ብህለታቱ ሓሶት እንተኾይኑ መደምደምታኡ እውን ሓሶት ይኸውን። ሙሉእ ርጡብን ስጡምን ሙጒት ክኸውን እቲ ደገፍቲ ብህለታት ሓቂ ኮይኑ እቲ ካብኡ ዝወርድ መደምደምታ እውን ሓቂ ክኸውን ኣለዎ። ኣቦ ናይዚ ስነ-ሙጒት እዚ ግሪኻዊ ፈላስፋ ኣሪስቶትል ስለዝኾነ ንመረዳእቲ ኢሉ ባዕሉ ኣሪስቶትል ዝሃቦ ኣብነት ንጥቀስ፥-

ኩሎም ሰብኡት መወቲ እዮም።
ሶክራትስ ሰብኣይ እዩ።
ስለዚ ሶክራትስ መዋቲ እዩ።

ኣብዚ ከም እንሪኦ ካብ ገፊሕ ኣርእስቲ ማለት “ኩሎም ሰብኡት” ዝብል ናብ ሓደ “ሶክራትስ” ዝበሃል ሰብኣይ ጸቢብ ኣርእስቲ ብመደምደምታ ወሪድና። እሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ቀዳማይን ካልኣይን ደጋፊ ብህለታት ክልቲኡ ሓቅነቱ ሓልዩ ነቲ ዝስዕብ መደምደምታ ጽኑዕን ርጡብን መርትዖ ኮይኑ ድልዱልን ሓቅነት ዝሓዘን መደምደምታ ከምዝኸውን ጌሩዎ። ኣብ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ሙሉእ-ሓሳባት ብዛዕባ ሞት መፋጥርቲ ሰብኡት ኩሎም ምዃኑ ይገልጽ – ሓቂ። ኣብ ካልኣይ ሙሉእ-ሓሳባት ሶክራትስ ኣባል ናይ’ዞም ጉጅለ ሰብኡት ምዃኑ ይገልጽ – ሓቂ። ኣብ መደምደምታ ድማ ኣባሎም ብምኹኑ እቲ መፋጥርቶም ዝኾነ ሞት ንዕኡ’ውን መፋጥርቱ (ወይ ተኻፋሊ እቲ ዕጫ) ምዃኑ ይገልጽ – ሓቂ።

ብዝኾነ ኩሉ ኣርእስትታት ናይ ስነ-ሙጒት ኣዕሚቕካን ኣስፊሕካን ምግላጽ ብዙሕ ቴክኒካዊ ኣምራትን ትርጉሙን ዝሓትት ስለዝኾነን ንዝያዳ ዕምቆት ብዝገፍሔ ኣብ መጽሓፍ ጥራይ ክግለጽ ስለዝካኣልን፡ ነዚ ሓፈሻዊ ድሕረ-ባይታ ናይ ስነ-ሙጒት ኣብዚ ኣኽቲምና ናብቲ ፍዂስ ዝበለ ንዓና ኣብ መዓልታዊ ሂወትና ዘገድሰናን ዘድልየናን ተግባራዊ ኣምራት ነተኲር።

ሰንኮፋት ስነ-ሙጒት (Logical Fallacies)
1) “ናብ ሰብ ዘቕነዐ ሙጒት” (Argumentum Ad Hominem) – እዚ ማለት ምስ ሰብ ኣብ እትማጎተሉ ጊዜ ኣክንዲ ነቲ እቲ ሰብ ዝማጎተሉ ዘሎ “ነጥቢ”፡ ዓንደ ኣርእስቲ፡ ሓሳብ (ወይ ድኹም ጎድኒታት ናይቲ ሓሳብ) እተጥቅዕ ነቲ ሰብ ብውልቂ ኣብ እተጥቀዓሉ ጊዜ ኣትጥቀሞ ሰንኮፍ ሙጒት እዩ። እቲ ሙጒት ድኹምን ሕማቕን ሙጒት ዝገብሮ ነቲ ሰብ ምጥቃዕካ ጥራይ ዘይኮነ ካብቲ ኣርእስቲ ወጺእካ ኣብ ኣርእስቲ ናይቲ “ሰብ” ምእታውካ እዩ። ናይቲ ሰብ ድሕረ-ባይታ ብዘየገድስ ነቲ ኣርእስቲ ነጺልካ ብስልጡን መገዲ ሓሳብ ብሓሳብ ዘይምክታዕን ዘይምግጣምን እዩ። እዚ ናብ ሰብ ዘቕነነ ሰንኮፍ ሙጒት ኣብ ሰልስተ ይኽፈል
ሀ) ጸርፊ-ሓዘል ወይ ኣጸያፊ ኮይኑ እዚ ብደረጃኡ ዝተሓተ ማለት መታን ነጥቡ ከተስንፍ ነቲ ሰብ ባህርያቱ፥ ኣመሉ፡ መልክዑን ኣተሕሳስብኡን ኣብ እትዘልፈሉ እዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ – “እዛ ንኣረጋውያን መሃይምነት ምጥፋእ ትብል ፈጺመ ኣይኣምነላን እየ።” እንተኢሉካ “እንታይ ኣፍሊጡካ ኣታ ደንቆሮ።” ክትብሎ እንከለኻ እዩ። ኣክንዲ ብዛዕባ ኣድላይነትን ጽቡቕ ጎድኒታት ናይ ምጥፋእ መሃይምነት እትዛረብን እተቕልብን ናብ ካልእ ነገር (ሰብ ምጥቃዕ) ኬድካ።
ለ) ኩነታዊ ማለት ናይቲ ሰብ ህሉው ኩነታት (ዘይተባህለካ) ተምጽእ – ንኣብነት ሓደ ሰብ “ንድኻታት ምርዳእ ጽቡቕ እዩ።” እንተ ኢሉ “ኣይ በዓል’ዚ ኣብ ሓላነት ስለዘለዉ ገለ ሓገዝ እንተመጾም ኢሎም እዮም።” ክትብል እንኮለኻ እዩ። ኣክንዲ ብርትዓዊ መገዲ ድኻ ምርዳእ ከምዘይድሊ ትሟጎት፡ ናይቲ ሰብ ኩነታት ድሕረ-ባይታ ብምጽዋዕ ናብ ዘይማእዝንካ ተምርሕ።
ሐ) “ንስኻ እውን” (tu quoque) ዝብል (“ናቱ ገዲፉስ ናይ ካልኦት” ዘስምዕ ዘረባ) – ንኣብነት ሓደ ሰብ “ሽጋራ ምትካኽ ንጥዕና ጎዳኢን ክንደይ ሽግራትን ኢዩ ዜምጻኣልካ። ስለዚ ማዕዳይ ስምዓኒ ሽጋራ ከይትጅምራ።” እንተኢሉካ ብዛዕባ ኣርእስቲ ሽጋራን ጥዕናን (ወይ ሕማቕን ጽቡቕን ጎድኒታቱ) ኣክንዲ ትዛረብ “እንታይ እዩ እዚ’ኸ ንነብሱ ሽጋራ እንዳሰተየስ ንኻልኦት ከምኡ ዝብል!” ክትብል እንኮለኻ እዩ። ናይቲ ሰብ ኣመል፡ ጠባይ፡ ባህሪ እምነታት ወዘተ እንታይነቱን ትሕዝቱኡን ብዘየገድስ ምስቲ ዝዝረብ ዘሎ ኣርእስቲ ዘተኣሳስር የብሉን – ንሱ ናይ ነብሱ ዝሓዘ ካልእ ዓንደ-ኣርእስቲ ወይ ጉዳይ ኢዩ።

2) ‘ጓል መገዲ’ ምሓዝ ወይ ካብ ኣርእስቲ ምውጻእ (Red Herring)
– ኣብዚ ካብቲ እትዛረበሉ ዘለኻ ኣርእስቲ ወይ ዛዕባ ወጺኻ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ክትኣቱ እንኮለኻ ኢዩ። ስለዚ ኣንፈትካ ቐዪርካ – ወይ ጎደናኻ ሲሒትካ – ብፍላጥ ድዩ ዋላ ብዘይፍላጥ ናብ ካልእ ዘይምልከቶ ዓንደ-ኣርእስቲ ክትኣቱ እንኮለኻ እዩ። ምናልባት ብፍላጥ ካብቲ ንክትከላኸለሉ ብዙሕ ኬጸግመካ ዝኽእል ኣርእስቲ ኮነ ኢልካ ዘሊልካ ናብ ካልእ ናብቲ ብቐሊሉ ከተስንፎ እትኽእል ኣርእስቲ ኣቲኻ ክትከውን ትኽእል። ወይ ድማ ብዘይምስትውዓል ኮብሊልካ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ክትኣቱ ትኽእል። ብዝኾነ እቲ ኾይኑ እቲ – እቲ አተቕርቦ ሙጒት ሰንኮፍ ወይ ስሕተት ኮይኑ ኣሎ ምኽንያዱ ናብ ካልእ ጉዳይ ስለዜእተወካ።

ንኣብነት 1) ሓደ ተማሃራይ ኣብ ፈተና እንዳተፈተነ እንኮሎ መምህሩ ክቐድሕ ይረኽቦ’ሞ ንምንታይ ከምዝቐድሕ ዘሎ እንተሓተቶ። እቲ ተማሃራይ ድማ “እወ ተጋግየ መምህር። ግን ወለደይ እንተሰሚዖም ክቐትሉኒ እዮም! በጃኹም መምህር!” ይብል። ኣብዚ እቲ ተማሃራይ ካብቲ ናይ ምትላል ኣርእስቲ ወጺኡ ናብ ካልእ ናይ ድንጋጸ (መምህር ክድንግጸሉ) ኣርእስቲ ኣትዩ። ኣብነት
2) ኣደ ንጓላ “እዋን ድቃስ’ዩ ሕጂ ትዕግስቲ ጓለይ።” ጓላ ትዕግስቲ “ኣደ – ጻጸ ንውሉዶም ከመይ ጌሮም ይምግብዎም?” ኣደ “እንድዒ ኣይፈለጥኩን እዛ ጓለይ። ሕጂ ያላ ዓይንኺ ሰለም ኣቢልኪ ደቅሲ እዛ ጓለይ።” ጓላ “ግን ኣደ – እቶም ዝተወልዱ ጻጸታት ምስ ጠመዩ ይበኽዩ’ዶኒ?” ኣብዚ እታ ቆልዓ ነዲኣ ካብ ኣርእስቲ ድቃስ ናብ ኣርእስቲ ጻጸታት ኣእትያታ። ኣብነት
3) ኣብ ሓደ ኩባንያ ደሞዝ ክውሰኽ ሙጒት ኣብ ዝግበረሉ ጊዜ እቲ ሓላፊ ንኸይውስኽ ኢሉ “ሓቂ’ዩ 5 ዓመት ሓሊፉ ደሞዝ ኣይወሰኽናን ንሰራሕተኛታትና። ግን ትፈልጥ ብሉጽ ኣቕሓ ከነፍሪ ኣበርቲዕና ኢና ንሰርሕ። ናብ ዓማዊልና ድማ ዝበለጸ ምግልጋል ኣብ ዓማዊል ነበርክት።” ኣብዚ እቲ ሓላፊ ሕቶ ምውሳኽ ናይ ደሞዝ ኮነ ኢሉ ጠውዩ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ባዕባ ፍርያትን ዓማዊልን ጠምዚዙ ወሲዱ እቲ ነገር ናብ ካልእ ጎደና ወይ ዛዕባ ኣእትዩዎ። እዚ ድማ ብናይ ሎጂክ ሳይንስ (science of logic) ወይ ስነ-ሙጒት ጉጉይ ስነ-ሙጒት ወይ ሰንኮፋዊ ሙጒት ኮይኑ ኣሎ።

3) ሞያውያን ወይ ፈላጣት መተርኣስ ጌርካ ዝግበር ሰንኮፍ ሙጒት (Appeal to Authority) – እዚ ብዛዕባ ሓደ ኣርእስቲ ክትሙጒት እንከለኻ እከለ ኢሉዎ እከለ ድማ ብዛዕባኡ ዝተማህረ ፈሊጥ ሞያዊ እዩ ስለዚ እቲ ነገር ሓቂ ክኸውን ኣለዎ ኢልካ ከም መርትዖ ኣቕሪብካ ኣብ መደምደምታ ክትበጽሕ እንኮለኻ ኢዩ። ሰንኮፍ ወይ ዘይሓቂ ክኾነሉ ዝኽእል ምኽንያት ንኣብነት እቲ ፈላጥ ዝበሃል ሰብ ግጉይ ውሳነ ወይ ፍርዲ ከሕልፍ ይኽእል፥ ናይ ብሓቂ ፈላጥ ዘይኮነ ክኸውን ይኽእል፡ ብኣድልዎ ወይ ብረብሓ ዝተጸልወ ክኸውን ይኽእል፡ ዘይቅኑዕ ክኸውን ይኽእል፡ ብናይ ጉጅላዊ ስምዒት ወይ ኣተሓሳስባ ዝተጸልወ ክኸውን ይኽእል፡ ወይ እውን እቲ መካትዒ ነጥቢ ንርእሲኡ ንባዕሎም እቶም ፈላጣት ኣብ ሞንጎኦም ገና ዝካትዕሉ ዘለዉ ኣከራኻሪ ነጥቢ ክኸውን ይኽእል ። ይኹን እምበር እዚ ማለት ግን ዝተረጋገጸን ዝተኣመነሉን ፈላጥ ሰብ እንተኾይኑ እቲ ዝብሎ ነጥቢ ከም ርጡብ መርትዒ እትቕበለሉ ጊዜ ኣሎ – እንታ’ዩ ንኹሉ ምስ ኩነታቱ ትኸዶ ማለት እዩ። ሰንኮፋውነት እዚ ሙጒት ኣብዚ ብኣብነት ንርአ፥-

ቢል፥- ኣነ ከምዝመስለኒ ጥንሲ-ምስዳድ ብስነ-ምግባር ቅቡል እዩ። ምኽንያቱ ብዓይኒ ሓቂ እንተሪኢኻዮ እታ ሰበይቲ ኣብ ጉዳይ ሰውነታ ብዝምልከት ውሳኔ ናይ ምውሳድ መሰል ኣለዋ።
ጄይን፥- ኣይሰማማዓካን ኣብዚ ጭራሽ። ኣብዚ ጉዳይ ዶክተር ጆን ስካም ከም’ዝብሎ ኩነታቱ ብዘየገድስ ጥንሲ ምስዳድ ኩሉ ጊዜ ብስነ-ምግባር ግጉይ እዩ። ዶ/ር ስካም ዝበሎ ትኽክል ክኸውን ኣለዎ ምኽንያቱ ንሱ ብሞያኡ ዝተኣምነሉ ኪኢላ ስለዝኾነ።
ቢል፥- ዶክተር ስካም ዝባሃል ሰሚዔ ኣይፈልጥን። እንታዋይ እዩ?
ጄይን፥- እሱ ዳኣ ብናይ ስራሓቱ ኣብ ፊዚክስ ኖበል ሽልማት ዝተዓወተ እዩ።
ቢል፥- ኣሃ! ብናይ ስነ-ምግባርን ስነ-ጥቅውናን (ethics) ከኒ ትምህርቲ ወሲዱ ድዩ?
ጄይን፥- እንድዒ ኣይፈለጥኩን። ግና ናይ ዓለምና ውሩይ ኪኢላ እዩ። ስለዚ ንሱ ዝበሎ እኣምኖ እየ።

4) አብ ዘይምፍላጥ ወይ ዘይህላዌነት ተጨባጢ መርትዖታት ምጕዝጓዝ (Appeal to Ignorance – argumentum ex silentio) – ኣዚ ኣንታይ ማለት ኣዩ ብዛዕባ ሓደ ነገር ወይ ኣርእስቲ ዘይምፍላጥካ ወይ ድማ መርትዖን ጭብጢን ስለዘየለን ዝኾነ ኣጥሊልካ ዘይምፍላጥካን ከም መሳርሒ ንምጉት ተወሲዱ ጭብጢ ስለዘየለ ኣቲ ሓቂ አንጻር ኣዩ ወይ ኣውን ጭብጢ ስለዝይብልካ ሓሶት ኣዩ ኣቲ ብህለትካ ዝብል ሙጒት ኣዩ። ንኣብነት ንሓደ ሰብ “ደቅ-ሕድርትና ዘይምህላወን ዝነግር ተጨባጢ መርትዖ (ናይ ዘይምህላወን) ስለዘይቕረብካ በንጻሩ አለዋ ማለት እየን።” ኣብ ትብለሉ ወይ ካልእ አብነት – ባዕዳውያን ፍጡራት ካብ አብ ካልኣ ካብ መሬት ዓለምና ሪሒቝ ዘሎ ፕላነት (አብ ጠፈር) ናብ ዓለምና ከምዘይበጽሑና መርትዖ ስለዘይብልካ በንጻሩ ይበጽሑና ማለት ኣዩ። ኢልካ ክትሙጒት ኣንኮለኻ ኣትገብሮ ሰንኮፋዊ ሙግጒት ኣዩ። ነቲ ናቱ መርትዖ ዘይምህላው ነቲ ናትካ ሓቂ ከምዝኾነ ዘስምዕ ጉጉይ ሙጒት ኣዩ። ንስኻውን ናትካ ኣተቕርቦ መርትዖ ክሳብ ዘይሃለወ ናትካ ኣውን ከም ናቱ ዝኾነ ዝፍለጥ ነገር ከምዘየለ ስሒትካዮ ኣለኻ።

5) ስነ-ሞጎት ሓይሊ (Appeal to Force – Argumentum Ad Baculum or the “Might-Makes-Right” Fallacy): አብዚ ንሓደ ሰብ ብሓይሊ ወይ ብታህዲድ ሓባቢልካ ናትካ ውሳነ ወይ መደምደምታ ንኽቕበል ከተገድዶ ኣንከለኻ ኣዩ። ኣቲ ምፍርራሕ ቀጥታዊ ምፍርራሕ ማለት ብዘይብሱል ኣገባብ ዝኸይድ ምፍርራሕ ክኸውን ይኽአል ወይ በቲ ካልኣይ መዳዩ ድማ በንጻሩ ርቕቕ ዝበለ ምፍርራሕን ታህዲድን ክኸውን ይኽአል። ንኣብነት ምስ ሓደ ሰብ ክትዕካ ብዛዕባ 2+2=4 እንተኾይኑ ኣሞ “ናተይ ዝበልክዎ ሓሳብ እንተዘይተቐቢልካ አፍንጫኻ ክሰብረካ ኣየ።” እንተኢልካ አብዚ ቀጥታዊ ምፍርራሕ ትጥቀም አለኻ። እቲ ሽግር ግን ምፍርራሕ ምጥቃምካ መገዱ ዝሰሓተን ምስቲ ዘሎ ሓቅነት ናይቲ ነጥቢ ብዓይኒ ስነ-ሙጒት ዘይተኣሳሰር ምኻኑ ኣዩ (ብዓይኒ ስነ-ሙጒት አብ ወጻኢ ነጥቢ ወይ ምፍርራሕ ዝሓዘለ አርኣስቲ አቲኻ ማለት ኣዩ)። እቲ ካልኣይ ገጹ ማለት ብርቕቕ ዝበለ መገዲ ተፈራርሖ ክበሃል እንከሎ ነቲ እተፈራርሖ ሰብ ብገንዘብ፣ ብንዋት፣ ብሞያን ካልእን መገዲ ጌርካ ከተፈራርሖ ኣንኮለኻ ኢዩ። ንኣብነት ንሓደ ናይ ኩባንያ ኣካያዲ “ባጀት ናይዚ ኩባንያ ብ 10,00 ከም ዝንኪ ግበሮ።” ኢልካ ትነግሮ እሞ ከይኣቢ ኢልካ ኣልግብ ኣቢልካ  “ንምዝኽኻር ቅድሚ ሕጂ ምሳና ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣካየድትና ባጀት ከውርድዎ ስለዘይካኣሉ ኣባሪርናዮም ኢና።” ክትብል እንኮለኻ እዩ። ነቲ ሰብ ተገድዶ ኣለኻ ግን ንሱ ዘይኣንምነሉ ኩነታት ክኸውን ይኽእል – ባጀት ናይቲ ኩባንያ ምዕባይ ምናልባት ጊዝያዊ ወጻኢታት የዛይዶ እምበር ንዝተናውሐ ወይ ዘላቒ እዋን  ግን ጠቓሚን መዕበይኡን ክኸውን ይኽእል። ነዚ ስልቲ ሙጒት እቶም ናይ ጸቕጢ (ተሓለቕቲ) ጉጅለታት lobbyists ንፖለቲከኛታት ኣባላት ባይቶ ሕጊ ሃገር ኣብ ዘርቅቕሉ እዋን፡ (እቶም ተሓለቕቲ) ነቲ ዝውክልዎ ጉጅለ ዝጠቅም ሕጊ ንኸርቅቑ ንምግዳድ ይጥቀሙሉ – ማለት ዝበልናካ እንተይ ጌርካ ናትና አንውክሎ ህዝቢ ኣባል ድምጺ (ንኽትምረጽ ዘውዱቝልካ ቆጽሊ ድምጺ) ወይ ድማ ገንዘብና ኣይትረክብን ኢኻ ኢሎም ከፈራርሕዎም እንከለዉ እዩ። እቲ ዝሓትዎ ጉዳይ በስገዳድን ጸቕጥን ንኽትግበር ናይ ገንዘባዊ፡ ምርጫ ድምጺ፡ ሽመት፡ ማዕርግ ምሃብ ወዘተ ብምጥቃም ዘካይድዎ ቅልጽምካ እትነፍሓሉ ሰንኮፋዊ ሙጕት አዩ።

6) ናይ ብሓቂ ኤርትራዊ ኣይኮነን (No True Scotsman) – ኣብዚ ሙጒት መርገጽ ኣረኣእያኽ ኣብ ኤርትራውያን ከም ብጹኣንን ንጹሃትን ሰባት ኮይኑ ነቲ መርገጽ ናትካ ዘፍርስ ዘረባ እንተመጸካ በቲ ናትካ ባዕላዊ ዝኾነ ጸቢብ ትርጉም ሂብካ ትነጽጎ። ንኣብነት ንስኻ “ካብ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ገበን ዝተዋፈረ ዋላ ሓደ የልቦን።” እንተ ኢልካ ካልኣይ መሟጒትኻ “እንታይ ኮይኖም ዘይህልዉ! ተስፋይ ነጋሲ ኣብ ኤድመንተን (ካናዳ) ብሓምለ 5, 2009 ንሰበይቱ ንሰላማዊት ነጋሲ ቀቲሉ ናብ 10 ዝቖራረጸ ኣሎ፡ ተኽሉ ተስፋሚካኤል መብራህቱ ንሰበይቱ ኣልቻ ፍስሃየ ኪዳነ ኣብ ዊኒፐግ (ካናዳ) ብጥሪ 2012 ቀቲሉ፡ ያሲን መንደር ንሰበይቱ ኣለም ሃይለ ዳሓር’ውን ንነብሱ ኣብ ኣታዋ (ካናዳ) ብታሕሳስ 2014 ቀቲሉ፡ ሙሉጌታ ትርፈ ብሕዳር 25, 2013 ንጓሉ ዳናይት ኪዳነ ብካራ ቀቲሉ ደሓር ንነብሱ ኣብ መኪና ውሽጢ ሓዊ ኣንዲዱ፡ ኣዶናይ ዘካርያስ ኣብ ቶሮንቶ ብ2012 ዓ/ም ንናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ንንግስቲ ስምረት ብካራ ቐቲሉ ኣብ ዳሕራይ ስዒቡ ድማ ንብጸይቲ ዓርኩ ርግኣት ኢሳቕ ግርማይ ቀቲሉ ቆራሪጹ ኣብ ፌስታላት ጌሩ ዝደርበየ ኣሎ፡ ኣብራሃም ዑግባጋብር ኣብ ኣኪያ ስቶር ኣብ ሃገረ ስዊድን ብነሃሰ 10, 2015 ንጓል 55 ዝዕድሜኣ ሰበይቲ ምስ ወዳ ብኻራ ዝቐተለ ኣሎ; ኡሳማ ዓብድልዓዚዝ ፍሊ ኣብ ቶሮንቶ ብመስከረም 27, 2014 ንናሆም ብርሃነ ብካራ ዝቐተ ኣሎ ወዘተረፈ…” ኢሉ ዘረባኻ ውድዓውነትን ሚዛንን ከምዘይብሉ ብመርትዖ ኣሰንዩ እንተቕረበልካ፡ ንስኻ ግን “ኦይ ንበዓል እዚኣቶም ዲኻ! በዓል እዚኣቶም ዳኣ መዓስ ሓቀኛ ኤርትራውያን ኮይኖም።” ኢልካ ትርጉም ሓቀኛ ኤርትራዊ ብናትካ ባዕላዊ (subjective) ኣተሓሳስባ ጸቢብ ትርጉሙ ከምዝኸውንን ናይቶም ዘሕፍሩን ሕማቖም ክትሰምዕ ዘይትደልዮን ዘየካተተ ትገብሮ ባዕልኻ – ኩሉ ኤርትራዊ ማለት ንጹህ ከም ፊላጦስ ጌርካ ትቕይሮ። ብሓጺሩ ነቶም እትደልዮም ጸጽብቑ ክኾነልካ ጥራይ ኣእቲካ ትርጉም ናይ ሓቀኛ ኤርትራዊነት ናትካ ሂብካ ተዘንብዖ ኣለኻ። ኤርትራዊ ኣብ ገበንን ክፉእ ነገርን ይዋፈር ኣይዋፈር ኤርትራዊ ምዃኑ ኣይቅይሮን። በዚ መሰረት እተቕርቦ ሙጒት ተጨባጢ ዘይብሉ ሰንኮፋዊ ናይ ስሕተት ሙጒት ይኸውን።

7) ህዉኽ መደምደምታ (Hasty Generalization) – አዚ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ቅድሚ ዝኣክል ውህሉል መርትዖን ሓበሬታን ቅድሚ ምርካብካ ናብ መደምደምታ ብታህዋኽ ክትበጽሕ ወይ ክትነጥር አንኮለኻ ኢዩ። ንኣብነት “ይርዳአኒ አሎ አዛ አንወስዳ ‘ኮርስ’ ዋላ አኳ ፋልማይ መዓልትና አብ ክፍልና አንተኾነ፡ ኣሰልቻዊት ክትክውን ኢያ።” ኢልካ ናትካ ባዕላዊ ግምገማ ክትወስድ አንኮለኻ ኢዩ። አዚ ግን ጉጉይ አዩ ምኽንያቱ ናይቲ እትወስዶ ኮርስ ወይ ዓውዲ-ትምህርቲ አብ ክንዲ አብታ ፋልመይቲ መዓልቲ ጥራይ አትግምግም ብውድዓዊ (objective) መገዲ ክትግምግም አንተዄንካ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ሃለኽለኽ ምዃኑ ተረዲአካ ንብዙሕ መዓልታት አብ ክፍሊ ክትመጽአ አለካ፡ አትማሃረሉ መጽሓፍ ክትምርምርን ከተንብብን አለካ፡ ምስ መምህርካ (ፕሮፈሰር) ክትዘራረብን ክትማኸርን አለካ፡ ምስ ካልኦት ነቲ ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተማሃርዎ ተማሃሮ አውን ክትመያየጥ አለካ መታን ናብ ርትዓዊ ዝኮነ መደምደምታ ንኽትበጽሕ።

8) ሸታሕታሖ ቍልቍለት (ኣፍንጫ ግመል) ሙጒት (Slippery Slope) – አብዚ አተሓሳስባኻ ካብ ‘ሀ’ ክሳብ ‘ፐ’ ሰንሰለት ሒዙ ዝኸይድ ቅደም-ተኸተላዊ ዓይነት ግጕይ አተሓሕስባ ኮይኑ ናብ ዘየድሊ ዘይውድዓዊ መደምደምታ ዘብጸሓካ ናይ ሓሳብ ሸታሕታ ኢዩ።

ንኣብነት 1) ንዓርክኻ “ትም ኢልካ ንሰበይትኻ ንዕቍብን ንኽዳናን ኢልካ ገንዘብ አንተሂባያ፡ ጽባሕ ንግሆ ዋላ ክሻ ገንዘብ’ውን ኣይኣኽለካን አዩ።” ክንብል አንኮለና ኣብዚ ካብ ሓደ ደቂቕ ወይ ፈኵስ ነገር ብሰንሰለታዊ ዝኸይድ ናይ ሳዕቤን መገዲ ናብ ሓደ ዓቢ ሚዛኑ ዘይሓለወ ዝተጋነነ ውጽኢት ብጸድፊ ንበጽሕ ኣለና። ስለዚ ኣብዚ ተራ ናይ ሙጉት ተርትኡ ሓልዩ ደረጃ ብደረጃ ናብ ምኽኑይ መደምደምታ ክንዲ ዝዓልብ ኣብኡ እንከሎ ክንደይ ኣብ ሞንጎ ዘለዉ ነጥቢታት ወይ ደረጃታት ብጉያ ረጋጊጹ ሰጊሩ ናብ መወዳእታ ውሳነ ይኣቱ። በዚ ድማ ዝተጋነነ ወይ ካብ ክውንነት ዝራሓቐ ምውራድ ሓሳባት ወዲ ሰብ ይኸውን። እዚ ከምዚ ዓይነት ሙጒት ብሓጺሩ ንሓደ ሰብ ሓደ ነገር ንከይገብር ንምፍርራሑ እንግልገለሉ ዓይነት ኢዩ። እቲ ሙጒት ካብ ሓደ ደረጃ ናብ ካልእ ዘየድሊ ደረጃ ነጥቢ ሒዙ  እንዳንከራረወ ጻሕ ኣቢሉ ዝወድቕ ዓይነት ሙጒት ኢዩ።
ኣብነት 2) ሓደ ሰብ ሽጋራ እንተጀሚሩ፡ ወልፊ ይተሓዝ። ወልፊ እንተ ተታሒዙ ድማ ፡ ነዊሕ ከይጸንሔ ናብ ዕጸ-ፋርስ ይሰግር። ናብ ዕጸ-ፋርስ እንተሰጊሩ ድማ፡ ተወሊፉ ገንዘብ መግዝኢኡ ክረክብ ላዕሊ ታሕትን ይብል። ገንዘብ ክውሕዶ እንተጀመረ ድማ፡ ነዊሕ ከይጸንሔ  ክሰርቕ ይጅምር። ምስራቕ እንተጀሚሩ ድማ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ንገንዘብ ክብል ሰብ ምቕታል ይጅምር። ኣብዚ ከም እንዕዘቦ ከም ናይ ሙጒት ሰንሰለት መስመር ሒዝና መትሓዚ ዘይብልና እንዳንከራረና እንዳንከራረና ናብ ዘይድለ ነገር በጺሕና።

9) ‘ድሕሪ አዚ፡ ስለዚ ብሰንኪ አዚ’ ሙጉት (Post hoc ergo propter hoc) – ኣብዚ ኣተሓሳስባ አዚ ሓደ ፍጻሜ ‘ለ’ ካብ ኣቐዲሙ ዝተኸሰተ ፍጻሜ ‘ሀ’ ስዒቡ ስለዝመጸ፡ ፍጻሜ ‘ለ’ ንኽኽሰት ጠንቂኡ ፍጽሜ ‘ሀ’ ኢዩ ዝብል ግጒይ ኣተሓሳስባ ኢዩ። ብኻልአ አበሃህላ ኣቲ ቀዳማይ ዝመጸ ነገር ነቲ ስዒቡ ዝመጸ ጉዳይ ጠንቂ መበገሲኡ ኢዩ ዝብል አተሓሳስባ ኢዩ። ስለዚ:-

‘ሀ’ ተኸሲቱ፡ ብድሕሪኡ ‘ለ’ ተኸሲቱ።
ስለዚ ‘ሀ’ ጠንቂ ናይ ‘ለ’ አዩ።

ንኣብነት፡- 1) ኣርሓ ደርሆ ወጋሕታ ቀቅድሚ ጸሓይ ምውጻኣ ይንቍ። ስለዚ ጸሓይ ንኽትወጽአ ጠንቂ (ምኽንያት) ኣርሓ ደርሆ አዩ።
2) “ናይ ጎማ (ዕሹግ) ማይ ሰትየ ኔረ። ከብደይ የሕመኒ’ሎ ሕጂ።” አብዚ ኣቲ ተዛራባይ ጠንቂ ሕማሙ ብናይ ጊዜ ቅደም-ተኸተል ተሞርኪሱ ማይ ከምዝኾነ ይገልጽ አሎ። ኣቲ ጠንቂ ግን ኣብ ዝሓለፈ ምሸት ዝበልዖ ዝቐነየ ዝተበከለ/ዘይበሰለ መግቢ፡ ካብ ሕዱር ሰዓል/ረስኒ፡ ብሰንኪ ወጥሪ ወይ ጭንቀት፡ ብሳዕቤን ናይ ንኻልአ ሕማም ኢልካ ዝወስድካዮ ከኒና ወይ አውን ብሰንኪ ከሚካላዊ ብከላ አየርን ከባቢን ክኸውን ይኽአል። ብሓጺሩ ብዘይጭቡጥ መርትዖ ኣቲ ጠንቂ ማይ ድዩ ዋላ ካልአ ክፍለጥ ስለዘይካአል ግጉይ ዝኾነ ሙጒት የቕርብ አሎ።

10) ‘ወይ ጻዕዳ ወይ ጸሊም’ – ‘ሓዲኡ ወይ አዚ ወይ አቲ’ ሙጕት (False Dilemma) – አብዚ ነቲ ጉዳይ አዚኻ ብምቕላል ንብዙሕ አማራጺታት ወይ ጎድንታት ክህልዎ ዝኽአል ነገር አቕሊልካ ናብ ክልተኣዊ አማራጺታት ወይ ጎድንታት ጥራይ አብ አተውርደሉ ጊዜ አዩ።

ንኣብነት 1) ንሓደ ሰብ ወይ ‘ምሳይ ኢኻ ወይ አንጻረይ ክትከውን አለካ’ ብምባል ነቲ ጉዳይ አብ ዝንቡዕ ግምገማ ተውርዶ አለኻ።
ኣብነት 2) ‘ንመንግስቲ ኤርትራ ትቃወም ዘለኻ ወይ ናይ ወያነ ልኡኽ ኢኻ ወይ ድማ ናይ ሲ-ኣይ-ኤ መሳርሒ ስለዝኾንካ ኢኻ።’
ኣብነት 3) ‘ሓደ ሰብ ወይ ሕያዋይ ኢዩ ወይ ድማ በዓል አከይ አዩ።’
ኣብነት 4) ‘ወይ ሰሪቕካዮ ኣለኻ ወይ  ኣጥፊኣካዮ አለኻ ሓዲኡ’ ወዘተረፈ…..

ኣናበልካ ብርቕቕ ዝበለ ካልኣ ጎድንታቱ ክንዲ ትርኢ ነቲ ነገር ከም ክንቲት ከተፍኵሶ አንኮለኻን ‘ወይ ብርሃን ቀትሪ ወይ ጸላም ለይቲ’ ጥራይ ዝዓይነቱ ጎዶሎ ክልተኣዊ አረኣእያ ጥራይ ዘለዎ ሙጒት  አዩ።

11) ኣብ መበቆላውነት ዝተጎዝጎዘ ሙጕት (Genetic Fallacy) – አዚ ንሓደ ነገር አክንዲ ብናይ ገዛአ ርአሱ ወይ ናይ ነብሱ ብቕዓት አብቲ መበቆላውነቱ ወይ ምንጪ መበቆሉ ጥራይ ተሞርኪስካ ክትቅበሎ ወይ ድማ በንጻሩ ክትነጽጎ አንከለኻ ኢዩ። አብዚ አቲ ሙጕት መስመር ስሒቱ ናብ ካልአ ናይ መበቆል ዓንደ ኣርአስቲ ስለዝኸደ ሰንኮፍ ሙጕት ኮይኑ ወይ ኣብ ዘይተባህሎ ጉዳይ ወይ ዛዕባ አትዩ ኣሎ ማለት አዩ።

ንአብነት 1) “አዚ ሕጂ ናይ ጀርመን መራሒ ዘሎ ቀደም ወዲ 3 ዓመት አንከሎ አብ ናይ ሂትለር ዝመስረቶ ‘ማሕበር መንአሰያት’ አባል ኔሩ። ስለዚ አዚ ናይ ‘ምምሕያሽ መደብ’ ኢሉ ዘቕርቦ ዘሎ ገለ ዝተጠጅአ ፋሽሽታዊ ኣጀንዳ ክህልዎ ኣለዎ።” ዝብል።
2) “ተወልደ ባካሮ ቀደም ዕዋላን ሰኽራንን ኢዩ ኔሩ። ስለዚ ሕጂ ንዲሞክራስያዊ መሪሕነት ዝበቅዕ አይኮነን።”
3) “ኢሰያስ ኣፎርቂ ወለዶኡ ካብ ትግራይ (ዓጋመ) ስለዝኾነ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ መጀምርያኡ ንኸጥፍእ ዝተዓጥቀ ኣርዮስ መራሒ ኢዩ።”

ብኻልኣ አበሃህላ ሓደ ሰብ ወይ ነገር መበቆሉ ሕማቕ ኮይኑ ሕጂ ግን ናይ ጽቡቕን ሰናይን ክኸውን ይኽኣል። በንጻሩ ድማ ሓደ ነገር ወይ ሰብ ቀደም መበቆሉ ጽቡቕ ኮይኑ ሕጂ ግን ሕማቕ ክኸውን ይኽኣል። ሓደ ውልቀ-መላኺ ናይ ስልጣን ህርፋንን (ምስ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ምድያብን ድሕሪኡ ተኸቲሉ ምስ ዜምጽኦ ሕማማትን – እዚ ተርእዮ ክሳብ ብእንግሊዛዊ ታሪኸኛ ሎርድ ኣክተን ከም ምስ ምእጓል ወይ ምምሽማሽ ዝተመሰለ ነገር ኢዩ) ካብ ምምላኽ ነብሱ እምበር ዓሌቱን መበቆሉን ዘይግድሶ ክኸውን ይኽእል – ውልቀ-መላኽያን ታሪኽ ከምዝምስክሮ ናይ ቀረባ ኣዝማዶም ከይተረፈ ንስልጣን ክብሉ ዝቐትሉ ሰባት ኢዮም (ሰዳም ሑሴን ንኽልቲኦም ኣሕዋት ኣዝማዱ ኮይኖም ከምኡውን  ሰብኡተን ነተን ክልተ ኣዋልድ ደቁ ረቓድ ሰዳም ሑሴንን ራና ሰዳም ሑሴንን ሰብኡተን – ሑሴን ካምል ኣልመጅድን ሰዳም ካምል ኣልመጅድን ከይተርፈ ወሊዶሙለን ክንሶም ብ1996 ሰዳም ካብ ደቁ ኣፋቲሑ ብኢድ-ኣዙር ከምዝቕተሉ ጌሩ ኢዩ)። ብዝኾነ አቲ ኮይኑ እቲ፡ መበቆላውነት ምስቲ ናይ ሕጂ አትዘራረበሉ ጉዳይ ዘተኣሳስር ጉዳይ የብሉን። ከም ነጥቢ እቲ መበቆላውነት ካልእ ኣርእስቲ ኢዩ፡ እቲ ሕጂ እትዛረቦ ዘለኻ ድማ ካልእ ዝተፈልየ ኣርእስቲ ኢዩ።

12) ምስማም ዒላ (Poisoning the Well) – ኣብዚ ኣቐዲምካ ብዛዕባ ኣቲ መማጕትኻ ሕንዛም ጸለሎ ዝቐብእ ዘረባ ትዛረብ መታን ኣቲ ናቱ ዘረባ ወይ ብህለት ዋጉኡ ክጎድል ምእንቲ ወይ ድማ ሰማዒ እቲ ሰብ ናትካ ብህለት ዝያዳ ክቕበል። ኣዚ ብሓሳብ ምስ እቲ አክንዲ ነቲ ኣርእስቲ ነቲ ሰብ ምጥቃዕ እንብሎ ኣምር (ኣብ ቊ. 1 ዘሎ) ዝመሳሰል ኮይኑ እቲ ዝፍለየሉ ነገር ግን ቅድመ መጥቃዕቲ ብምፍናዉ ነቲ ኩነታት ኣቐዲምካ ክትብውዞ ስለእትፍትን እዩ።

ንኣብነት፦ 1) ‘ኣቶ ካሕሳይ ገንዘብ አጠፋፊኡ ኔሩ። ስለዚ ዝእመን ሰብ አይኮነን።’
2) ‘ኣቶ ብርሃነ አንጻር ብረታዊ ገድሊ ስለዝተዛረበ፡ ዝበለ እንተበለ እሱ ኣንጻር ሃገር ኢዩ።’
3) ‘ወይዘሪት ኣስቴር ካብ ሃገር ሃዲማ ስለዝወጸት፡ ንሃገር ዘርብሕ ፕሮግራም ክተትገብር አይትኽኣልን ኢያ።’ ወዘተረፈ….

እንዳበልካ ነቲ ሰማዒ ህዝቢ ኣቀዲምካ ኣብ አንጻርካ ስሚ ዝኾነ ረሳሕ ማይ ብምድፋእ አሉታዊ ጦብላሕታ ኣብቲ ተዓዛቢ/ሰማዒ ህዝቢ ተሕድረሉ እሞ ሰብ ከይተረድኦ ብቔናን ፍርዲ ተገዚኡ ኣተሓሳስብኡ ከም ዝጥምዘዝ ትገብሮ።

13) ‘ናብ ህዝበይ ዘይጉዝጎዞ’ ሙጕት (Ad Populum – bandwagon fallacy)– አብዚ ንሓደ ብህለት ወይ ሓሳብ ናይ ግድን ሓቂ ክኸውን አለዎ ምኽንያቱ ዝበዝሔ ህዝቢ ስለዝኣምነሉ ክትብል እንኮለኻ ኢዩ። ብሓጺሩ እንታይ እዩ ሓደ ነገር ህዝቢ ስለዝፈተዎ ናይ ግድን ሓቂ ኢዩ ዘስምዕ ዘረባ ኢዩ። እዚ ግን ጉጉይ ዓይነት ሙጕት እዩ ምኽንያቱ ንሓደ ነገር ህዝቢ ስለዝፈተዎ ወይ ስለዝኣመነሉ ሓቂ ኢዩ ማለት ስለዘይኮነ። ንሓደ ነገር ሓቅነቱ ውድዓዊ መርትዖ እምበር ሰብ ድምጺ ብድምጺ ፍትወቱ ወይ ልባዊ ስምዒቱ ናይ ዝገለጸሉ አይኮነን። ዋላ’ኳ ህዝባዊ ድጋፍ ሃልይዎ እሞ ህዝቢ ባሪኹዎ  እንተኾነ ኩነታቱ ብዘየገድስ ሓቅነት ክህልዎ ይኽእል ወይ እውን ግጕይ እምነት ክኸውን ይኽእል።

ንኣብነት፦ 1) ቀደም ዘበን ወዲ ሰብ እዛ ዓለምና መሬት ከባብ ድቡልቡል ዘይኮነት ሰጣሕ ጽፍሒ መሬት ይመስሎ ኔሩ፡። (ጌጋ – መሬት ከባብ ከም ኩዑሶ ምዃና ኮፐርኒከስ ብሳይንሳዊ መርትዖ ይነግር።)
ኣብነት 2) ሰብ ዝሓምም መናፍስቲ ጋኔን ስለዝወርድዎን ዝወርስዎን ናብ ነብሱ ኢዩ ኢሉ ሰብ ይኣምን ኔሩ። (ጌጋ)
ኣብነት 3) መሬት ከም ማእከልነት ናይ ጠፈርን ጸሓይን ካልእ ባእታን ድማ ኣብ ዙርያ መሬት ዝዞሩ (geocentric) ይመስሎ ኔሩ ሰብ (ካብ ጥንቲ ዝነበረ ጌጋ ናይ ህዝቢ እምነት ኮይኑ ደሓር ግን ናይ ማእከላይ ክፍለ-ዘመን ሊቃውንቲ ከም ኮፐርኒከስ፡ ጋሊለዮን ኬፕለርን ብሳይንሳዊ መርትዖ ይኸሽሕዎ — ብፍላይ ኮፐርኒከስ ዓይኑ ብምጥቃም ጥራይ – ብዘይ ቴለስኮውፕ – ማእከልነት ጸሓይ ወይ ኩሉ ባእታ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም ዝዘውር – heliocentric ምዃኑ- ኣረድአ።  (መሬት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ዙረት – 360 ዲግሪ ሸረር ክትብል – 24 ሰዓት ወይ ሓደ መዓልቲ ይወስደላ። ኣብ ዙርያ ጸሓይ ኣብ ጠፈር እንዳንሳፈፈት ዑደት ከተካይድ – ከም ኩዳ ምዂድድ – ግን ዓመት – 365 መዓልታት – ይወስደላ። ኣብ’ዚ ናይ ዑደት መስርሕ ኣብ እተካይደሉ እዋን እቲ ማእዝን ወይ ኣንፈት ናይ መሬትና ኣቃውማ ብሰሜን ገጹ ስያፍ ወይ ብ23.5 ዲግሪ ዘዛዪ (ጎባይ) ስለዝኾነ ኣርባዕቲኡ ወቕታት ይፈራረቑ – ብምኽንያት ናይቲ ሰሜንን ደቡብን ክፋላት ካብ ጸሓይ ምቕራብን ምርሓቕን ብዜጋጥም ተርእዮ ኣብ ጠፈር እንዳተጓዕዘት ዝያዳ ናብ ጸሓይ ምቅላዕን ዘይምቅላዕን ይኽሰት እሞ ወቕትታት ጽድያ፡ ክረምቲ፡ ቀውዒን ሓጋይን ተበራርዮም ይመጹ።)

ስለዚ ኣህዛባት ዓለም ብዙሕ ጉጉይ ልማዳት፡ ኣጉል ባህሊታት፡ እምነታት ወዘተ ክኽተሉ ይኽእሉ ንማለት ኢዩ። ሓደ ሓሳብ ህዝቢ ብብዝሒ ደጊፉዎ ኣይደጊፉዎ ትርጉም የብሉን። እዚ ዓይነት ሰንኮፋዊ ሙጕት’ዚ ምስ ናይ ቻይናውያን ብሂል “ሰለስተ ሰባት ነብሪ ይፈጥሩ።” ዝብል ምስላ ይተኣሳሰር። ከመይሲ ሰለስተ ሰባት ነብሪ ሪኢና ኢሎም እንተውርዮም ሰብ ኩሉ ከም ሓቂ ስለዝቕበሎ።

14) ዓንኬላዊ ሙጒት – ኮለል በል ኮለል በል ሞጎተ (Circular Reasoning) – ኣብዚ ከምቲ ሕጊ ስነ-ሙጕት ዝጠልቦ ማለት መደምደምታኻ ብርጡብ መገዲ ሕቖ ኮይኖም ብዝድግፍዎ እተፈላለዩ መርትዖ-ሓዘል ብህለታት  (ነጥብታት) አዋዲድካ ክንዲ ኣብ ተሪር ውሳነት/መደምደምታ ትበጽሕ፡ እቲ እተቕርቦ ደጋፊ ነጥብኻ ነቲ አብ መደምደምታ ዘሎ ሓሳብ መሊሱ ዝደግም ይኸውን። ብኻልእ ኣበሃህላ ሓደ ሓድሽ ንምኽኑይ መደምደምታኻ ዝድግፍ ተሪር ነጥቢ ዘይብሉ ግን በንጻሩ ብሕቡእ ወይ ብግልጺ ነቲ ኣብቲ መደምደምታ ዘሎ ሓሳብ ዝደግም ጥራይ ወይ ድማ ነቲ መድምደምታ ጥራይ ሓቂ ምኹኑ ዘውክእ ወይ ዘምልክት ኮይኑ ንረኽቦ።

ንኣብነት 1) ማርቲን ሉተር ኪንግ ኪኢላ ተዛራባይ ኢዩ ምኽንያቱ ኣድማዒ ተዛራባይ ስለዝኾነ። አብዚ ‘ኣድማዒ ተዛራባይ ስለዝኾነ’ ምባልካ ነቲ አምር ናይ ዘረባ መንፈዓት ትደግም ኢኻ ዘለኻ እምበር ንዕዑ ሓቅነቱ ዘምስክር ምዅኑይ መርትዖ ኣየቕረብካን። አክንዲ ከምኡ ምባል ‘ንኣብነት ንሱ ፍኹስ ዝበለ ማንም ሰብ ዝርድኦ ቋንቋ ይጥቀም’፡ ‘ክገልጽ እንከሎ መስሓቕ ዛንታታት እንዳሓወሰ ይዛረብ’፡ ‘ከበድቲ ሰብ ዘይርድኦ አምራት መቓቒሉ ብፍኹስ ዝበለ መገዲ የቕርቦም’፡ ‘ጽቡቕ ክብ-ለጠቕታ ናይ ድምጺ ይጥቀም’፡ ‘ዓሚቕ ፍልጠት አብቲ ኣርእስቲ ኣለዎ’፡  ‘ኣብቲ ዘረባ ብስምዒት ብልቡ አትዩ ይዛረብ’፡ ‘ካብ ነጥቡ ከይወጸ ወይ ከይሃውተተ ቀጥ አሲሩ ይዛረብ’ ወዘተረፈ ኢልካ ነቲ ሙጉትካ ዝያዳ ክተትርር ምተገብኤ።
ኣብነት 2) ሽፍትነት ናይ ባሕሪ ጌጋ እዩ ምኽንያቱ ኣንጻር ሕጊ ስለዝኾነ። ኣንጻር ሕጊ ኢዩ ምኽንያቱ ጌጋ ስለዝኾነ። ኣብዚ ኣዕጋቢ መራጎዲ ሓሳብ ከይቀረበ ትም ኢልና ሸንኮለል ንብል ኣለና።

15) ‘ኣባ-ጉምባሕ ቆሊብካስ ዛግራ’ ኣምሰሉ (Straw Man Argument) – ኣብዚ ናይ ካልኣይካ ዝማጎተሉ ዘሎ መርገጺ (ዛዕባ) ቀዪርካን ዘይመልክዑ ሂብካን ወይ ኣጋኒካ ነቲ ዝተጋነነ መልክዕ (ዝለወጥካዮ ነጥቢ) ብቐሊሉ ተጥቅዕ እሞ ነቲ ናይ ሓቂ ኣርእስቲ ከምዘበርዓንካዮ ጌርካ ተቕርብ።

gambia_sling_fowls

እንታይ ማለት ኢዩ፡ ናይቲ መማጒትኻ ነጥቢ ኣሎ (ዛግራ) ንስኻ ድማ ነቲ ናቱ ነጥቢ ዝመስል ዝተጋነነን ዝንቡዑን ኣርእስቲ ፈጢርካ (ኣባ-ጉምባሕ) ንዕዑ ስለ ወንጭፍ ጌርካ ሃሪምካ ስለዘውደቕካ ነቱ ናቱ ናይ ሓቂ ሃሪምካ ከምዘውደቕካ ጌርካ ተቕርብ መታን እቲ ናትካ መርገጺ ክዕወት።

ንኣብነት 1) ብርሃነ ይብል “ብብሽግለታ ምጉዓዝ ኣዝዩ ጠቓሚ ስለዝኾነ ንብሽክለታ ዝኾኑ መሳለጥያታት ከነማዕብል ይግባኣና።” ኢብራሂም ይምልስ “እውይ! ንብሽክለታ ጥራይ ዝተመደበ መስመር ጽርግያ እንተሰሪሕና ዳኣ፡ እዞም ሳይክሊስት ቀዪሕ ሲማፎሮ እንዳጠሓሱን እግረኛታት እንዳወቕዑን ሰብ ኣብ ሓደጋ ከእትዉ እንድዩም። ስለዚ መስመራት ጽርግያ ዘይምስርሑ ይበልጽ።” ኣብዚ ሙጒት ኢብራሂም ነቲ ነገር ኣጋኒኑ ማለት ሒደት ሰባት ሕጊ ከይተኸተሉ ሲማፎሮ ዝጥሕሱ እንከለዉ ከም ኩሎም ኣምሲሉ ነቶም ዝበዝሑ ብሕጊ ዝጓዓዙ ምስቶም ዘይጥዑያት ሰባት ኣብ ሓደ ጀምቢል ኣእትዩዎም። ነቲ ኣርእስቲ ወይ ሓሳብ ድማ ጠማዚዙ ከም ዝተበላሸወ ከምስሎ ፈቲኑ።
ኣብነት 2) ሰሚራን መርየምን ኣብ ክትዕ – ሰሚራ ትብል፦ “ዳሕረዋይ ቀጽሪ ገዛናስ ነጽርዮ። ምኽንያቱ ጎሓፍ መሊኡ” መርየም ብሕርቃን “እምቧዕ! ሙሽ ዝሓለፈ ወርሒ ኣጽሪናዮ! እንታይ ኢኺ መዓልቲ መዓልቲ ነጽርዮ ትብሊ?” ሰሚራ ትምልስ “መዓልቲ መዓልቲ ነጽርዮ ዝብል ቃል ኣይወጸንን። ጎሓፍ ኣብ ርእሲ ርእሲ ዶ ዳ’ኣ ፈቖዱኡ ዛሕ እንተበለ ይሕሸና ኣንቲ መርየም?” ስለዚ ዋላ እኳ መርየም ነቲ ነገር ብዘየድሊ ኣሽሪፋ ወይ ኣጋኒና ‘መዓልቲ መዓልቲ’ ኢላ እንተ ኣጋነነቶ፡ ሰሚራ ዘረባኣ ብምብራህ ነቲ ሙጒት ጉቡእ መስመር ከም ዚሕዝ ጌራቶ።
ኣብነት 3)ውሉድ ነቡኡ“ምስ አዕሩኽተይ ሎሚ ምሸት ሲነማ ክኣቱ ይፍቀድ ድዩ?” ኣቦ “ሎሚስ ኣይትኸይድን ኢኻ ምኽንያቱ ዕዮታትካ ኣይወዳእካዮን ኢኻ ዘለኻ።” ውሉድ “መቸም ምስ ኣዕሩኽተይ ዋላሓንቲ ክሕጎስ ኣይትደልየንን ኢኻ።” ኣቦ “ኣነ እኮ ምስ ኣዕሩኽትኻ በፍጹም ናብ ዝኾነ ቦታ ኣይትኸይድን ኢኻ ዘይበልኩን።” አብዚ’ውን እቲ ውሉድ ዘረባ አቡኡ ጠውዩ ጠዋውዩ ዘይበሎ ብምባል ቀሊል ዒላማ ተረኺቡ ነገር ከኽፍኣ ይፍትን።

16) ብቱኽ ሙጉት (Non Sequitur) – ኣብዚ ንመደምደምታኻ ክድጉፉ ኢልካ እተቕርቦም ብህለታት ወይ ነጥብታት ምስቲ መደምደምታኻ ዘይተኣሳሰርን ዘይራኸቡን ይኾኑ። መደምደምታ ብህለትካ ካብቲ ዓንዲታት ክኾንዎ ኢልካ ዘዋደድካዮም ነጥብታት ተኸቲሉ ዘይቀውም ይኸውን። ብኻልእ ኣበሃህላ እቲ መደምደምታ ካብቲ ክድግፍዎ ኢልካ እተቕርቦም ናይ መርትዖ ሓሳባት ብቱኽ (ዝተበትከ) ይኸውን። በዚ ምኽንያት ወዮም እተቕርቦም ምኽኒታት ከይኣሰረዎ ይተርፉ እሞ ሙጉትካ መትሓዚ ዘይብሉ ፍሹል ኮይኑ ይተርፍ።

ንኣንብነት 1) ‘ደቂ-ሰባት ኣብ ገምገም ባሕሪ ብእግሮም ክኸዱ ደስ ይብሎም። ገማግም ባሕሪታት ሑጻ ኣለዎ። ስለዚ ኣብ ገዛኻ ናይ’ቲ ቤትካ ባይታ ሑጻ እንተኾነ ጽቡቕ ሓሳብ ኢዩ።’ ኣብዚ ነቲ መደምደምታ ክድግፎ ኢልካ ዘቕረብካዮ ነጥቢ ብዛዕባ ሰባት ኣብ ሑጻ ብእግሮም ምኻዶምን ደስ ይብሎም ምዃኑን ምስቲ ናይ ኣብቲ ናይ ቤትካ ባይታ ዘተኣሳስር የብሉን። ብኸምዚ መስስመሩ ዝሰሓተ ሙጉት እንተቐጺልካ ሰባት እውን ኣብ ባሕሪ ምሕምባስ ይፈትዉ ኢዮም ስለዚ ቤትካ ማይ መሊእካ ቀላይ መሐምበሲ ግበሮ ኢዩ ዘስምዕ።
ኣብነት 2) ‘ኣቶ ረዘነ ኣብዚ ከተማና እታ ዝበለጸት ናይ ባህሊ ቤት መግቢ – ቤት መግቢ ሰናይ – ይውንን። ኣብ ጋዜጣ ከይተረፈ ቤት መግቢ ሰናይ ድምጺ ብድምጺ ብምርጫ ብነበብቲ ተዓዋቲት ኮይና ቀዳመይቲ ተባሂላ ኢያ። ስለዚ ዋና ቤት መግቢ ሰናይ ኣቶ ረዘነ ንመራሒ ሃገር ንኽኸውን ጎስጋስ ክገብር ይግባእ።’ ኣብዚ ኣቶ ረዘነ ዋላ’ኳ ባህላዊ ምግቢ ኣብ ምስራሕ ኣዝዩ ንፉዕ እንተኾነ፡ ምስ ንፉዕ መራሒ ሃገር ናይ ምዃን ዘተኣሳስር የብሉን።

17) ተረካብ ኣደራዕ (Scapegoating) – ኣብዚ ንሓደ ጉድለት፡ ጌጋ ወይ ጸገም ነቲ ህሉው ኩነታት ናይ’ቲ ዘሎ ሓቂ ከይራኣኻ ንኻልእ ዘይድለ ሰብ ብሓላፍነት ተሓታቲ ክትገብሮ እንከለኻ ኢዩ። ስለዚ ብዘይግባእ መገዲ ነቲ ሰብ ናይቲ ዜጋጠመ ሽግር ተሰካሚ ኣደራዕ ወይ መነጨሪ ዒላማኻ ክትገብሮ እንከለኻ እዩ – ተረካብ ኣደራዕ ኮይኑ።

ንኣብነት 1) ‘እታ ዓዲ ብህቦብላ ንፋስ ድምጽማጻ ዝጠፍኤት ሓጥያተኛታት ስለዝበዝሑ ኢዮም ኣብታ ከተማ።’ ትብል። ኣብዚ ንናይ ተፈጥሮ ድንገት ነቶም ዋላ ሓደ ኢድ ዘይብሎም ነበርቲ ናይታ ከተማ ከም ተወቀስቲ ወይ ተሓተትቲ ጌርካ ተቐርቦም ኣለኻ።
ኣብነት 2) ‘ልክዕ እዩ እወ ሰትየ ሰኺረ ነታ ኣሳሳዪት ኣብ መዓኮራ ሃሪመያን ኣብ’ቲ መንደቕ ናይ ቤት-መስተ እውን ሽይነ። ግን እንድዒ ሸይጣን ኢዩ ሒዙ ከምኡ ጌሩኒ።’ ኣብዚ ዝወረዶ ሸይጣን ነቲ ባዕልኻ ሰኺርካ ንዝገበርካዮ ጌጋ ኣደራዕ ኣሰኪምካዮ ወይ ንዕዑ ኣላጊብካሉ።
ኣብነት 3) ክልተ ወርሒ ሕማም ዝሓመምኩ እኮ ብሰንኪ እታ ሓሳድ ሰናይት እኮ’ዩ። ቡዳ እያ ኢሎማ።

ኣብዚ ኩሉ ላዕሊ ዘሎ ብዓይኒ ስነ-ሙጉት ቅቡል ዘይኮነ ኣክንዲ ኣብ ተጨባጥን ቀጥታ ምትእስሳር ዘለዎ መርትዖታት እተቕርብ፡ ናትካ ሕርቃንን ጉድለትን ከተውጽእ ኣብ ዘይተኣሳስር ሰብ ተተሓሕዞ ኣለኻ። እዚ ነቲ ሙጒትካ ሰንኮፍ ይገብሮ። ንሱ ጥራይ ከይኣክል ምስ ምትሃታዊን ማሪታውን እምነትን እንዳተሓሓዝካ (ግኡዝ ዘይድህሰስ ነገር) ካብ ዘይተጨባጥነቱ ዝያዳ ኣርሒቕካዮን ነቲ ሙጒት ዘይርትዓውን  ዘይሚዛናዊን ጌርካ ተቚርቦ ኣለኻ።

18) ሓሓሪኻ ኣብ ትዕዝብትኻ (Observation Selection – confirmation bias) – ኣብዚ ናትካ ርኢቶ፡ ጽንሰ-ሓሳብ ወይ እምነት ኣቐዲሙ ይጸንሓካ እሞ ነቲ ካብቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝኽሰት መዓልታዊ ሓበሬታትን ጭብጥታትን ኣኣሪኻን ነቲ ናትካ ሓሳብ ጥራይ ዝድግፍ ወሲድካ ነቲ ካልእ ንሓሳብካ ዝጻረር ዘሎ መርትዖታት ትግልፎ። እዚ ግን ዘይሳይንሳዊን (— ኣብ ሳይንስ እንተኾይኑ ዋላ ነቲ ናይቲ እተቕርቦ ጽንሰ-ሓሳብ ኣንጻሩ ጭብጢታት እንተልዩ ከም ርጡብ ውድዓዊ ሓበሬታ ክትቕበሎምን ንኹሉ ኣወቓቒዕካን ኣናፊኻን ናብቲ ዝወስዱኻ ሓቂ ስለእትኸይድ) መስመሩ ዘይሓለወን እዩ።

ንኣብነት 1) ደጋፊ መንግስቲ ህግደፍ እንተኾይኑ ነቲ ጽጽቡቑ ናይ ህግደፍ መልክዕ (ንፕሮፖጋንዳ ተባሂሉ ዝዝረብ – ጽርግያ ምስራሕ፡ ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ምህናጽ ወዘተ) እንዳምጽኤ ምስቲ ናቱ እምነት ዝኸይድ ሓበሬታ ጥራይ ኣርዩን ለቒሙን የቕርብ። እንተኾነ – እቲ ውድዓዊ ኩነታት ከም ኤለክትሪክ ዘይምህላው፡ ስእነት ናይ ማይን ዜስዕቦ ሪጋን፡ ፍኑውን ዘይውዳእን ወታደራዊ ኣገልግሎት (ንሱ እውን ሃገር ቅዋም ኣብ ዘይብላ ምእዋጁን)፡ 25 ዓመት ኮይኑ ሃገር እዚ ዘይበሃል ደም ምእንቲ ንሉዑላውነታ ዝፈሰሰላ ክንሳ ቅዋምን ወግዓዊ ስሩዕ ሕጊን ዘይምህላዋ፡ ፍትሒ ዘይምህላውን እሱራት ብዘይ መርትዖን ፍርድን ትም ኢልካ ብሃውሪን ምስጢርን ዝዳጎኑላ ሃገር መጻወቲ ሓደ ዲክቴይተር ሰብኣይ ምዃና፡ ወዘተረፈ ነዚ ኩሉ ገሊፎሞ ይሓልፉ። ዋላ እቲ ዚህነጽ ትሕተ-ቕርጺ ከም ጽርግያ፡ መራኸቢ መስመር (telecommunication) ወዘተ መለኽቲ ንኹሉ ክቆጻጽጸሩ ክጥዕሞምን ንኹሉ ክመልክዎን – ንዝያዳ ጸጥታን ውሕስነት ቀጻልነቶምን – ኢሎም ከም ዝሰርሕዎ ኣይግንዘቡን።
ኣብነት 2) ጋዜጠኛታት፡ ፖለቲካዊያን ሃይማኖታውያን ጉጅለታት ነቲ ናቶም ኣርእስቲ ጥራይ ዝምልከትን ዝድግፍን ነገራት እንዳምጽኡ ነቲ ንሓሳቦም ዝጻረር ጎስዮሞ ይሓልፉ።
ኣብነት 3) ሓደ ሓላፊ ስራሕ ንሓደ ኣብ ስርሑ ሰነፍ ዝኾነ ሰራሕተኛ ይቖጽር። ካብ ስንፍንኡ ዝተበገሰ እቶም መሳርሕቱ ዋላ ኣብ ቅድሚ’ቲ ሓላፊ እቲ ክሰርሖ ዝግብኦ ስራሕ ባዕሎም ይሰርሑሉ። እንተኾነ እቲ ሓላፊ ነዚ ኩሉ ኣይርእን ምኽንያቱ እቲ ሰራሕተኛ ኩሉ ጊዜ ብሰዓቱ ስለዝኣቱ።
ኣብነት 4) ቲፎዞ ናይ ሓንቲ ጋንታ ነታ ዝፈትዋ ጋንታ ጥራይ ዝበለጸት ጌሩ ይወስዳ። እንተኾነ ብውድዓዊ ዓይኒ እቲ ኩነታት ካልእ መልክዕ ክህልዎ ይኽእል ምኽንያቱ ኣብ ዓይኑ እቲ ዝሳዓሩዎ ህሞታት ጥራይ ኢዩ ዝራኣዮ። እቲ በቶም ድኹማት ዝበሃሉ ጋንታታት ዝተሳዓሩዎ ኣይረኣዮን።

ስለዚ ብሓፈሻ ኣብቲ ልብና ዘሎ ጥራይ እንዳረኣና ከይተረዳኣና ንኹሉ’ቲ ክጋሃድ ዝኽእል ተቓራኒ ሓቅታት ስለዘይንፈትዎ ወይ ስለዘይንደልዮ ጎጎሲና ከይራኣናዮ ንሓልፍ።

{—–ካብ ኣርእስትና ዝሃውተተ ጭራም ሓበሬታ፥-  ናይ ጀርመን ናዚ ውልቀ-መላኺ ነበር ሂትለር ‘ኣውቶባን’ (Autobahn) ዝበሃል ናይ ጊዜኡ ዝማዕበለ ንዓድታት ዘራኽብ ጽርግያታት ሰሪሑ – ዳሕራይ ኣሜሪካውያን ከይተረፉ ድሕሪ ካልአይ ኵናት ዓለም ንጀርመን ምስ ሓዙ ነዚ ቀዲሖም ሃይወያት Interstate highways ዝሰርሑሉ ኣሎ። ናይ ኣሜሪካ ስርዓት ሃይወያት ወይ ዓድታት ዘለጋግብ ጽርግያታት ብ’ድዋይት ዲ አይዘንሃወር ሃገራዊ ሃይወያት ንመራኻቢ ዓድታትን ንምክልኻል ሃገርን’ ብዝብል ዝስመ ኮይኑ ነዚ መርበብ ሃይወያት ወይ ጽርግያታት ከምዝስራሕ ዝገበሮ እቲ መበል 34 ፕረዚደንት ናይ አሜሪካ ድዋይት ዲ አይዘንሃወር ኢዩ። ምንም’ኳ ሃገራዊ ሃይወያት አቐዲሙ አብ አሜሪካ ብመጠኑ ይስራሕ ኣንተነበረ፡ ፕረዚደንት አይዘንሃወር ነዚ ብዝያዳ ዕቱብነትን ብሓርበኝነትን ዝደፋአሉ ካብ 1956 ንንየው ዘሎ ጊዜ ኢዩ።

ኣይዘንሃወር ገና ብንእስነቱ ወታደራዊ መኮንን እንኮሎ ኣብ ናይ ወታደራዊ ቃፍላይ ኮይኑ ኣብ ሃገሩ ኣሜሪካ ብ1919 እንዳተጓዕዘ አብቲ ነዊሕ ሃገር ዘቋርጽ ጽርግያ ‘ሊንከን’ ኣብ ዝኸዶሉ እዋን ኣድላይነትን ኣገዳስነትን ምዕቡል መራኸቢ መገድታት አብ ሓንጎሉ ጦብላሕታ ኣሕዲሩሉ ነበረ። ብፍላይ ብዛዕባ ወሳንነትን ኣገዳስነትን ጽርግያታት አብ ወታደራዊ ምክልኻል ሃገር (ኣንጻር ዝኾነ ክመጽኣ ዝኽእል ወራር ጸላኢ) ተረዲኡዎ ነበረ። ይኹን እምበር ብዝያዳ ኣይዘንሃወር ዝተመሰጠ ግን በቲ አብ ካልኣይ ኵናት ዓለም አብ ጀርመን ‘ራይሳውቶባን’ (ኣውቶባን ናይ ጀርመን) ዝበሃል ምዕቡል ናይ መጀመርያ መርበብ መላግቦ ሃይወያት ናይ ጀርመን ነበረ። ኣዚ ከም ጠቕላሊ አዛዚ ናይ ሓይልታት ኪዳን ኮይኑ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበረ ጊዜ ዝራኣዮ ጀርመናዊ ሃገራዊ መትንታት ጽርግያ አገዳስነቱ አብ ህጹጽ ወታደራዎ ምጕዕዓዝ ሰራዊት፡ ቀረብ ስንቂ፡ ሎጂስቲክን ብዕቱብን ብዘየወላውልን ተረድኦ። በዚ ዝተላዕለ ኣብ ዳሕራይ ፕረዚደንት ናይ ኣሜሪካ (ካብ 1953 ክሳብ 1961) ምስ ኮነ ብ1956 ነዚ መደብ ኣብ መላእ ሃገረ ኣሜሪካ አበጊሱ ደፋኣሉን ኣብ መጨረሻ ድማ ኣዐወቶን። እዚ ምዕቡል ጽርግያታት ኣብቲ ስዒቡ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም  ዝመጽኤ ‘ዝሑል ኲናት ዓለም’ – ካብ 1947 ክሳብ 1991 ዓ/ም ዝኸደ – ንኣሜሪካ ምስ ናይቲ ሽዑዑ ሕብረት ሶቬት ብወታደራዊ መዳይ ሓያልን ጎብለል ናይ ዓለምናን ከምትኸውን በራ።

ብተመሳሳሊ ኣብቲ ጊዜቲ ከምቲ ሂትለር ዝገበሮ – ናይ ሩስያ ውልቀ-መላኺ ዮሴፍ ስታሊኒ (ናይ 20 ሚልየን ሰባት ሂወት ከምዘህለቐ ዝእመነሉ) ብዘውጽኦ መደባት ንናይ ሽዑ ሕብረት ሶቬት ካብቲ ዝነበረቶ ገባራዊ (ጢሰኛ) ሕብረተ-ሰብ ለዊጡ ናብ ኢንዱስትርያዊን ሓያል ኣብ ወታደራዊትን ከም ትኸውን ጌሩዋ ኢዩ። እሱ ጥራይ ከይኣክል ስታሊኒ ‘ኮሊማ ሃይወይ’ ዝበሃል – ካልኣይ ሳጓ ስም መጸዊዒዑ ‘መገዲ ናይ ኣዕጽምቲ’ ምኽንያቱ ንዑዑ በስገዳድ ክሰርሑ ካብ 1932 ክሳብ 1954 ዓ/ም ዘሎ ጊዜ ብቑሪን ሕማምን ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝሞቱ ናይ ‘ጉላግ’ እስረኝታት ሬሶኦም/ኣዕጽምቶም ኣብቲ ትሕቲ ዝስራሕ ዝነበረ ጽርግያ ምስቲ መሰረት ብሓንሳብ ተጸንቢሩ ይቕበር ስለዝነበረ – 1900 ኪሜ ዝንውሓቱ መገዲ ሰሪሑ ኢዩ። ብከምዚ ተመሳሳሊ ዘይተወድኤ 600 ኪሜ ዝንውሓቱ መገዲ ባቡር ኣብ ሳይበርያ ሳጓ ስሙ ‘ዝኸዶ ዘይፍሉጥ መገዲ ባቡር’ ዝበሃል ሰሪሑ በቶም ውጹዓት ናይ ጉላግ እስረኛታት – እንደገና ብተመሳሳሊ መገዲ ንዕዑ ንኽሰርሕዎ ክንደይ ብቑሪ ሃሊቖም።  ስለዚ መለኽቲ ጽርግያ ይስርሑ ኣይስርሑ ኣየገድስን። ዘገድስ ነቲ እታ ሃገር ዘላቶ ኩነታት ብኹሉ ዝሓቊፍ ስእሊ ምርኣይን ሓቀኛ ሚዛን (perspective) ግንዛቤ አብቲ ጉዳይ ምህላውን እዩ። —–}

19) ጌጋ እንተ ተድግመ ትኽክል ኣይከውንን Two wrongs make a right. – ኣብዚ እቲ ኣምር እንታይ ኢዩ ኣነ ጌጋ እጋገ እሞ እቲ ኣነ ዝተጋገኽዎ ካልእ ሰብ (ምሳይ ዝማጎት) ፈጺሙዎ ወይ ክፍጽሞ ዝኽእል ዓይነት ጌጋ ዋላ እንተኾነ እቲ ጌጋ ሓቂ ወይ ልክዕ ኢዩ ማለት ኣይኮነን። ብጻየይ ከማይ ስለእተጋገየ ወይ ከማይ እቲ ጌጋ ንኽፍጽሞ ተኽእሎ ስለዘለዎ’ሞ ኣነ ሰለዝደገምኩዎ ልክዕ እየ ማለት ኣይኮነን። እቲ ምንታይ ጌጋ ብኻልእ ጌጋ ስለዘይሕጸብ (ርስሓት ማይበላ ማይ ብኻልእ ርስሓት ማይበላ ማይ ኣይትሓጽቦን)። እቲ ጌጋ በብድዓዊ ዓይኒ ጌጋ ኢዩ መን ይግበሮ ወይ ክንደይ ዝብዝሖም (ፈጺሞሞ) ብዘየገድስ።

ንኣብነት 1) ዳኒኤል ብርዒ (ፒሮ) ንክጽሕፈላ ካብ ፍጹም ተለቂሑ። ግን ኣብ ገዛ ምስ ኣተወ ፒሮ ንፍጹም ከምዘይመለሰሉ ይግንዘብ እሞ “ደሓን ፍጹም እውን ናተይ ፒሮ ከምኡ እንተዝወስድ ኣይምመለሰለይን ኔሩ። ስለዚ ኣይመልሰሉን ኢየ።” ይብል።
ኣብነት 2) ኣስቴር ኣስቤዛ ካብ ዱካን ገዚኣ ምስ ወጸት ኣብ መገዲ እንዳኸደት እንኮላ 10 ቅርሺ ጎዶሎ ከም ዝኸፈለቶም ነቶም ሰብ ዱካን ይርዳኣ። ግን ብሓሳባ ገንዘቦም ንኸይትመልሰሎም ትውስን ምኽንያቱ ‘ኣነ’ውን ዝያዳ እንተዝኽፍሎም እኮ ንሶም’ውን ኣይምመለሱለይን ኔሮም።’ ቢላ ስለ እትሓስብ።

ኣብዚ ላዕሊ ዘሎ ኣብነታት እቲ ዝፍጸም ዘሎ ኩሉ ጌጋ ኢዩ ምኽንያቱ ጌጋ ስለእተደግመ ወይ ንኽድገም ብኻልእ ሰብ ተኽእሎ ስለዘሎ ነቲ ጌጋ አየተኻኽሎን ወይ ኣየዐርዮን። ኮይኑ ግን ኣብ ገሊኡ እዋናት ኣሎ ኣቐዲምካ እትወስዶ ስጉምቲ ኣድላይን ቅቡልን ክኸውን ዝኽእል።

ንኣብነት 1) ሳራ ኣብ በረኻ መናፈሻ በይና እንዳጎየየት እንኮላ ኣብራሃም ንኸጥቃዓን ክዕምጻን ናብኣ ገጹ እንተመጸ ነብሳ ክትከላኸል እንተውቓዓቶ ቅቡል ይኸውን። ኣብነት 2) ሓንቲ ሃገር ንሓንቲ ካልእ ሃገርን ክትወርርን ክትጎብጥን ትቀራረብ እንተላ፡ እታ ንኽትውረር ኣብ ሓደጋ ተንጸላልው ዘላ ሃገር ኣቐዲማ ንነብሳ ክትከላኸል ቅድመ-መጥቃዕቲ እንተገበረት ቅቡልን ምኽኑይን ይኸውን።

20) መላጸ ናይ ኦካም (Occam’s Razor) – እዚ ስነ-ሓሳብ እዚ ዋላ’ኳ ካብ ቀደም እንተነበረ ከም ሳይንሳዊ መምርሒ ወይ ሕጊ ኮይኑ ንኽስፍሕፋሕ ምኽንያት ዝኾነ ሓደ ውልቀ-ሰብ ዊልያም በዓል ኦካም (ዊልያም ወዲ ዓዲ ‘ኦካም’ – ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚርከብ ዓዲ) ዝበሃል ምሁሩን ፈላስፋን ዝነበረ አንግሊዛዊ ሰብ ኮይኑ ካብ 1287 ክሳብ 1347 ዓ/ም ዝነብር ዝነበረ ካቶሊካዊ ፈላሲ እዩ። ስለዚ ‘ኦካም’ ዝብል ስም ካብኡ ዝመጸ ወጸውዒ ኮይኑ ብሓፈሻ ‘መላጸ ናይ ኦካም’ ዝብል ስም ናይ ኣብ ሳይንስ እንኽተሎ ኣገባብ መምርሒ ኮይኑ ካልኣይ ስሙ ‘ሕጊ ምጡኑነት’ ተባሂሉ ‘ኣድላይነት ብቂ’ ዝብል ኣምር ዝሓዘለ እዩ። እዚ ከም እምነ-ኩርናዕ ናይ ብፍላይ ኣብ ሳይንስ መጽናዕቲ ንዝዋፈር ሰብ ዚዋሃብ ምኽሪ ኮይኑ ትርጉሙ፦ ኣብ ንሳይንስ ኢልካ እትስንዝሮ ጽንሰ-ሓሳብ ካብ ኩሉ ካልኦት ጽንሰ-ሓሳባት እቲ ዝወሓደ እንተን፡ ግምትን ሕልኽላኻትን ዘለዎ ጽንሰ-ሓሳብ ምረጽ ምኽንያቱ መብዛሕቱ ጊዜ ንሱ ትኽክል ስለዝኾነ። ብሓጺሩ ንምግላጽ ናብ ህውተታን ሃለውለውን ካብ እትኣቱ እቲ ዝቐለለ ሓሳብ ወይ መግለጺ ምረጽ ምኽንያቱ መብዛሕቱ ጊዘ ንሱ እቲ ትኽክልኛን ዘዋጻኣካን መገዲ ስለዝኾነ ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ናይ ‘መላጸ’ ኣምር እንታይ ማለት ኢዩ ንሓደ ብዙሕ ሓንጀ-መንጂ ዘምጽእ ሓሳብ ወይ ኣርእስቲ እቲ ኣርእስትን ጉዳይን ክቐለልካ ምእንቲ መላጸ እናገበርካ እቲ ገፈጥ-መፈጥ ለጻጺኻ ካብቲ ዘድለየካ ኣርእስቲ ወይ ሙጒት ኣወግዶ መታን ተሪር ሓሳብ ክወጻልካ ማለት ኢዩ። ስለዚ ሙጒትካ ቀሊልን ስጡምን ክኾነልካ ሕጊ ኦካም ተኸተል።

ኣብነት 1) ሓሙሽተ ቢራኻ ጨሪምካ መኪና ናይ ኣቦኻ ክትዝውር ትስቀል። እንተኾነ እንዳዘወርካ ስለዝነሃርካ መኪና ሸተት ኢላ ካብ መገዲ ወጽያ ትግልበጠካ። በዚ ዝተላዕለ ነቦኻ ጎባይን ሓንቲ ጎማኣ ዝለመጸ መኪና ሂቡኒ ኢልካ ነቦኻ ትወቅስ ምኽንያቱ ብሓሳብካ “ኣየናይ ቢራታት ዘይሰተና ኢና! ኩሉ ዓለም ዝፈልጠልና!” ትብል። ኣብዚ ሃውቲትካ ኣለኻ ምኽንያቱ ብሕጊ መላጸ ኦካም ‘ሰኺርካ ስለዝነበርካ’ ኢኻ። ኣብነት
ኣብነት 2) ናይ ትምህርቲ ዝወሃበካ ዕዮ-ገዛ ብቐጻሊ ኣይትከታተልን ኣይትሰርሕን። ናይ ፈተና ዝጸሓፍ ወረቐት ምስ ተዋህበካ ድማ ሓደ ለይቲ ቅድሚ ምእካሉ ወዲእካ ንመምህርካ ተረክቦ። ፈተና ውጽኢት እንተራኣኻ ‘C-grade’ ኮይኑ ትረኽቦ። በዚ ኣማሪርካ ዝተዋህበካ ደረጃ ዘይናትካ ከምዝኾነን እቲ መምህርካ ደንቆሮን ዘይፈልጥን ከምዝኾነ ወይ እውን ናባኻ ውልቃዊ ጽልኢ ከምዘለዎ ጌርካ ትግምት። ኣይፋሉን! መላጸ ኦካም ከምዝብሎ ዝጸሓፍካዮ ወረቐት ስራሕ ‘ቦሶሮ ጌርካዮ’ ኣለኻ።
ኣብነት 3) ኮፍ ኢልካ እንኮለኻ ብዛዕባ እትፈትዎ ሃብቶም ዓርክኻ ትሓስብ እሞ ቴለፎን ትድወል። እንተልዓልካያስ ሃብቶም ኮይኑ ይጸንሕ። “ኣርሚሙኒ! እዚ ተኣምራታዊ ናይ ሰማያት ሓይሊ ኢዩ ክልቴና ብናይ መለኮታዊ ወይ ብሓደ ማሪታዊ ሓይሊ ተቛሪንና ኣለና ማለት ኢዩ።” ኢልካ ትሓስብ። ሕራይ ዲንቂ! እሞ እቲ ጉዳይ ናብ መላጸ ኦካም ነቕርቦ። ውሳኔ፦ ወዝቢ ዚኽሰት ኣጋጣሚ’ዩ። ስለምንታይ ትፈትዎ ዓርክኻ ብምዃኑ ቀዳማይ ኣብ መዓልቲ ዓሰርተታት ወይ’ውን መን ይፈልጥ ክሳብ ሚእቲ ጊዜ ብዛዕብኡ ትሓስብ ትኸውን። ካልኣይ ብገምጋም ክልተ ጊዜ ኣብ መዓልቲ ንሱ ይድውለልካ ይኸውን። ሳልሳይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ዓርክኻ ኣብ ናይ ናቱ ሓሳብ ጢሕልካ እንኮለኻ ናይ ምድዋሉ ዓቢ ተኽእሎ ወይ ዕድል ኣሎ።

21) ስምዒት መመዝሚዝካ ሙጒት (Appeal to Emotions – argumentum ad passions) – እዚ ንብዙሕ ንኡሳን-ኣርአስቲ (ከም ፍርሒ፡ ከምጽኦ ዝኽእል ሳዕቤን – ሳዕቤኑ እንተሓሚቑ ከይትቕበሎ – ሳዕቤኑ እንተጸቢቑ ግን ክትቅበሎ፡ ጽልኢ፡ ምንሻው፡ ቅንኢ፡ ሓበን፡ ትምኒትን ውዳሴን) ዝሓቊፍ ግፍሕ ዝበለ ኣምር ኮይኑ ንምሳኻ ዝማጎት ሰብ ኣክንዲ ብመርትዖን ተጨባጢ ሓቂ ሒዝካ እትሙጒት፡ ርጡብ መርትዖ ክትረከብ ስለዘይካኣልካ ስምዒቱ ብምምዝማዝ ጠዋዊኻ ስምዒቱ ከምዝናኸስ ጌርካ ንረብሓኻ ከምዝኸውን ክትገብሮ እንከለኻ ኢዩ። ስለዚ እቲ ኩነታት ኣብ ብውዳዓዊ ዝተመስረተ ተጨባጢታት ሒዙ ናብ ሓቂ ዚበጽሕ ክንዲ ዝኸውን ናብ ንኽትዕወት ኢልካ ጥራይ ስምዒት ሰብ መዝሚዝካ ነገር ምሽውርዋር ይኸውን። ነዚ ብዝምልከት ኣሪስቶትል ኣብ ጽሑፉ Rhetorica ንዝኾነ መደረ ብጥበብ ከቕርብ ንዝደሊ ሰብ ስምዒት ናይ ሰብ ምስርሳርን ምልዕዓልን ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ዝዛረብ። ሓደ መደረኛ ንሰማዕቱ ብስምዒት እንተ ኣላዒልዎምን ሸርሺሩዎምን ንናብቲ ዝደልዮ ነገር ሓባቢሉ ከእትዎም ወይ ውሳነ ከም ዝውስኑ ክገብሮም ኣየሽግሮን ኢዩ ምኽንያቱ ብናይ ኣሪስቶትል ዘረባ ኣብ ህሞት ስምዒታት ናይ ሓጎስ፡ ሓዘን፡ ፍቕሪን ጽልኢን ዘሎ ሰብ ሓንጎሉ ብውዕውዕ ስምዒት ስለእተገዝአ ፍርዲ ኣብቲ ጉዳይ ክህብ እንከሎ ብህዉኽ ክውስን ኣብ ቀረባ ስለዝኾነ ኢዩ (ወይ ዝግን ርግእን ኢልካ ምሕሳብ ስለዘየለ ኢዩ)። ናብ ነጥብና ክንምለስ፡ ብዝኾነ ንመማጒትና ናብ ስምዒት ከነእትዎ እንኮለና እቲ ኣርእስቲ መስመሩ ስሒቱ ስለዝቕየር እቲ ሙጒት ሰንኮፋዊ ሙጒት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ስምዒት መዝሚዝካ ሰብ ምጥባር ኣብ ሬክላም ብብዝሒ ክጥቀሙሉ ንርኢ።

ንኣብነት 1) ማኪንቶሽ ኮምፕዩተር እንተገዚእካ ዝያዳ ዓንተር ክትከውን ኢኻ። ሰብ ክቐንኣልካ ኢዩ ብእተጥርዮ ሓይሊ። “አየወ ከመይ ጽቡቕ ኔሩ ከምኡ እንተንኽወን ንሕና!” እናበሉ ዓይኒ ዓይኒኻ ክርእዩኻ ኢዮም።
አብነት 2) ካብ ሩግዲ ዘቕጥነካ ሓድሽ መድሃኒት ‘አልትራ-ስኪኒ’ ኣንተወሲድካ ጽቡቕ ከምዝስመዓካ ክገብረካ ኢዩ። ብሩግዲኻ አይክትሽገርን ኢኻ። በቶም መጻምድትኻ ክኾኑ ዝኽእሉ ተቓራኒ ጾታ ብዝወርደካ ናይ አድናቖት ዘሽክለ ዓይኒ ተሓጎስ። ተደሰት ኣብቲ ዝሰፍነካ ናይ ካብ ሩግዲ ነጻነት ዝዓሰሎ ሂወት። ነዚ ኩሉ ሕጉስ ዓለም ከምዘሎ ክትፈልጥ እምበኣር ዳየትና (መድሃኒትና) ፈትን።
አብ ካልእ መዳይ እውን ንኣብነት ኣብ ፖለቲካ ብስምዒት ኣነሃሂርካ ሰብ ናብ ረብሓኻ ከምዝውስኑ ትገብሮም። ንኣብነት 1) ንዝቃወመካ ወገን አብ ፖለቲካ ከዳዕ፡ መሳርሒ ናይ ባዕዳውያን ሃገራት እናበልካ አብኡ እንከለኻ ብዘረባ ጥራይ (ብዘይጭቡጥ መርትዖ) ስምዒት ህዝቢ ተንኪፍካን ኣጎሃሂርካን ብጽልኢ እቲ ህዝቢ አንጻር ሓቂን ኣንጻር መሰሉን ኣንጻር ረብሕኡን ከምዝሰርሕ ትገብሮ እሞ ህዝቢ ብጽልኢ ትዓብሊኾም ንሓደ ምእንተኦም በጅኦምን ኢሉ ዝቃለስ ከም ደማዊ ጸላኢ ከምዝሪኢዎ ይኾኑ።

ይኹን እምበር እዚ ኹሉ ኣብ ቦቱኡ ሃልዩ ስምዒት ምምዝማዝ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ኩሉ ኩነታት ኣየድልን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሓቅነት ዘለዎ ንሓፋሽ ዘለዓዕል ርትዓዊ ሙጒት ብሚዛን ዘለዎ መገዲ ስምዒት ሰብ እንተመዝመዝካ ነውሪ የብሉን ምኽንያቱ ናይ ሙጉት ፈላጣት (ሙጉታውያን) ከምዝብልዎ ፈቲና ኣይፈተና ዝኾነ ተራ ህዝቢ ከተነቓንቖ እንተዄንካ ብስምዒቱ ቶኽቲኽካ ጥራይ ኢኻ ከተበራብሮ ትኽእል። ስለዚ ነዚ ሓይሊ ስምዒት ከም ስልትኻ ወስዲካ ምጥቃም ኪኢላ ተዛርባይ ኢዩ ዘውጽኣልካ ብግቡእ እንተጠቂምካሉ።  ብተወሳኺ ወድ ሰብ ካብ ብውድዓዊ መገዲ ወይ ዝግ ኢልካ ጥሉል ብዝኾነ መገዲ ንጭቡጥ መርትዖታት ኣሪኻ ሰሪዕካን/ኣዛሚድካ ብኩርካሕ ንኹሉ እንዳጸጸኻን እንዳነፊኻን እንካብ ክሓስብ ብስምዒት ክሓስብ ይቐለሉ ምኽንያቱ ርግእ ኢልካ ብሙጉታዊ መገዲ ምሕሳብ ኣዝዩ ከቢድ ስለዝኾነ።

22) ገበነኛነት ብሰሪ ምሕዋስ ምስ ሰብ (Guilt by Association) – ኣብዚ ሓደ መርገጽ ወይ ብህለት ይነብረካ እሞ ከም አጋጣሚ እቲ ትኣምነሉ ሓሳብ ሓደ ዘይትፈትዎ ወይ ክፉእ ሰብ’ውን ይኣምነሉ እንተኾይኑ ነቲ ሓሳብ ከም ተበረዘ ሪኢኻ ሓሶት ክኸውን ኣለዎ አብ ዝብል መደምደምታ ክትበጽሕ እንኮለኻ ኢዩ። ስለዚ አትድግፎ ሓሳብ ምስ ካልእ ከም ተጻይ እትሪኦ ሰብ ስለእተሓዋወሰ ወይ በቲ ሰብ ስለ እተኣምነሉ ክፍኣት ናይቲ ሰብ ምስቲ ሓሳብ ሓዋዊስካ ትብርዞ አለኻ። እዚ ግን ግጉይ መረዳእታ ወይ ሙጕት ኢዩ። ሓደ ሰብ ባህርያት ክፍኣቱን ጭካኔኡን ብዘየገድስ ኣቲ ዝኣምነሉ ዘሎ ሓሳብ ብውድዓዊ ዓይኒ እንተተራእዩ ልክዕ ወይ ሓቂ ሓሳብ ክኸውን ይኽእል። ((ናይዚ ብግልባጡ እንተሪኢና ድማ ሓደ ሓቂ ዘይብሉ ሙጕት ይህልወካ ግን ከም ኣጋጣሚ ሓደ እትፈትዎ ወይ ዉሩይ ወይ ፈላጥ ሰብ ዝኣምነሉን ዝፈትዎን ይጽንሕ እሞ ከም ሓቀኛ ምጕት ትወስዶን ትቕበሎን — ናይዚ ኣምር  ናይ ኣብ ሞያውያን ወይ ፈሊጣን ምጉዝጓዝ ዝብል ኣብ ቊ. 2 ዘሎ ረኤ። አብ ክልቲኡ ሸነኽ ነቲ ጉዳይ ካብቶም ሰባት ፈሊኻ ትሪኦ የለኻን።)) ስለዚ ሰንኮፍነት ወይ ስሕተት ኣብ ሙጕታዊ አተሓሳስባኻ ኣእቲኻ ኣለኻ። (-እግረ መገድና ክንጠቅስ እዚ ዝንቡዕ ሓሳባት ኣብ ሰብ እውን ክፍጸም ንሪኦ ኢና። ሓደ ሰብ ብጻዩ ወይ ቤተሰቡ ስለዘይትፈትዎም ዝኾንካ ወይ ገበነኛ ስለዝኾኑ፡ ነቲ ሰብ እውን ሓዊስካ ምስኦም ከም ገበነኛ ትሪኦ። በዚ ዓይነት አተሓሳስባ’ዚ አብ ሃገርና ከይተረፈ ክንደይ ንጹሃት ከም እተኣስሩ ንፈልጥ ኢና።)

ንኣብነት 1) ጸሊም ተቕላሳይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ማዕርነትን እምነቱ እቶም ዴሳውያን ሰልፊ (communist party) ዝበሃሉ’ውን ነቲ ሓሳብ ከም ሓደ እምነ-ኩርናዕ ፍልስፍንኦም ስለዝድግፍዎን ስለዝኣምኑሉን፡ እቶም የማናውያን ዓቃብውያን ሰባት ንናይ ማርቲን ሉተር ኪንግ ጠለብ ከም ናይ ኮምዩኒስት ሓሳብ ይርኢዎን ይነጽግዎን ነበሩ።
ኣብነት 2) ኣቶ ጠዓመ ኣብ ጉጒይ ስጒመ-ሙጒት (syllogism) ተቖሪኑ ይብል፦ ‘ናይ ጀርመን ሰልፊ ናዚ ንሰፊሕ ሃገራዊ ስርዓተ ሃይወያት ንኽስራሕ ብዙሕ ደፊኡሉ ኢዩ። ፕረዚደንት ኣይዘንሃወር እውን ንሰፊሕ ሃገራዊ ስርዓተ ሃይወያት ንኽስራሕ ብዙሕ ደፊኡሉ ኢዩ። ስለዚ ፕረዚደንት ኣይዘንሃወር ‘ናዚ’ ኢዩ ኔሩ።’ ኣብዚ ኣቶ ጠዓመ ንኣይዘንሃወር ብዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ምስ ናዚ ይሕውሶ ኣሎ።
ኣብነት 3) ‘ምንቅስቓስ ኣንጻር ሽጋራ ምትካኽ ኣብ ኩሉ ከስፋሕፍሕ ኣለዎ’ ዝብል እምነት ይነብረካ። እንተኾነ ግን ከም ኣጋጣሚ ብታሪኽ ነዚ ምንቅስቓስ ንመጀመርያ ኣብ ዓለምና ኣበጊሱ ዝተዓወተሉ ናይ ናዚ መራሒ ሂትለር ኣብ 30ታትን 40ታትን ከምዝኾነ ትፈልጥ። ዕላማ ናይ ጀርመን ድማ ከም ልሙድ ዝተማልኤ ጥዕና ናይ ሓንጎልን ኣካልን ዘለዎ ብሉጽ ዓሌት ጀርመናውያን ንምፍጣርን ከምኡ ድማ ደቅ-ኣንስትዮ ሽጋራ እንተትኪኸን ቀልጢፈን ብዕድመ ስለዝኣርጋ ሰብኡት ዝምርዓዉወን ከይስእናን ጥኑሳት እንተትኪኸን እውን ሓደጋ ሙማት ናይ ዝውለድ ህጻን ስለዘኸትል እሞ ናዚ ጀርመን ኣንስቶም ክፋረያን ክባዛሓን ክብሉ ዘውጽዎ ዕላማ ከም ዝነበረ ትርዳእ። በዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ምኽንያት እቲ ምንቅስቓስ ምጥፋእ ሽጋራ ምትካኽ ዝብል ስነ-ሓሳብ ከም ጉጉይ ትወስዶን ትነጽጎን። እዚ ግን ጌጋ ኢዩ ምኽንያቱ ሂትለር ኮነ ካልእ ኩፉእ ሰብ ን2+3=5 ዝብል ናይ ሕሳብ ቀመር ክም ሓቂ ይኣምነሉ። ከምኡ ኣሚኑ’ዩ ኢልካ ግን ነቲ ሓሳብ ኣይትነጽጎን።

ብተመሳሳሊ መልክዕ ከምኡ ሰብ-እከይ ዝኣምንዎ ካልኦት ሓቅታት ክህሉ ናይግድንን ባህርያውን ኢዩ። ናትካ ተራ ኣብ ኣመዛዝንኡን ኣፈራርድኡን ነቲ ነገር ግን ብውድዓዊ ተጨባጥነት ሪኢኻ’ዩ ክኽውን ዘለዎ።

ስለዚ ንምጥቕላል እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ 22 ኣምራት ስነ-ሙጒትን ኣበራቶምን እቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ስነ-ሓሳባዊ ባእታት ኮይኖም ናብ ኩሉ መዳያት ናይ ሂወትና ዝኣትዉ ዓንድታትን ሕቖን ናይ ኣታሓሳስባ ወዲ ሰብ ኢዮም። ኣብዚ ኣምራት ናይ ዱልዱል ሙጒት ክብል እንኮለኹ ኣብ ክትዕን ባእስን ወይ ኣብ ህልኻን ምጭቕጫቕን ዝኣትዉ  ምልውዋጥ ናይ ሓሳባት ወይ ብጉስጢን ቴስታን ምጒዳእን ምዝንጥጣልን ማለተይ ኣይኮነን። በንጻሩ ብስልጡን መገዲ ርግእ ኢልካ ብሓሳባት ተማጒትካን ተኸራኺርካን እትበጽሖ ጉዕዞ ናብ ሓቂ ኢዩ። ስለዚ እቲ ዓላማኻ መን ተዓዊቱ ወይ መን ተሳዒሩ ኣይኮነን። የግዳስ ኣብ ሓቂ ብርትዓዊ መገዲ ተበጺሑ’ዶ ዋላ ኣይተበጽሔን? ብተወሳኺ ሙጒት ክንብል እንኮለና ሰፊሕ ኣምር ዝሓዘለ ሓሳብ እዩ ምኽንያቱ ሙጒት ምስ ሰብ ምሙጋት ወይ ምክታዕ ማለት ጥራይ ኣይኮነን። ብሓሳብ ካ እውን ንርኢቶኻ፡ እምነትካ፡ ስምዒትካ፡ ውርርድ ሕልናኻን ውሳኔኻን ኩሎም ብህለት ኣዋዲድካ እትበጽሖ መደምደምታ ዝሓዘሉ ምስ ነብስኻ እተካይዶም ሙጒታት ኢዮም – ጌጋ ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየገድስ። ኣስቤዛ ክትገዝእ፡ ትምህርቲ ክትማሃር፡ ወጻኢ ክትገይሽ፡ ዓርኽኻ ክትበጽሕ፡ ስራሕ ክትደሊ፡ መጽሓፍ ከተንብብ፡ መጽሓፍ ክትጽሕፍ፡ ቲቪ ክትርኢ፡ ሃገር ክትበጽሕ፡ ኢንተርነት ክትኣቱ፡ ሞባይል ስልኪ ክትከፍት፡ ነብስኻ ክትሕጸብ ወዘተረፈ ኣብ ርእስኻ ሓሲብካ ናብ ምዂኑይ መደምደታ እተብጽሓሎም መስርሓት ኢዮም። እትጽሕፎም ጽሑፋት እውን እዚታት ዝሓዘሉ ኢዮም። እንተኾነ ግቡእን ስሩዕን ሙጒት ክትገብሮ እንተዄንካ እቶም ኣብ ቅድሜኻ ተቐጂሎም መታሓናዂልቲ ኮይኖም ዘሰናኹሉኻ ነገራት ክተለልዮምን ክትኣልዮምን ኢዩ ዘለካ። በዚ ድማ’ዩ ኣገዳስነት ኣፍልጦ ባዛዕባ መሰረታውያን ኣምራት ስነ-ሙጒትን ምምሃርሮሞን ኣድላዪ ዝኸውን። እዚ ብሳይንሳዊ መገዲ ዝግበር ርጡብ ሰንሰለታዊ ሙጒት ምስቲ ኣብ ሳይንስ ክትመራመር እንኮለኻ እውን እተከተካይዶ ዓይነት ኣገባብ ምርምር ሳይንስ ማለት 1) ሕቶ ምሕታት 2) መጽናዕቲ ድሕረ ባይታ ናይቲ ሕቶ ምክያድ 3) ጽንሰ-ሓሳብ ምፍላቕ 4) ዘርቀቕካዮ ጽንሰ-ሓሳብ ኣብ ተግባር ደጋጊምካ ምፍታን መታን ሓቅነቱ ንኸተረጋግጽ 5) ውጽኢትካ ንዓለም ምንጋር  – ብኸፊል ተመሳስልነት ይህልዎ። ሳይንስ ተሞክሮኣዊ ማለት ኣብ ብ5 ህዋሳትካ (ምርኣይ፡ ምስማዕ፡ ምሽታት፡ ምቕማስን ምትንካፍን) ተሞርኪሱ ቐጥታዊ መጽናዕቲ ዜካይድ ዓውደ-ፍልጠት ኮይኑ ብፈተነታት ንዝረኸብካዮ ተጨበጥቲ ሓቅታትን ዓቐናቶምን ድማ ኣብ ብመዘና-ዝግምገሙ ጆርናላት ኣሕቲምካ ተቕርብ – እንደገና ተመሊሶም ክንፈዩ መታን። ብተመሳሳሊ ኣገባብን ካይዳን ንዝያዳ ሓቂ ኣብ ስነ-ሞጎት ንክትበጽሕ ብሓንጎልካ ተረርቲ ተጨባጢ መርትዕታት ምርኩስ ብምግባር ናይ ሙጉት ውርርድ ትገብርን ኣብ ጥሉል ውሳነ ትበጽሕን። በዚ መሰረት እዚ ድማ ኢዩ እቶም ኣገዳስቲ ዝበሃሉ ናይ ስነ-ሙጒት ኣምራትን ስሕተቶምን ከም ስልቲ ኣጽኒዕና ክንፈልጦምን ከነለልዮምን ዘለለና። ነዚ ምስ እንገብር ኢና ኻኣ ንኹሉ ተርእዮ ብነቐፌታዊ ዓይኒ እንዳረኣናን እናነፈናን ነብሰ-ፍተሻ’ውን ምስኡ ወሲኽና ናብ ሓቂ ወይ ተዛማዲ ሓቂ ክንበጽሕ ንኽእል።

Sources

Hurley, Patrick J., A Concise Introduction to Logic, Boston: Clark Baxter, 2012
http://www.iep.utm.edu/ded-ind/
(Internet Encyclopedia of Philosophy – A Peer-Reviewed Academic Resource)
http://plato.stanford.edu/entries/abduction/
http://en.wikipedia.org/wiki/Logic
https://explorable.com/abductive-reasoning
http://examples.yourdictionary.com/examples-of-inductive-reasoning.html
http://en.wikipedia.org/wiki/Formal_fallacy
http://en.wikipedia.org/wiki/Deductive_reasoning
http://www.newworldencyclopedia.org/entry/Abductive_reasoning
http://www.nizkor.org/features/fallacies/
http://en.wikipedia.org/wiki/List_of_fallacies
http://www.torontosun.com/2011/06/07/man-guilty-of-killing-his-wife

Red Herring

http://www.enkivillage.com/straw-man-argument.html
http://study.com/academy/lesson/the-straw-man-fallacy-definition-examples.html
http://www.webpages.uidaho.edu/eng207-td/Logic%20and%20Analysis/most_common_logical_fallacies.htm
http://www.logicallyfallacious.com/index.php/logical-fallacies/159-scapegoating

Confirmation bias – logical fallacies

http://www.psychologyandsociety.com/confirmationbias.html
https://explorable.com/who-invented-the-scientific-method
http://www.bbc.com/news/magazine-18116112
http://www.spring.org.uk/2013/06/the-confirmation-bias-why-its-hard-to-change-your-mind.php
Thinking from A to Z – 2nd Edition: London and New York, Routledge, Warburton, Nigel, 2000
https://en.wikipedia.org/wiki/Anti-tobacco_movement_in_Nazi_Germany

Advertisements